ፖለቲካ ኒውዮርክ ዘናወጸ ዞህራን ማምዳኒ መን እዩ?

ዞህራን ማሕሙድ ማምዳኒ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images

ኣባል ባይቶ ግዝኣት ኒውዮርክ ዝዀነ ወዲ 33 ዓመት ዞህራን ማምዳኒ፡ ንኸንቲባነት እታ ከተማ ሕጹይ ደሞክራት ተዓዊቱ ዘሎ ኰይኑ፡ በዚ ድማ ናይ መጀመርታ ናብቲ ደረጃ ዝበጽሐ ኣስላማይ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ።

ማምዳኒ ነቲ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ዝነበረን፡ ኣብ 2021 ብኽሲ ጾታዊ ዓመጽ ስልጣኑ ዝለቐቐን ኣንድሩ ኩሞ ስዒሩ እዩ፡ ብገዚፍ ደገፍ ህዝብን ኣተሓሳስባ ጸጋማዊ ክንፊን ተደሪኹ ኣብዚ ደረጃ በጺሑ ዘሎ።

ንሱ ውጽኢት ኣብ ዝተሰምዓሉ ምሸት ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ሎሚ ምሸት፡ ታሪኽ ሰሪሕና" ድሕሪ ምባል፡ "ኣነ ንኸንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ሕጹይ ደሞክራትኩም ክኸውን እየ፡" ኢሉ።

እቲ መንእሰይ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ገዲም ኣንድሩ ኩሞ - ኣብ ሓደ እዋን ንፖለቲካ እታ ግዝኣት ዓብላሊ ዝነበረ ሰብ - ዝረኸቦ ዓወት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ማእከል ስሕበት እታ ከተማ ዓቢይ ለውጢ ከም ዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ዩጋንዳ ናብ ኣመሪካ

ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ ዝተወልደ ማምዳኒ፡ ወዲ 7 ዓመት እንከሎ እዩ ምስ ስድራኡ ናብ ኒውዮርክ ግዒዙ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስነፍልጠት ብሮንክስ ተማሂሩ፡ ድሒሩ ድማ ካብ ኮለጅ ቦውዶይን ኣትዩ ብመጽናዕቲታት ኣፍሪቃ ዲግሪ ረኺቡ፡ ኣብኡ ድማ ምስ ብጾቱ፡ 'ተመሃሮ ንፍትሒ ፍልስጤም' ዝብል ምንቅስቓስ መስሪቱ።

እዚ ንፈለማ እዋን ኣስላማይን መበቈል ደቡብ እስያን ዘለዎ ከንቲባ እታ ከተማ ክኸውን ዝኽእል ሓያል ገስጋሲ፡ ናብቲ ዓወት ተጸጊዑ ኣሎ። ኣብ ሓደ ናይ ጐስጓስ ቪድዮ ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋ ኡርዱን ኣብ ክሊፓት ፊልም ቦሊዉድ ሓዋዊሱ ለጢፉ፤ ኣብ ካልእ ድማ ስጳኛ ክዛረብ ይስማዕ።

ማምዳኒን ብዓልቲቤቱ ራማ ዱዋጂን፡ ሂንጅ ብዝተባህለ መተግበሪ ሌላ ዕርክነት እዮም ተራኺቦም። ሰርብያዊት ስነጥበበኛ ራማ ዱዋጂ ጓል 27 ዓመት ኰይና ኣብ ብሩክሊን እያ እትነብር።

ኣደኡ ሚራ ናይር ፍልጥቲ ዳይረክተር ፊልም ክትከውን እንከላ፡ ኣቦኡ ፕሮፌሰር ማሕሙድ ማምዳኒ ድማ ኣብ ኮሎምብያ ዩኒቨርሲቲ ይምህር። ክልቲኦም ወለዱ ተምሃሮ ሃርቫርድ ነበር እዮም።

ዞህራን ማምዳኒ ምስ ወለዱ - ፕሮፌሰር ማሕሙድ ማምዳኒ (ጸ) ሚራ ናይርን (የ)ን በዓልቲ ቤቱ ራማ ዱዋጂ (ማ)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዞህራን ማምዳኒ ምስ ወለዱ - ፕሮፌሰር ማሕሙድ ማምዳኒ (ጸ) ሚራ ናይርን (የ)ን ብዓልቲቤቱ ራማ ዱዋጂ (ማ)

ማምዳኒ፡ ንነብሱ ከም ሕጹይ ህዝቢ እዩ ዘቕርብ

"ህይወት ብዘይስገር ጥውይዋያት እናወሰደቶ እንከላ፡ ኣብ ፊልም፡ ራፕን ጽሑፍን" ከም ዝሓለፈ፡ ኣብ ባይቶ ዝሰፈረ ታሪኹ ይንበብ። "ኵሉ ፍጻመታት ዓለምና ግን ናብ ተስፋ ምቝራጽ ዘይኰነስ ናብ ተግባር ዝድርኽ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምእታዉ፡ ከም ኣማኻሪ ኣባይቲ ኰይኑ ሰሪሑ፤ ኣብ ኲንስ ንዝርከቡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ወነንቲ ኣባይቲ ኣብ ምምኻር ብዙሕ ከም ዝሓገዘ ይንገረሉ።

እስልማና እምነቱ ድማ ጕሉሕ ኣካል ጐስጓሱ ገይሩዎ ኣሎ። ኣብ መሳጊድ ብቐጻሊ ይኸይድ፣ ንቅልውላው ዋጋ መነባብሮ እታ ከተማ ኣመልኪቱ ድማ ብቛንቋ ኡርዱ ቪድዮታት ጐስጓስ ይዝርግሕ ነይሩ።

"ኣስላማይ ኴንና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ምባል፡ ሓደሓደ ግዜ ነቲ ከይተፈለጥካ ምኻድ ዝህበካ ውሕስነት መስዋእቲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡" ክብል ኣብዚ ጽድያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ገሊጹ።

ፖለቲካዊ ዳይረክተር ትካል ማሕበራዊ ፍትሒ 'ድራም' ጃግፕሪት ሲንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ንኸንቲባነት ካብ ዝወዳደሩ ዘለዉ ሕጹያት፡ ነቶም ኣነ ዝግደሰሎም ጉዳያት ብዘይካ ዞህራን ካልእ ዝዀነ ሰብ ኣይውክሎምን እዩ፡" ኢሉ።

ቃልሲ ማምዳኒ ኣብ ርትዓውነት ዋጋታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ማምዳኒ ኣብታ ዝኸበረት ከተማ ኣመሪካ ዝርከቡ መረጽቲ ደሞክራትስ ኣብ ተጸዋሪ ዋጋታት ከተኵሩ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

"እዛ ከተማ ካብ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ነበርታ ኣብ ድኽነት ዝነብረላ ከተማ እያ፤ ነፍስወከፍ ምሸት 500,000 ቈልዑ ከይተመገቡ ብጥሙያቶም ዝድቅሱላ ከተማ እያ;" ክብል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ መደብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። "ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ዘላ ከተማ ብምዃና ድማ ኣዝዩ ፍሉይ ይገብራ ኢሉ።"

ንሱ ነዚ ዝስዕብ ኣማመ ሓሳባት ኣቕሪቡ ኣሎ፤

  • ነጻ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ኣብ መላእ ከተማ
  • ክራይ ገዛ ምቍራጽን፣ ጽኑዕ ተሓታትነት ንዘይግዱሳት ኣካረይቲ ገዛን
  • ኣብ ርትዓውነት ዋጋታት ዕዳጋ ዘተኰረ ብኸተማ ዝውነና ድኳናት ምግቢ
  • ካብ ሽዱሽተ ሰሙን ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ንዝዕድመኦም ህጻናት ኣድማሳዊ ክንክን
  • ክራይ ኣባይቲ ዘረጋግእ ብማሕበር ሰራሕተኛታት ዝስራሕ ኣባይቲ ብሰለስተ ዕጽፊ ምውሳኽ።

ብተወሳኺ መደቡ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ዘድሊ ምትዕርራይ ኣሰራርሓ ብምግባር፡ ወነንቲ ንብረት ተሓተትቲ ንምግባርን ንሓዋሩ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝሽየጥ ኣባይቲ ብሰፊሑ ምስፋሕን'ውን የጠቓልል።

ኣብ ጐስጓሱ፡ ነዞም ፖሊሲታት ብኣዝዩ ስእላውን መሳጢ ኣቀራርባ ዝተሓወሶ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣተሓሒዙ ኣቕሪብዎም። ኣብ ኣትላንቲክ ንጉዳይ ምቝራጽ ክራይ ገዛ ብድራማዊ መልክዕ ክቐርብ ከሎ፡ ንዘይውሕስነት መግቢ ንምጕላሕ ድማ ኣብ ባቡር ትሕቲ ምድሪ ኰይኑ ኢፍጣር ጾመ ሮሞዳን ኣካይዱ። ሒደት መዓልታት ቅድሚ እቲ መባእታዊ መረጻ፡ ምስ መረጽቲ እናተሳእለ፡ ኣብ ምሉእ ማንሃታን ተጓዒዙ።

ማምዳኒ፡ ነታ ከተማ ብርትዓዊ ዋጋታት ክትንበር ከም እትኽእል ክገብራ ከም ዝኽእል ጸኒዑ እኳ እንተ ተማጐተ፡ ገለ ነቐፍቲ ግን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቢይ መብጽዓታት ኣብ ሕቶ የእትውዎ እዮም።

ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ መባእታዊ መረጻ ከንቲባ እታ ከተማ ንዝዀነ ሰብ ኣይደገፈትን፤ ብሓፈሻ ነቶም ሕጹያት ነቒፋ እያ። ኣዳላዊ ቦርድ እታ መጽሔት፡ ኣጀንዳ ማምዳኒ "ንብድሆታት እታ ከተማ ብፍሉይ ዘይምጥን" ምዃኑን "መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነቲ ዘይተርፍ ሕልኽላኻት ምሕደራ ግምት ዘይሃበ፡" ክብል ገሊጹ።

ክራይ ገዛ ምቍራጽ ቀረብ ኣባይቲ ክድርት ምዃኑ እቲ ቦርድ ይገልጽ።

ማምዳኒ ብዓወቱ ንበዓልቲ ቤቱ የመስግን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ማምዳኒ ብዓወቱ ንብዓልቲቤቱ የመስግን

ጉዳይ ተመኵሮ ማምዳኒ

ኣንድሩ ኩሞን ካልኦትን፡ ማምዳኒ ንሓንቲ 115 ቢልዮን ዶላር ባጀትን ልዕሊ 300,000 ሰራሕተኛታት ዘለዋ ከተማን "ገና ዘይተፈተነ" ብኻልእ ኣዘራርባ ተመኵሮ ዘይብሉን ገይሮም ይገልጽዎ። ኣብ ርእሲኡ ኣዝዩ ሱር በተኻዊ ብምባል ብጽቡቕ ኣይጥምትዎን።

ብቢል ክሊንተን ካልኦት ዓበይቲ ለገስቲን ዝተደገፈ ኩሞ፡ ጉዳይ ተመኵሮ ቀንዲ ምዃኑ ይከራኸር፤ "ተመኵሮ፡ ብቕዓት፡ ነቲ ስራሕ ከመይ ገይርካ ከም እትሰርሖ ምፍላጥ፡ ምስ ትራምፕ ከመይ ከም እትገጥም ምፍላጥ፡ ምስ ዋሽንግተን ከመይ ከም እትራኸብ ምፍላጥ፡ ምስ ሓጋጊ ኣካል እታ ግዝኣት ከመይ ከም እትራኸብ ምፍላጥ መሰረታውያን ጉዳያት እዮም። ኣነ ስልጠና ኣብ ስራሕ እኣምን እየ፤ ግን ኣብ ስራሕ ከንቲባ ኒውዮርክ ኴንካ ኣይኰነን።"

ትሪፕ ያንግ ዝተባህለ ስትራተጂስት ፖለቲካ ግን "ተመኵሮ" ኣብዚ ፖለቲካዊ ዘመን ናይ ግድን ጸወታ ዝቕይር ኣይኰነን ይብል። ብተወሳኺ ያንግ፡ ማምዳኒ ይዕወት ኣይዕወት፡ ኣገባብ ጐስጓስ ፍጹም "ዘይሕሰብ" ከም ዝገበረ እዩ ብኣድናቘት ዝገልጽ።

"ዞህራን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ወለንተኛታት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ፍሉያት ለገስቲ እዩ ተሓጊዙ። ኣብ ጐስጓስ ከባብያዊ መባእታዊ መረጻ ደሞክራት ኒውዮርክ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል መጠን ወለንተኛታትን ካብ ታሕቲ ክትረክብ ምኽኣል ኣዝዩ ሳሕቲ'ዩ፡" ኢሉ።

