እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢራን ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ከም ዝሞተ ተሓቢሩ
ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፡ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ሑሴን ኣሚር-ዓብዶላህያን ካልኦትን ብሰንኪ እቲ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠማ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ከም ዝሞቱ ሃገራዊ ተሌቪዥን ኢራን ሓቢራ።
እታ ሄሊኮፕተር፡ ትማሊ ኣጋምሸት ኣብ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር ናብ ከቢድ ዕምብረ ግመ ምስ ኣተወት ብዘጋጠማ ሓደጋ ብኸቢድ ከም ዝዓለበት ይግለጽ።
እታ፡ ንላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ዘሳፈረት ሄሊኮፕተር ትማሊ ድሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ፡ ክሳብ ሕጂ ኣሰር ሰብ ከም ዘይተረኽበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
እቲ ፕረዚደንት፡ ካብ ከባቢ ዶብ ኢራንን ኣዘርባጃንን ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ናብ እትርከብ ታብሪዝ ዝተባህለት ከተማ ይኸይድ ከም ዝነበረ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር የመልክቱ።
ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ሰፊሕ ጻዕሪ ኣለሻ ይካየድ እኳ እንተሃለወ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ኣጸጋሚ ኰይኑ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ገለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ፣ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ሑሴን ኣሚር-ዓብዶላህያንን ካልኦት ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ውልቀሰባትን ከም ዝሞቱ ጸብጺበን።
ይዅን’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ሰብ መዚ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ብሬድ ክሬሰንት ዝተወስደ ምስሊ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ጭራ እታ ነፋሪት ኣብ ጐኒ ኹርባ ምስ ዝተረኽበ ስብርባር ምርካቡ የርኢ።
ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ግን፡ ኣብቲ ቦታ ኣሰር ሰብ ኣይተረኽበን ኢሎም። እቲ ጻዕሪ ግን ብሰንኪ ኣጸጋሚ ኵነታት ኣየር ይብዳህ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ፕረዚደንት ራይሲ ኣብ ዶብ ኣዘርባጃን ዲጋታት ቂዝ ቃላሲን ኮዳፋሪንን መሪቑ ድሕሪ ምኽፋቱ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢራን እትርከብ ከተማ ታብሪዝ የቕንዕ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።
ኣብቲ እታ ሄሊኮፕተር ዓሊባትሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግለጽ ዘሎ ቦታ ብርቱዕ ግመ ብምህላዉ፡ እቲ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ክኸብድ ከም ዝገበረ ማዕከን ዜና ፋርስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣኽራናትን ኣግራብን ዘሎ ተኽእሎ ርእየት ክሳብ ኣስታት ሓሙሽተ ሜትሮ ጥራይ ከም ዝዀነ ይንገር።
እቲ ከባቢ ካብ ታብሪዝ ንሰሜን ኣስታት 50 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ።
ምኽንያት ሓደጋ እታ ነፋሪት ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን፤ እንተዀነ ኢራን ኣብ ሕሉፍ ኣዝዩ ድኹም ድሕነት መጓዓዝያ ኣየር እዩ ጸኒሑዋ።
እዚ ብኸፊል ጽልዋ እገዳታት ኣመሪካ ዘስዓቦ ኰይኑ፡ እዚ ነቲ ኢንዳስትሪ ሃስዩዎ’ዩ።
ፕረዚደንት ራይሲን ኣብታ ቤል 212 ዝተባህለት ሄሊኮፕተር ከም ዝነበረ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ እዛ ሄሊኮፕተር ስርሓት ኣመሪካ ከምዝዀነትን፡ ኣመሪካ ድሕሪ ሰውራ ኢራን - 1979 (ኣ.ኤ) ኣትሒዛ ነፋሪት ከምዘይሸጠትላ ድማ ይፍለጥ።
ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ሚኒስተራት ምክልኻልን መጓዓዝያን ከምኡ’ውን ኮማንደራት ሰራዊትን ዕጡቓት ሓይልታት ኣየርን ብሓደጋታት ነፋሪት ወይ ሄሊኮፕተር ሞይቶም’ዮም።
ፕረዚደንት ኢብራሂም ረይሲ መን እዩ?
ኢብራሂም ራይሲ ምስ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሚኒ ቅርበት ዘለዎ ተሪር ሸኽ እዩ ነይሩ።
ኣብ 2021 ፕረዚደንት ኰይኑ ምስ ተመረጸ፡ ዓቃባውያን ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ክፋል እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝነበሮም ቍጽጽር ክደላደል ገይሩ እዩ።
ንሱ፡ ኣብ 1960 ኣብታ ኣብ ኢራን ቅዱስ መቕደስ ኣስላም ሺዓ ዝርከበላ መሽሃድ ዝተወልደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣሰር ኣቦኡ ተኸቲሉ ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ኣብ ሃይማኖታዊ ኮሌጅ ክምሃር ጀሚሩ።
ተምሃራይ እንከሎ ኣብቲ ኣብ 1979 ኣብ ቴህራን ዝተኻየደ ኣንጻር ብምዕራባውያን ዝድገፍ ‘ሻህ’ ተቓውሞታት ተሳቲፉ’ዩ።
ወዲ 25 ዓመት ኰይኑ ድማ፡ ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ኰይኑ።
ኣብ መወዳእታ 1980ታት፡ ኣብቲ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት እዩ ዝብሉዎ፡ ንኣሽሓት እሱራት ፖለቲካ ንሞት ፈሪዱ ተባሂሉ ዝእመነሉ ምስጢራዊ ቤት ፍርዲ ኣባል ከም ዝነበረ’ውን ይግለጽ።
ራይሲ፡ ድሕሪ’ቲ ብዙሓት ፍሉጣት ማእከላይ መርገጺ ዘለዎምን ደለይቲ ለውጥን ሕጹያት ዝተኸልከልሉን ብዙሓት መረጽቲ ድምጾም ዘይሃብሉን ምሃብ ድምጺ ንፕረዚደንት ነበር ሓሰን ሮሃኒ ተኪኡ’ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ንሱ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ኢራን ድሮ ብዙሕ ብድሆታት ኣጋጢሙዋ ነይሩ።
እቲ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሓሉ ግዜ ድማ፡ ብሓያሎ ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስቲ ከምኡ’ውን ዞባዊ ጽልዋ ዘሕደረ ኲናት ቓዛ ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ።
ካልኦት ግዳያት ተፈሊጦም
ብሰንኪ ሓደጋ እታ ሄሊኮፕተር ካልኦት ሰለስተ ግዳያት ከም ዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስማት ናይቶም ብዘይካ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሑሴን ኣሚር-ዓብደላሂያንን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባት በቲ ሓደጋ ከም ዝሞቱ ማዕከን ዜና ኢራን ሓቢራ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣይራን ከም ዝበለቶ፡ ኢማም ኣብ ከተማ ታብሪዝ ዝካየድ ሰላት ዓርቢ ኣያቶላህ መሓመድ ዓሊ ኣል-ኢ ሃሼም፣ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኢራን ምብራቕ ኣዘርባጃን ጀነራል ማሌክ ራህማቲን ኣብታ ሄሊኮፕተር ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣዛዚ ኣሃዱ ሓለዋ ናይቲ ፕረዚደንት ሳርዳር ሰይድ መህዲ ሙሳቪ ከምኡ’ውን ካልኦት ሽሞም ዘይተገልጸ ብርክት ዝበሉ ሓለውቲን ሰራሕተኛታት እታ ሄሊኮፕተርን ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።