ኢትዮጵያ፡ ግህሰት መሰላት ዝዓፈነን እንጀራ ብዙሓት ዝዓጸወን ምቍራጽ ኢንተርነት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣገልግሎት ኢንተርነት ካብ ዝቋረጽ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኰይኑ ኣሎ።

ዓደግትን ሸየጥትን ድማ ከይራኸቡ ምኽንያት ኰይኑ፡ ንጥፈታት ንግዲ ኣዛሕቲሉ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ፡ ተምሃሮን ተመራመርትን ካብ ምንጪ ፍልጠት ክርሕቍ፤ ደለይቲ ስራሕ ካብ ሃድን ስራሕ መርበብ ሓበሬታታት ክፈላለዩን ገይሩዎም ኣሎ።

ነበርቲ እቲ ክልል ካብ ሓበሬታ ክርሕቍን ኣብቲ ክልል ዝፍጸም ግህሰት መሰላት ክዕፈኑ ከምዝገበረ እውን ይንገር።

እቲ ምቍራጽ ኣገልግሎት፡ "ህይወተይ ንድሕሪት ክምለስ ገይሩ’ዩ" ይብል ነባሪ ጐንደር ዝዀነ ዋለልኝ።

ንሱ፡ ቅድሚ ሕጂ ኢንተርነት ካፈ ከፊቱ’ዩ መነባብሮኡ ዝመርሕ ነይሩ።

ካብ 26 ሓምለ 2015 ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ኢንተርነት ከምዝተቛረጸ ዝገልጽ እቲ መንእሰይ፡ ብዘይ ኢንተርነት ክሰርሕ ስለዘይክእል ስርሑ ደው ኣቢሉ ሰራሕተኛታቱ ከፋኑ ከምዝተገደደ ይዛረብ።

ንሱ ከምዝብሎ ንኣስታት ክልተ ዓመት ንርእሱን ንስድራኡን ዘመሓድረሉ ዝነበረ ስርሑ ካብ ወጻኢታቱ ዝተረፈ ኣብ ወርሒ ኣስታት 5 ሽሕ ብር ይረክብ ነይሩ።

ብተወሳኺ ብስርዓት ሓበሬታ ብዲግሪ ተመሪቓ ስራሕ ኣልቦ ዝነበረት ሓንቲ መንእሰይ ዕድል ስራሕ ፈጢሩላ’ዩ። ሕጂ ግን ካብ ስርሓ ኣፋንዩ ካብቲ ዝተኻረዮ ገዛ ወጺኡ ኣሎ።

እንተዀነ ሓደ መዓልቲ ናብ ስራሕ ክምለስ እየ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።

ነባሪ ባህር ዳር ዝዀነ ጌታቸው’ውን ዝገጠሞ ነገር ምስቲ ናይ ዋለልኝ ዝመሳሰል እዩ። ስድራኡ ዘመሓድረሉ ስራሕ ብመገዲ ኢንተርነት ዝካየድ እዩ ነይሩ።

‘ንሃገረይ ሸርፊ ወጻኢ የምጽኣላ ነይረ’

ኣብዚ ስራሕ ኣብ ወርሒ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዶላር ይረክብ ከምዝነበረ’ዩ ጌታቸው ዝገልጽ።

"ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ብዝሰርሖ ስራሕ ንሃገር ዝያዳ ሸርፊ ወጻኢ ኣታዊ ይገብር ነይረ።" ኣብዚ እዋን ግን ንሰራሕተኛታቱ ዝኽፈል ደሞዝ ኣይኰነን ንገዛእ ርእሱ ዝኸውን ከምዘይብሉን ህይወቱ ከምዝተዘረገን ይዛረብ።

እቲ ኣገልግሎት ቀልጢፉ ክምለስ’ዩ ብዝብል’ኳ እንተተጸበየ፡ ዝተቐየረ ነገር ስለዘይነበረ፡ ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ካብ ስራሖም ከፋንዎም ተገዲዱ’ዩ።

"ስራሕ ፈጢርና ብምስራሕና መንግስቲ ክድግፈናን ከተባብዓናን ነይርዎ" ዝብል ጌታቸው ንሱን ካልኦት በቲ ኣገልግሎት መነባብሮኦም ዝመርሑ ነበርቲ እቲ ክልልን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ይዛረብ።

"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ንሃገረይ 100 ሽሕ ዶላር ሸርፊ ወጻኢ ኣታዊ ገይረ’የ" ይብል።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ሚድያ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብምጥቃስ መንግስቲ ንዘሎ ኣማራጺታት እናዓጸወ ኣብ ዝኸደሉ ሽቕለት ኣልቦነት ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ገበን ከተባብዕ ከምዝኽእል ስክፍታኡ ይገልጽ።

