እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሓይልታት ጸጥታ ኣሲሮም ገንዘብ ይቕበሉና ኣለው' - ነበርቲ ከተማ ሸገር
ከተማ ሸገር ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ፡ ፍሉይ ዞባ ኦሮምያ ተባሂለን ዝጽውዓ ዝነበራ ዞባታት ብምጥርናፍ ዝተመስረተት ከተማ እያ።
ሓደሽቲ ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን ብምጥያስ፡ ዋና ቤት ፅሕፈታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገይራ ስራሕቲ ጀሚራ ኣላ።
ይኹን እምበር፡ ብዘይ ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝፍጸም ምዝማት፣ ምፍርራሕን ምእሳርን ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ ገሊጾም።
"እቲ ጉዳይ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ፖሊስ፣ ምልሻ፣ መርመርቲ ገበንን ኣባላት ጸጥታን ይሳተፉ ምህላዎም'ዩ" ኢሎም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ፀጥታን ከተማ ሸገር ኮማንደር ሌንጂሶ ጆተ፡ ነዚ ብነበርቲ ዝቐረበ ጥርዓን ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ብምግላጽ፡ "ኣብ ትሕቲ ከተማ ሸገር 12 ክፍለ ከተማታትን 36 ወረዳታትን ኣለዋ። ክሳብ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ኣየጋጠመናን" ኢሉ።
ንድሕነቱ ክብል ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ን15 ዓመታት ኣብ ቡራዩ ክነብር ዝጸንሐ ሰብ፡ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተታሒዙ፡ ገንዘብ ከፊሉ ክልተ ግዜ ከምዝተፈትሐ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዚ ሰብ እዚ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ዓመት ኣብ ከተማ ሸገር ድሬ ካብ ዝተባህለ ከባቢ ብፖሊስ ከምዝተኣሰረ ይዛረብ።
ነቲ ኩነታት ከረድእ ከሎ፡ "ኣብቲ እዋን ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙኒ። ልክዕ ናብቲ ክሊኒክ ክኣቱ ኣብ ዝቐረብኩሉ እዋን፡ ከቢቦም ኣሲሮምኒ" ይብል።
ፈለማ እቶም ምልሻታት ከም ዝኣሰሩዎ፡ ድሒሮም ግን ፖሊስ ብመኪና መጺኦም ናብ መደበር ፖሊስ ‘ሶስተኛ ወረዳ’ ከም ዝወሰድዎ ይዛረብ።
እዚ ‘ዝኣበስክዎ የለን’ ዝብል ውልቀ ሰብ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ይገልጽ።
“ዕስራ ሽሕ ብር ከፊለ እየ ተፈቲሐ። ምስ ወጻእኩ ካልእ ዓሰርተ ሽሕ ክኸፍል ተገዲደ" ክብል ብድምር ሰላሳ ሽሕ ብር ከፊሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ይዛረብ።
ዝተጠርጠረሉ ገበን ክገልጽ ከሎ "ኣብ ከተማ ኮይንካ ንሸኔ ሎጂስቲካዊ ደገፍ ትገብር ኣለኻ" ዝብል ምንባሩ ይገልጽ።
ካልእ ነባሪ እታ ከተማ እውን ተመሳሳሊ ፀገም ከምዘጋጠሞ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣፈራሪሕኻ ገንዘብ ምቕባል ልሙድ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቶም ነበርቲ ኣብቲ ጉዳይ ከም ፖሊስን ጸጥታን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ’ውን ከምዝተሳተፉ እኳ እንተገለጹ፡ ብቐንዱ በቶም ናይቲ ከባቢ ምልሻታት ዝፍጸም ከምዝኾነ ይዛረቡ።
ካልእ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ሰብ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ኰነ ኢሎም፣ ተወሃሂዶም፣ ሲቪላት ኣሲሮምን ኣእሲሮምን፡ ምጭብርባር ቀዋሚ ስርሖም ገይሮምዎ። ገበን ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ሕቶ ምእታው ኣይንቃወምን ኢና። እዚኣ ግን ዝተፈለየት እያ” ኢሉ።
እዚ ውልቀ ሰብ ካብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ወፂኡ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ጣብያ ቡራዩ ከምዝተኣሰረ ይዛረብ።
ብተወሳኺ ናብቲ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝኸደሉ እዋን "መርመርቲ ገበንን ፖሊስን፡ ሰባት ገንዘብ ከፊሎም ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ ዝሕብር ኮድ ከምዘለዎም" ገሊጹ።
በዚ መንገዲ ድማ ሰባት ገንዘብ ከፊሎም ከም ዝኸዱ ይዛረብ።
'ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ የለን'
ንቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ጸጥታ እንከለዉ፡ ክሲ ከም ዘይተመስረቶምን ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን፡ ገንዘብ ከፊሎም ከምዝኸዱን ገሊጾም።
ረቢራ ነባሪ ከተማ ሸገር ስለዝኾነ፡ ንድሕነቱ ክብል ነባሪ ኣየነይቲ ክፍለ ከተማ ምኻኑ ከይገልጽ ሓቲቱ። ካብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት እውን ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ።
ድሕሪ ምእሳሩ፡ ንኽፍታሕ 100 ሽሕ ብር ክኸፍል ተነጊርዎ'ኳ እንተነበረ፡ ምስምማዕ ኣብዩ፤ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሐ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"መንግስቲ ንፖሊስ ዝኸፍሎ ንህዝቢ ንምክልኻል እምበር ንህዝቢ ንምስርጣይ ኣይኮነን" ዝብል እቲ ውልቀሰብ፡ እዚ ገበን ኣብታ ሓዳሽ ከተማ ሸገር መዓልታዊ ልምዲ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ይገልጽ።
'ድሕሪ ምውጻእና'ውን የፈራርሑና'
እቶም ስሞም ከይግለጽ ንቢቢሲ ዝሓበሩ ነበርቲ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጹ'ውን ምፍርራሕ ከምዝተፈሞም ይዛረቡ።
ሓደ ካብቶም 'ተበዲለ' ዝብሉ ዝኾነ ሰብ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ መንገዲ ምስ ዝረኸብዎ "ስኖም ይነኽሱለይ" ይብል።
“ድሕሪ ምውወጻእና ዝተረፈ ነገር የለን። ሓደ መዓልቲ ሓላፊኦም ኣብ መንገዲ ረኺቡ 'ጌና ሰላም ትኸልኡና' ኣለኹም ሓቀይ?" ከምዝበሎ ይዛረብ።
ራቢራ ብወገኑ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ እውን ብተሌፎን ምፍርራሕ ከምዝበጽሖ ይዛረብ።
“ሎሚ እውን እንተኾነ ደዊሎምለይ ነይሮም። ንዑ እዚ ግበሩልና። እዚ እንተዘይጌርኩም ከምዚ ክንገብረኩም ኢና። 'ገንዘብ እንተዘይከፊልኩም' ይብሉ።"