እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኣብ ