እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ዓኾር ዘባድ ዝርከብ ኣብ ዓለምና ዝኸበረ ቡን
ዘባድ እተፍርዮ ቡን ካብቲ ብተለምዶ ተኣርዩ፡ ተሓጺቡን ፈሊሑን ዝስተ ቡን ዝተፈልየ እዩ።
ቡን ዘባድ፡ ጽምኢ ዘርዊ ጥራይ ዘይኮነስ መግለጺ ደረጃ፡ ዋጋኡ’ውን ክቡር ከም ዝዀነ ይንገር።
እዚ ብእንግሊዝኛ ‘ሲቨት ኮፊ’ ወይ ድማ ‘ኮፒ ሉዋክ’ ብዝብል ዝፍለጥ ቡን፡ ኣብ ዓበይቲ ሆቴላት ብኽቡር ዋጋ ይሽየጥ።
ተጣበቕቲ መሰል እንስሳታት ግን ግቡእ ከም ዘይኰነ እዮም ዝምጕቱ።
ዘባድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘባድ (ካብ ጽኪ ዘባድ ዝርከብ ብርቱዕ ዝጨናኡ ንጥረ ነገር) ብምፍራይ’ያ ትፍለጥ። ዘባድ ድማ ሽቶ ንምስራሕ ይውዕል። ጨና ዘባድ ብዝብል ድማ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝባድ ናብ ወጻኢ ብምልኣኽ ትፍለጥ እኳ እንተኾነት፡ ቡን ዘባድ ኣብ ምፍራይን ሰደድን ግን ከም ዘይተዓወተት ክኢላታት ይገልጹ።
ዝባድ ብኸመይ’ያ ቡን እተፍርይ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣካዳሚያዊ ጉዳያትን ተመራማሪ እንስሳ ዘገዳምን ዝኾነ ዶክተር ታደሰ ሃብታሙ፡ ብዛዕባ ዘባድ ሓያሎ ምርመራታት ኣካይዱ እዩ።
ዶክተር ታደሰ፡ "ብሓጺሩ ኮፒ ሉዋክ፡ ዘባድ ቀይሕ ቡን (ዝበሰለ ቡን) ድሕሪ ምብላዓ ኣብቲ ቆርበት ዘሎ ፕሮቲንን ካርቦሃይድሬትን ወሲዳ ምስቲ ሓሰር ተውጽኦ ቡን ማለት'ዩ" ይብል።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እታ ዘባድ ትደልዮ "ኣብቲ ቡን ዘሎ ንጥረ ነገር" እዩ።
ቀይሕ ቡን ምቁር ስለ ዝዀነ፡ ዝባድ ጥራይ ዘይኮነትስ ህጻውንቲ’ውን ከም ዝበልዕዎ ይዛረብ።
“ተመራሚርና ከም ዝረኸብናዮ፡ ቆርበት ቡን ፕሮቲን፡ ካርቦሃይድሬትን ስብሕን ኣለዎ። ስለዚ ኮፒ ሉዋክ ማለት ካብ ከርሲ ዘባድ ዝርከብ ቡን ማለት እዩ።"
ኣብ ውድብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕቡራት ሃገራት (UNIDO) ሃገራዊ ቴክኒካዊ ኣማኻሪ ፕሮጀክት ቡን ኰይኑ ዘገልግል ክኢላ ቡን ኣቶ ፍጹም በከሬ፡ "እቲ ቡን ካብ ከርሲ ክወጽእ ከሎ ከም ዘይተሓጽበ ቡን እዩ" ብምባል ንሓሳብ ዶክተር ታድሰ ይድግፍ።
ዝባድ እንታይ ዓይነት እንስሳ እያ?
ዘባድ ብምፍራይ እትፍለጥ ዘባድ፡ መደባ ምስ መጥበውቲ እንስሳታት ኰይኑ ብተፈጥሮኣ ስጋን ኣሕምልትን ትበልዕ።
“ኣብ ዓመት ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ግዜ ትወልድ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣርባዕተ ወሊዳ ክልተ ድማ ተዕቢ" ይብል እቲ ተመራማሪ እንስሳ ዘገዳም።
“ካብ ማንቲለ ዝነኣሳ ኣዕዋፍን እንቋቝሖአንን ትበልዕ። ዝሞተ ነገር ትገድፎ የለን። ማንቲለ፡ ኣንጭዋ ትሃድን። ብዘይካ ቡን ፍረታት ዋርካን ዋንዛን እውን ትበልዕ’ያ።”
ዶክተር ታደሰ፡ "ሰብ ኣይትፈትውን፤ ዋላ እንተልመድካያ ሕራይ ኣይትብልን። ክትጥንቀቕ ኣለካ። ኣብ ገዛ ወሊዳ እንተ ኣዕቢያ ትለምድ እያ። ኣብ ደገ ዝተታሕዘት ግና ምስ ሰብ ኣይትሳነን እያ" ይብል።
ዘባድ ኣብ ማሕበራዊ ህይወታ ብሕታዊን ድሩትን ኮይና፡ ብብዝሒ ኣብ ጽዑቕ ጫካታት ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ትርከብ።
ዶክተር ታደሰ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ትርከብ ዓይነት ዘባድ ብኣካል ዝነኣሰት ክትከውን ከላ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላ ግን ዝዓበየት ከም ዝኾነት የረድእ።
ቡን ዘባድ ብኸመይ ይእረ?
ቡን ዘባድ ብኽልተ መገዲ ክርከብ ከም ዝኽእል ኣቶ ፍጹም ይገለጽ።
"ሓደ ካብኣቶም ነዛ ዘባድ ሒዝና ኣብ ገዛ ቡን ክትምገብ ብምግባር ተውጽኦ እዩ። እቲ ካልእ ድማ ኣብቲ ቡን ዝበቝለሉ ከባቢ ዝፈሪ እዩ።"
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እታ እንስሳ ነቲ ቡን ድሕሪ ምምጋባ፡ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ወይ ኣብ ጉድጓድ እያ ደገ (ቀልቀል) ትወጽእ።
". . . ሎሚ ንኣብነት ኣብ ሓደ ቦታ ደገ እንተወጺኣ ካልእ ግዜ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ እያ ትወጽእ። ቅሩብ ኣጸጋሚ ዝኸውን፡ ጫካ እንተዀይኑ ደገ ትወጸሉ ቦታ ክትረክብ ከጸግም ይኽእል እዩ።"
ዶክተር ታደሰ፡ "ኣባላት ሓንቲ ስድራ ኣብ ሓደ ቦታ እዮም ደገ ዝወጹ። እዚ ድማ ከም ዶብ (ወሰን) ኰይኑ የገልግሎም። ህይወቶም ነንበይኑ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ቦታ እዚ ንዓኣቶም ከም መራኸቢ ቦታ እዩ። ኣበይ ይበልዑ ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓደ ቦታ እዮም ደገ ዝወጹ" ይብል።
ቡን ዘባድ ካብ ካልኦት ዓይነት ቡን እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ?
"እቲ ፕሮቲን ምስተኣልየ፡ እቲ ቡን ዝተፈለየ ጣዕሚ ኣለዎ። እዝዩ ምቁር’ዩ" ይብል ዶክተር ታደሰ።
"እቲ ቡን ኣብ ከርሳ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ኢንዛይማት ተሓዋዊሱ እቲ ፕሮቲን ተሰባቢሩ ይእለይ።"
ፕሮቲን ኣብ ቆርበትን ኣብ ፍረ ቡንን ይርከብ። ካብ ቡን ፕሮቲን ዝኣልይ "ካልእ ፋብሪካ ኣብዛ ዓለም የለን" ብምባል ዶክተር ታደሰ ነታ እንስሳ ዘለዎ ኣድንቖት ይገልጽ።
“እቲ ኣብ ከብዳ እተፍርዮ ቀመም ነቲ ፕሮቲን ካብ ከብዳ የውጽኦ። እቲ ፕሮቲኑ ዝተኣለየ ቡን ኣዝዩ ጥዑም እዩ።
"ጽሬት ቡን በቲ ኣብቲ ቡን ዘሎ መጠን ፕሮቲን እዩ ዝዕቀን። ከም ፕሮቲን ዘይብሉ ቡን ዝበለ ጥዑም ቡን የለን።”
ኣቶ ፍጹም’ውን ምስዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
ቡን ዘባድ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ይፍለጥ?