"ይርድኣና እዩ፣ ናትና'ዩ፣ ካብ ማሕበረሰብና'ዩ፡ ትፈልጡዶ፡ ማሕበረሰብ ስደተኛታት፡" ክብል ደጋፊኡ ሎክማኒ ራይ ወሲኹ ይገልጽ።

እስራኤልን ፍልስጤምን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጃክሰን ሃይትስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ካብቶም ብዙሕነት ማሕበረሰባት እታ ሃገር ዝርኣየሉ ፓርክ ኣብ ዝተኻየደ ጐስጓስ ማምዳኒ፡ ህጻናት ናብ ሸየጥቲ መግቢን ኣይስክሬምን ላቲኖ ይጐዩን ይጻወቱን ነይሮም።

ብብዙሕ መዳዩ እቲ ትርኢት፡ ነቲ ብዙሓት ደሞክራትስ ከም ዝዓበየ ትውፊት ኒውዮርክ ዝቘጽርዎ ብዙሕነት እታ ከተማ ፍጹም ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ። እታ ከተማ ግን ብዘይ ዓሌታውን ፖለቲካውን ወጥሪ ኣይትነብርን። ማምዳኒ፡ መዓልታዊ ጽልኢ-እስልምናን ምፍርራሕ ከም ዝበጽሖን ገለ ድማ ንስድራቤቱ ዒላማ ከም ዝገበሩን ገሊጹ። ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ምፍርራሕን ገበናት ጽልእን መርመራ የካይድ ኣሎ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዓሌትነት ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ዝተሰብረ ነገር ከም ዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ደሞክራትስ፡ "ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ክምረጽ ምፍቃዶም" ይነቅፍ። "መን ምዃኑ ካበይ መጺኡን ብዘየገድስ" ንሸቃላይ ሕብረተሰብ ደው ክብል ዘይክእል ምዃኑ ይገልጾ።

ኵነታት እስራኤል ቓዛ ኣብ ኣእምሮ መረጽቲ ቦታ ኣለዎ።

ማምዳኒ ንፍልስጤማውያን ዝገብሮ ሓያል ደገፍን ንእስራኤል ዘቕርቦ ተሪር ነቐፌታን ካብ ኣቃውማ ደሞክራስያውያን ዝረሓቐ እዩ። ንሱ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ሰፈራታት እስራኤል ርክብ ዘለወን ትካላት ግብረ ሰናይ ኒውዮርክ ካብ ግብሪ ነጻ ምዃነን ዘብቅዕ እማመ ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ከም ዘላ፣ ሃገረ ኣፓርታይድ ምዃና ከም ዝኣምን፣ ቀዳማይ ምኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ክእሰር ከም ዘለዎን'ውን ገሊጹ። እስራኤል ንኽሲ ምጽናት ዓሌትን ኣፓርታይድን ብትሪ ትነጽጎ።

ማምዳኒ፡ እስራኤል ከም ኣይሁዳዊት ሃገር መሰል ህላወ ይድግፍ ድዩ ኣይድግፍን ንምግላጽ ኣብ ቃለመሕትት ብዙሕ ግዜ ጸቕጢ ክግበረሉ ተራእዩ እዩ። ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ብሃይማኖት ይዅን ካልእ መሰረት ዜግነት ዘለዎ ዝዀነ ይዅን ግዝኣት ኣይድግፍን እየ፤ በዚ እዩ ከኣ ኣብዛ ሃገር ብማዕርነት ክንነብር ዝኸኣልናሉ ኵነታት። እዚ ድማ ኣብ ነፍሲወከፍ ሃገር ክስረጽ ኣለዎ ዝብል ግምት ኣለኒ - እዚ እዩ እምነተይ፡" ኢሉ። እስራኤል ኵለን ሃይማኖታት ብመሰረት ሕጊ ማዕረ መሰል ኣለወን ትብል።

ማምዳኒ ብተወሳኺ መሰል ሃገርነት እስራኤል፡ "ከም ኵሎም ኣህዛብ፡ ናይ ምህላው መሰል ከም ዘለዋን ማዕሪኡ ድማ ኣህጉራዊ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ከም ዘለዋን እኣምን፡" ኢሉ።

ማምዳኒ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ንጸረ-ሴማውነት ዝኸውን ቦታ ከም ዘየሎ'ውን ብምግላጽ፡ እንተ ተመሪጹ፡ ገበናት ጽልኢ ንምምካት ዝሕግዝ ምወላ ከም ዝውስኽ ገሊጹ።