ስኮትላንድ ደቂኣንስትዮ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ብነፃ ክቐርበለን ወሲና

ስኮትላንድ ደቂኣንስትዮ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ብነፃ ክቐርበለን ዝድንግግ ሕጊ ኣፅዲቓ።

ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሓድሽ ሕጊ ብምውፃእ፡ መሰል ነፃ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክኽበር ዝገበረት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና'ላ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ ድማ ኣብያተ ምኽርን ትካላት ትምህርትን እቲ ፍርያት ንዘድልየን ደቂኣንስትዮ ብነፃ ከቕርባ ክግደዳ እየን።

ካብ 2017 ጀሚሩ፡ ነቲ ፍርያት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ንምቕራብ ኣስታት 27 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢ ኮይኑ ኣሎ።

ኣባል ሰልፊ ኤምኤስፒ ሞኒካ ሌኖን እቲ ብ2020 ኣብ ባይቶ ስኮትላንድ ብሙሉእ ድምጺ ዝተደገፈ ሕጊ ንኽወጽእ ጎስጓስ ኣካይዳ እያ።

ሌኖን፡ "ከባብያዊ ሹመኛታትን መሻርኽቲ ትካላትን እቲ ሕጋዊ መሰል ነጻ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክውን ንምግባር ኣበርቲዖም ሰሪሖም" ትብል።

እዚ ውሳነ ድማ ንጎስጎስቲ ክብሪ ወርሓዊ ፅግያት ዓቢ ምዕራፍ ከምዝኾነ ተዛሪባ።

"ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን፡ ሕጊ ነፃ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ምፅዳቕ ማለት፡ ፖለቲከኛታት ነቲ ዘገልግልዎ ህዝቢ ጽቡቕ ንምግባር ምስዝክእከቡ እንታይ ውጽኢት ክርከብ ከም ዝኽእል ዘርኢ ናይ ተስፋ መብራህቲ'ዩ" ክትብል'ውን ወሲኻ ገሊፃ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዘጋጥም ድኽነት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ንምምካት ዝሰርሕ 'ሄይ ገርልስ' ዝተብሃለ ማሕበራዊ ትካል፡ ልክዕ ከምቲ ሶፍት ኣብ ህዝባዊ ሽቓቕ ዝቕመጥ እቲ ፍርያት እውን ብኸምኡ መልክዑ ተበጻሒ ክኸውን ከምዘለዎ ይሕብር።

ጆርጂ ኒኮልሰን ካብ ሄይ ገርልስ፡ ንሬድዮ ቢቢሲ ጉድ ሞርኒንግ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ትካል ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጽናዕቲ ከምዘካየደ ብምዝኽኻር ኣብ ስኮትላንድ ካብ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ኣብ ገለ እዋን ድኽነት ፍርያት መናፅሂ ከምዘጋጠማ ከምዝተገንዘቡ ተዛሪባ።

"ብዙሓት ኣዴታት ንደቀን ንምምጋብ ክብላ ብዘይ መናፅሒ ወርሓዊ ጽግያት ዝኸዳ ኮይነን ከም ኣብ ካልሲ ዝተመልአ ጋዜጣ ወይ ካልእ ነገራት ክጥቀማ ንሰምዕ ኢና" ትብል ነቲ ዘሎ ፀገም ክተረድእ።

ኒኮልሰን ወሲኻ፡ ስኮትላንድ ነጻ ናይ እዋን ወርሓዊ ፅግያት መናፅሂ ፍርያት ንምቕራብ ዝወሰነት ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ሃገር ምዃና "ናይ ብሓቂ ዓቢ ምዕራፍ" ክትብል ገሊጻቶ።

ጸሓፊት ማሕበራዊ ፍትሒ ስኮትላንድ ሾና ሮቢሰን ብወገና፡ እቲ ፍርያት ብናጻ ተበጻሒ ምግባር "ንማዕርነትን ክብርን መሰረታዊ እዩ" ኢላ።

ንሳ ወሲኻ፡ "ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ዓለም ፈላሞት ብምዃንና ሕቡናት ኢና" ክትብል ተዛሪባ።

ዝኾነት ትኹን ጓልኣንስተይቲ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክትረክብ ኣብ ዘይትክእለሉ ኩነታት ክትህልው ድልየት ከምዘይብሎም እውን ወሲኻ ሓቢራ።

'ኣብ ኣዕሩኽተይን ቤተሰበይን ይምርኮስ ነይረ'

ሻውና ጋንትለት ፈለማይ ወዳ ድሕሪ ምውላዳ ብስእነት መናፅሒ ወርሓዊ ፅግያት ትጸገም ከምዝነበረት ትገልፅ።

ንሳ ንቢቢሲ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ድሕሪ ምውላዳ ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ኣጋጠማ፡ ነቲ ፍርያት መናፅሂ ንምዕዳግ ፋይናንሳዊ ፀገማት የጋጥማ ምንባሩ ተዘሪባ።

"ክትወልዲ ከለኺ እንታይ ከም ዘጋጥም፤ ኣየናይ ነገር እዩ ንቡር፤ እንታይ ክትጽበ ከም ዘለካ ምሉእ ብምሉእ ዝነግረካ ሰብ የለን" ትብል።

"እቶም ፍርያት ንምርካብ ኣብ ኣዕሩኽተይን ቤተሰብን ክምርኮስ ነይሩኒ"