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት፡ እዚ ፍርያት ኣብ ዘባድን ገዘፍቲ ጫካታትን ዝርከብሉ ከባቢታት ብሰፊሑ ከም ዝርከብ ይገልጹ።
ኢንዶነዥያ፡ ኮሎምብያን ኮስታሪካን ቡን ዝባድ ብብዝሒ ብምፍራይ ይፍለጣ።
እዚ ፍርያት ኣብ ዘባድን ገዘፍቲ ጫካ ዝርከብሉ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ኢትዮጵያ ይፍለጥ እዩ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ። መጠን ፍርያት ግን ኣዝዩ ሒደት እዩ። ንዓኣ ምክትታትል ኣዝዩ ይጠልብ’ዩ" ይብል ኣቶ ፍጹም።
ዶክተር ታደሰ ብወገኑ፡ ሓረስቶት ቡን ዘባድ ንኸፍርዩ ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዝገበረ ይዛረብ።
“ቅድሚ ሕጂ ኣፍሪና ነይርና። ዕዳጋ ግን የለን። ን'ኢሲኤክስ' ዕዳጋ ክፈጥረልና ሓቲት ነይርና። ኣብ መጻኢ ግን ዕዉት ክኸውን ተስፋ እገብር።"
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቡን ዘባድ ዘፍርዩ ሓረስቶት ኣብ ኢሊ ኣበቦራ፡ ከፋ፡ ሻኪሶን ጅማን ከም ዘለዉ፡ እንተዀነ፡ ከም ሃገር ነዚ ፍርያት ዝድግፍ ፖሊሲ ከም ዘየለ ክኢላታት ይገልጹ።
ኣብ ኣርከና ኮፊ ዝተባህለ ትካል፡ ክኢላ ዕዳጋ ዝነበረ ኣቶ ለሚ ይታገሱ፡ ቡን ዘባድ ከፍሪ ሓቲቱ ከም ዝተኸልከለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሰብመዚ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘለዎም ፍልጠት ኣዝዩ ውሑድ ከም ዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ለሚ፡ "ብቪድዮ ኣርእየዮም። ጨና ክተፍሪ ዲኻ ደሊኻ ኢሎምኒ። እዚ ኣይንፈልጦን ኢና ኢሎም ምላሽ ሂቦምኒ" ይብል።
ዋጋ ሓደ ፍንጃል ቡን ዘባድ ክንደይ ይሽየጥ?
ብሓፈሻ ቡን ዘባድ ሓደ ካብቶም ዝኸበሩ’ኳ እንተኾነ፡ ትኽክለኛ ዋጋኡ ንምፍላጥ ግን ኣጸጋሚ እዩ።
እቲ ቡን ናይ ዘባድ ከም ዝዀነ እንተተመስኪሩሉ፡ ካብቲ ‘ፍሉይ ቡን’ ዝበሃል ብዕጽፊ ከም ዝሽየጥ ኣቶ ፍጹም ይገልጽ።
ዝተፈላለዩ ምንጭታት፡ ሓደ ኩባያ ቡን ዘባድ ካብ 30 ክሳብ 100 ዶላር ከም ዝሽየጥ ይሕብሩ።
ፍርቂ ኪሎ ቡን ዘባድ፡ ካብ 100 ክሳብ 600 ዶላር ይሽየጥ ዝብሉ እውን ኣለዉ።
ዶክተር ታደሰ ብወገኑ፡ "ሓደ ኩባያ 50 ዶላር እዩ። ሕጂ ድማ እናኸበረ ይመጽእ ኣሎ” ይብል።
“ሓንቲ ዘባድ ዘፍሪ ሰብ፡ ኣብ ግዚኡ ቡን ክትበልዕ እንተገይሩ ክልተ ዕማማት እዩ ዝፍጽም ዘሎ። ሓደ ዘባድ የፍሪ፣ ካልእ ድማ ነቲ ምቁር ቡን የፍሪ።
"እታ ዘባድ ተጠቃሚት ትኸውን፡ እቶት ሓረስታይ’ውን ይውስኽ። እታ ሃገር ድማ ካብ 100 ኩንታል ካልእ ቡን እትሰድድ፡ ቡን ዝባድ 3 ወይ 4 ኪሎ እንተሰደደት ይሓይሽ” ክብል ዘለዎ ረብሓ ይገልጽ።
ይዅን እምበር እቶም ንመሰል ዘባድ ዝማጐቱ ተጣበቕቲ መሰላት፡ እዛ እንስሳ ንፍርያታ ተባሂሉ ተሃዲና ኣብ ሓደ ከባቢ ክትንቀሳቐስን ጥረ ቡን ክትበልዕን ትግደድ ኣላ ይብሉ።
ዶክተር ታደሰ ግን ነዚ ይቃወሞ።
" . . ቀደሙ’ውን ኣብ ጫካ ቡን ትበልዕ እያ። ኣታዊ እቲ ሓረስታይ እንተወሲኹ ድማ ንዝባድ ይከናኸን” ክብል ይምልስ።