እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ እዩ ማእከላይ ምብራቕ ኤችኣይቪ ኣብ ምግታእ ተዳኺሙ?
ብኤችኣይቪ ንእተጠቕዑ ሰባት ዝናብን ዝከናኸንን መዕበይ ዘኽታማት "ማቲ ኔፓል"፡ ኣብ ካትማንዱ፡ ኔፓል፡ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ኤይድስ [30 ሕዳር 2022]፡ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ቈልዑን ደቀንስትዮን ዓለም ጸሎት ኣዕሪጐም።
ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብኤችኣይቪ ዝሞቱ ሰባት ክንኪ እንከሎ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን -ሜና - ግን እቲ ዛንታ እተፈልየ እዩ ።
ዓለምና ለበዳ ኤች.ኣይ.ቪ / ኤይድስ ካብ ዝዝርጋሕ ካብ 1996 ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 40 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማምን እቲ ሕማም ብዘኸተሎ ሳዕቤንን ሞይቶም ኣለው።
ካብ 2010 ክሳዕ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብደረጃ ዓለም፡ ብዝሒ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ብ32% ነክዩ እዩ።
ዞባ ሜና፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝተሓተ መልከፍቲ ኤችኣይቪ እኳ እንተነበሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ቍጽሪ ሓደስቲ መልከፍቲ ብ33% ወሲኹ ኣሎ።
ሕጂ እውን ኤችኣይቪ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ኤስያን ላቲን ኣሜሪካን እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
እኹል ንቕሓት ዘይምህላው
እቲ ኣብ ዞባ ሜና ዝውስኽ ዘሎ መልከፍቲ ብሰንኪ ጉድለት ንቕሓት ምዃኑ’ኳ ይግለጽ እንተሎ፡ ካልእ እተሓላለኸ ጉዳይ ከምዘሎ እዮም ክኢላታት ዝገልጹ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ዝዓዪ ክኢላ ኤችኣይቪ. ዶክተር ነስሪን ርዝቅ፡ "እቲ ሕጂ እንረኽቦ ዘሎና መልከፍቲ ሓድሽ ስለዝዀነ፡ ገና ንዝርግሐ ኤችኣይቪ ኣብ ምግታእ ሰኒፍና ከምዘለና ዘመልክት እዩ” ይብል።
"ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣሜሪካን ብዛዕባ ኤችኣይቪ ዘሎ ግንዛበ በብቕሩብ ይዓቢ ከም ዘሎ ዘየጠራጥር’ኳ እንተዀነ፡ ገና ግን እኹል ኣይኰነን። "ዶክተር ርዝቅ ከም ዝብሎ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ኤችኣይቪ ብዝምልከት "ርጡብ ስነ-ፍልጠታዊ ሓበሬታ" የለን ።
ቢቢሲ ዓረብ፡ ኣብ ጐደናታት በይሩትን ካይሮን እናዞረ፡ ብዛዕባ ኤችኣይቪ እንታይ ከምዝፈልጡን ብኸመይ ከምዝመሓላለፍን ሓቲቱ ነይሩ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም ሰባት ከኣ፡ ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ. ኤይድስ ኰነ ብዛዕባ ካልእ ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን። ገሊኦም ከኣ፡ ንሳቶምን ቤተ ሰቦምን ካብቲ ሕማም ነጻ ብምዃኖም ብዛዕባ እቲ ሕማም ክፈልጡ ከምዘይደልዩ ገሊጾም።
ኣብቲ ዞባን ኣብ መላእ ዓለምን፡ ሓሽሽ ዝጥቀሙን ምስ ሰብኡት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ግብረ ሶዶማውያንን፡ ኣመናዝርን ጥራይ በቲ ሕማም ከምዝልከፉ ጥራሕ እዩ ዝሕሰብ።
"እቲ ቫይረስ ጾታን ዓሌትን ማሕበራዊ ጕጅለታትን ኣይርድኦን እዩ። ከም ሰባት ኵላትና ኣብ ሓደ ቦታ እንነብርን ንሓድሕድና ሰለእንራኸብን ናብ ኵላትና ክዝርጋሕን ክመሓላለፍን ይኽእል እዩ" ይብል ዶክተር ርዝቅ።
ጽኑዕ ምሕራም
ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ሓደ ካብቲ ብዝሒ ሓድሽ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ዝረኣየሉ ዞባ ‘ኳ እንተዀነ ኣብ ዓለም እቲ ዝተሓተ መጠን ሸፈነ ሕክምና ኤችኣይቪ ኣለዎ።
ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኤችኣይቪ / ኤይድስ (ዩ.ኤይድስ) ፕሮግራም፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ብኤችኣይቪ. ዝተለኽፉ ሰባት 50% ጥራይ እዮም ሕክምና ዝረኽቡ። እቲ ቊጽሪ ኣብ ደቀንስትዮ (44%) ኣብ ህጻናት ከኣ ናብ (40%) ይወርድ።