ፍልሰት ኢንተርነት

ኣብቲ ብዙሕ መስሕብ ቱሪዝም ዘለዎ ክልል፡ ክንዮ ጸገም ጸጥታ፡ ስእነት ኣገልግሎት ኢንተርነት ቍጽሪ በጻሕቲ ድሩት ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።

ኣብ ዓውዲ ሆቴልን ቱሪዝምን ዝተዋፈሩ ሰባት ምስ ኣጋይሾም ብቐሊሉ መልእኽቲ ክለዋወጡ ዝኽእሉሉ ኣማራጺ የለን። ኢንተርነት ክረኽቡ ካብ ዝተገበሩ ውሱናት በዓል ኮኾብ ሆቴላት ወጻኢ፡ መብዛሕትኦም ነቲ ኣገልግሎት ኣይረኽቡን።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብ ጐንደር ናይ ዝርከብ ሆቴል ኣካያዲ ስራሕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ካብ ዝነበረ ዝኸፍአ ኵነታት እዩ ዘሎ" ኢሉ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ዓማዊል ኢመይል ክለኣኣኽ ዘኽእሎ ኣማራጺ የለን፤ ኣብቲ ሆቴል ሻሂ ወይ ቡን እናሰተዩ ዘንብቡ፡ መጽናዕቶምን መርመራታቶምን ዝሰርሑ ዝነበሩ ዓማዊል እውን ምምጻእ ኣቋሪጾም እዮም።

ብሰንኪ እዚ ድማ እቲ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ዝነበሮ ሆቴል ንምዕጻው ከምዝቐረበ ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብዙሓት ሰባት ኢንተርነት ክረኽቡ ናብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልልን ካልኦት ከባቢታትን ይውሕዙ ኣለዉ።

ጌታቸው ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝተመዛበሉ ኣዕሩኽ ኣለውዎ።

ገለ ካብ ኣዕሩኽቱ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ውርርድ ስፖርት ተዋፊሮም ግብሪ እናኸፈሉ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይዛረብ።

መንግስቲ እቲ ክልልን ፈደራልን፡ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ሰላም ይምለስ ከምዘሎ’ኳ ብተደጋጋሚ እንተገለጹ፡ ሕጂ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ግጭት ከምዘሎን ኣገልግሎት ኢንተርነት እውን ገና ተቛሪጹ ከም ዘሎ ይንገር።

"መንግስቲ ከምዝብሎ እቲ ክልል ሰላም እንተዀይኑ ንምንታይ ኢንተርነት ዘይምለስ?" ይሓትት ጌታቸው።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ግጭት ዝተለዓለ፡ መንግስቲ ንፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዕጥቂ ከፍትሕ ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ እዩ።

'ምዕፋን ሰብኣዊ መሰላት'

ንቢቢሲ ዘዘራረቡ ነበርቲ፡ ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ኣብቲ ክልል ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ምዃኑ ይጠቕሱ።

ብ19 ጥቅምቲ 2016 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር መግለጺ፡ ኣብቲ ዞባ ዓመጽ፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለታትን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ዝርከብዎም ሰፊሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ የመልክት።

መራኸቢ ብዙሃንን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብሰንኪ ምቍራጽ ኢንተርነት፡ ካብቲ ክልል እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ተጸጊሞም ይርከቡ።

ኢንተርነት ምዕጻውን መስመራት መራኸቢ ምቍራጽን መንግስታት ዓፈና ንምፍጻም ዝጥቀሙሉ መሳርሒ ምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይዛረቡ።

'ኣክሰስ ናው' ዝተበሃለ ተጣባቒ ዲጂታላዊ መሰላት ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ መንግስታት መርበባት ኢንተርነት ወይ ተሌኮሙኒኬሽን ዝዓጽዉ፡ ግጭት፣ መረጻ፣ ህዝባዊ ተቓውሞታትን ፖለቲካዊ ናዕብን ክህሉ ከሎ ከምዝዀነ የመልክት።

እቲ ትካል ኣብ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 2016 [ኣ.ኣ] ጀሚሩ ብሰንኪ ዘጋጠሙ ግጭታት፡ መጥቃዕትታትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ብውሑዱ 26 ግዜ ኢንተርነት ከምዝተቛረጸ ገሊጹ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት [2023] ኢንተርነት ክቋረጽ ንኻልኣይ ግዚኡ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ስለዝዀነ መንግስቲ ኣብ እዋን ግጭት ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝዕፍንን ዋሕዚ ሓበሬታ ዝዓግትን ምቍራጽ ኢንተርነት ደው ክብልን ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ኢንተርነት ክምለስን ሓቲቱ።

