እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ምቕራብ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ 'መወዳእታ ናይዚ ሰሙን' ክጅምር'ዩ
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ንጥሜትን ሕማምን ተቃሊዖም ንዘለው ንምብጻሕ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ጀሚሩ ብዘይገደብ ክኣቱ ምዃኑ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ከምቲ ኣብ ዝርርብ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተሰማምዑሉ 'ሓገዛት ብዘይ ዕንቅፋት ክውሕዝ እዩ'" ምባሉ ንኣቶ ሬድዋን ሑሴን ብምጥቃስ ሐቢሩ።
እቲ ብቐንዱ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝእለ ዘሎን፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታን ብመንጐኝነት ዝመርሕዎ ዘለውን ዘተ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምዃኑ ኣሜሪካ ሓቢራ ነይራ።
ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወከልቲ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ናይ መወዳእታ ዙር ዝርርብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኬንያ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ተራኺቦም ንኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ዝምልከት ይዛተዩ ከምዘለው ጸብጻባት ይሕብሩ።
ክልቲኦም ወከልቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ክዘራረቡ ጸኒሖም እዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ክልተ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መኸተምታ ንምግባር፡ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ን10 መዓልቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብ 2 ሕዳር ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ምፍራሞም ዝዝከር እዩ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዳግማይ ክጅመርን ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ዝጠልብ እዩ።
ኣብቲ ክልል ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት መግብን መድሃኒትን ብህጹጽ የድልዮም ከምዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።