ሕክምና ኤችኣይቪ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርከብ’ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኣጠማምታን ተነጽሎን ሕብረተሰብ ብዙሓት ሰባት ሕክምና ካብ ምፍታንን ካብ ምድላይን ይዕገቱ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ካብቶም ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት፡ እቶም 67% ጥራይ እዮም እቲ ሕማም ከም ዘለዎም ዝፈልጡ።
እቲ ትካል፡ እኹል መርመራ ዘይምግባርን ዘድሊ መድሃኒት ዘይምውሳድን እቲ ሕማም ንኽዝርጋሕን ሐደጋ ሞት ከምዝውስኽን የጠንቅቕ።
ኣሕመድ (ናይ ሓቂ ስሙ ዘይኰነስ) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኤች.ኣይ.ቪ ክህልዎ ከምዝኽእል ጥርጠራ እኳ እንተነበሮ፡ ድፍረት ስለዘይረኸበ ኣይተመርመረን። ኣብ መወዳእታ ግን ሕጂ ተመርሚሩ በቲ ሕማም ከኣ ተለኺፉ ጸኒሑ።
"ሕጂ መድሃኒት እወስድ ስለዘለኹ ኣብ ጥዑይ ኵነታት ጥዕና ኣለኹ። መድሃኒተይ ብኣገባብ ምውሳድ ክቕጽሎ እየ" ኢሉ። ይዅን እምበር፡ ኣቐዲመ መርመራ እንተዝገብር ኣብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናይ ዓቢ ለውጢ መምጽኣለይ ነይሩ" ኢሉ።
ኣብተን ተመሳሳሊ ጾታዊ ርክብ ዝፍጸመለን ሃገራት፡ ብዙሓት ከም ኣሕመድ ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ቅድሚ መርመራ ምግባሮም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ብዛዕባ ዝኽእል ክስን ሕሜታን ይሓስቡ።
ኣብ ዩኒሴፍ ዳይረክተር ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ሸረን ኣል ፈኪ፡ "ገሊኦም ሰባት ንኤችኣይቪ ከም ፍርዲ ሞት እዮም ዝርእይዎ" ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ከኣ፡ ሳላ ዘመናዊ ሕክምናን ሳላ ህዝባዊ ጥዕናን፡ "ሎሚ ኤችኣይቪ ክትከላኸሎን ክትከናኸኖን እትኽእል ሕማም እዩ ኰይኑ” ትብል።
ኤም ኤስ ኤል ፈኪ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዘይማዕርነት ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻር ኤችኣይቪ ንዝግበር ዘሎ ቃልሲ ዓቢ መሰናኽል እዩ ትብል።
ብምቕጻል፡ "እቲ ዘጋጥም ዘሎ ዘይማዕርነት፡ ሰባት ብሉጽ ሕክምና ንኸይረኽቡን ነቲ ሕማም ንኸይከላኸልዎን ይዓግቶም ኣሎ" ኢላ።
እቲ ካሊዶስኮፕ ይገለጽ!
[መብርሂ፦ ካሊዶስኮፕ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ሓደ ኵርናዕ እተለጠፈ ነገራት ዘለዎ ኦፕቲካዊ መሳርሒ እዩ። ብሰንኪ ተደጋጋሚ ነጸብራቕ ከኣ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነገራት ኣብ ሓደ ጫፍ ናይዚ መስትያት ከርኢ ይኽእል]
እቲ ቀንዲ ዘይምዕሩይነት ዝፈጥር ነገር ድኽነትን ኣገልግሎታት ትምህርትን ሕክምናን እኳ እንተዀነ፡ ጽኑዕ ሕግን ኣብ ውልቃዊ ናጽነት ሰባት ዘሎ ጽልዋን ምትእትታውን እዩ።
ኣብተን ንግብረሶዶማውያን ኮነ ተመሳሳሊ ጾታ ዘሎዎም ሰባት ዝምድናን ርክብን ክገብሩ ዘየፍቅዳ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሕደ ጾታውያን፡ ካብተን ነጻነት ዝህባ ሃገራት ብሓሙሽተ ዕጽፊ ብኤችኣይቪ ቫይረስ ናይ ምትሓዝ ተኽእሎ ኣለዎም።
ሚስ ኣልፈኪ፡ "እቶም ሰባት ብቓልዕ ጸገማቶም ክዛረቡ ኣይደልዩን እዮም” ትብል። እቲ "ጾታዊ ዘይምዕሩይነት” ከኣ ነተን ኤችኣይቪ ዘለወን ኣንስትን ኣዋልድን ብሓቂ ይጐድአን እዩ" ትብል።
ዩኒሴፍ ኣብ ዞባ ሜና ዝርከቡ 5,000 ሰባት ኣብ ታሕሳስ 2022 እቲ ቫይረስ ብምስጢር ንኽፍተንን ሕክምና ንኽረኽቡን ንምሕጋዝ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሓባር ይሰርሕ ኣሎ።
ሚስ ኣልፈኪ፡ "ኣብ ሜና ዘሎ ኤችኣይቪ፡ ልክዕ ከም ካሊዶስኮፕ እዩ። ኣብኡ፡ ከምቲ ብዙሓት መንግስትታት ዝገበራኦ ጌርካ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ካብ ካልእ ክፋላት ዓለም ብተዛማዲ ዝወሓደ ኵነታት መልከፍቲ ከም ዘሎ እውን ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ" ትብል።
"እንተዀነ መንግስታት ነቲ ካሊዶስኮፕ ክግልብጥዎ ነተባብዕ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ብተዛማዲ ዝተሓተ ናይ ኤችኣይቪ መልከፍቲ ዘሎ ብምውጋድ ካብተን ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ዝስርዓ ዞባታት ክንከውን ንኽእል ኢና" ኢላ።