"ኣብ እዋን ህጹጽ እዋን ኢንተርነት ምዕጻው፡ መሰል ሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽን ሓበሬታ ምርካብን ብምድራት፡ ንህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትዩ'ሎ" ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ዝተረኣየ፡ ኢንተርነት ምዕጻው ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ገበነኛታት ብሕጊ ከይሕተቱ፡ ነበርቲ ድማ ኣገደስቲ ህይወት ዘድሕኑ ሓበሬታታት ከይረኽቡ ከምዝገብር ኣጠንቂቑ።

ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራሲን ፖለቲካዊ ነጻነትን መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ እንተወሓደ ሰለስተ ግዜ ኢንተርነት ከምዝተቛረጸ ይሕብር።

እቲ ትካል ኣብቲ ካብ 24 ግንቦት 2014 ክሳዕ 23 ግንቦት 2015 ኣብ ዘሎ እዋን ኢንተርነት ዝተቛረጸሎም ፍጻመታት ዘርዚሩ’ዩ።

  • ኣብ መንጐ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ሓይልታት ፈደራል መንግስትን ብዝተኻየደ ግጭት ኣብ ሰነ 2014 ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ቄለም ወለጋ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተሌፎንን ተቛሪጹ።
  • ኣብ መንጐ ሓይልታት ፈደራልን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ብዝተፈጠረ ወጥሪ መጋቢት 2015 ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት እቲ ክልል ሞባይል ዳታ ተዓጽዩ።
  • ኣብ መንጐ ኣቦታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብዝተረኣየ ፍልልይ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞ ምስተጸውዐ፡ ጥሪ 2015 ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ቲክቶክ፡ ተሌግራም፡ ፌስቡክን ዩትዩብን ተገዲቡ።

ዋላ’ኳ ኣብቲ እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ እንተዘይተጠቓለለ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን መንግስቲ ፈደራልን ብዝተፈጠረ ግጭት ኢንተርነት ካብ 26 ሓምለ 2015 ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ተቛሪጹ ይርከብ።

ኣንጻር 'ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025'

ሕቡራት ሃገራት መሰል ምጥቃም ኢንተርነት ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ዝኣወጀ ኣብ 2016 እዩ ነይሩ። ይዅን’ምበር ኵሎም መራሕቲ ዓለም ግን ደገፍቲ ናይዚ ሓሳብ ኣይኰኑን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025' ዝብል መደብ ኣብ 2019 ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ፡ ኢንተርነት "ማይ ወይ ኣየር ኣይኰነን" ብምባል፡ ሃገር ንምርግጋእ ኢንተርነት ምቍራጽ ኣድላዪ ዝዀነሉ እዋን ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ስትራተጂ ብቐንዱ ዲጂታዊ ትሕተ-ቕርጺ ብምህናጽን ብምስፋሕን ቍጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ንምቅልጣፍ ዝዓለመ እዩ።

ኣብቲ ስትራተጂ ካብ ዝተቐመጡ ዕላማታት፡ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ዲጂታይዝ ምግባር፡ ካብ ኢንተርነትን ዲጂታዊ ክፍሊት ክሳብ ኣጠቓቕማ ካልኦት ዲጂታዊ ቴክኖሎጂታት ምዕባይ፡ ስራሕ ምፍጣርን ኣታዊታት ሸርፊ ወጻኢ ምውሳኽን ዝብሉ ይርከብዎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዘስምዖ መደረ ኣንጻር እዚ ዕላማ ኰይኑ፡ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዲጂታዊ መሰላትን ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡ’ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮ ተሌኮም፡ ኣብ ኢትዮጵያ 33 ነጥቢ 9 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኢንተርነትን ዳታን ኣለዉ።

እታ ሃገር ብዝሒ ህዝባ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኢንተርነት ኣብ ምብጻሕ ገና ብዙሕ ዝተርፋ’ኳ እንተሎ፡ ነቲ ዘሎ ብምዕጻው ግን ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ከምትስራዕ ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ኣብ ዓለምን ኣገልግሎት ኢንተርነት ምርካብ ካብ ዝኽእሉ 4.9 ቢልዮን ሰባት፡ እቶም 46 ሚእታዊት፡ ሰበስልጣን ብፖለቲካዊ ምኽንያታት ኢንተርነት ኣብ ዘቋሩጹለን ሃገራት ይርከቡ።

እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ፡ ንዝሓለፉ 13 ተኸታተልቲ ዓመታት ነጻነት ኢንተርነት እናነከየ ከምዝመጸ እውን የመልክት።

*ተጠቒሱ ዘሎ ኣስማት ብምሉኡ ተቐይሩ’ዩ።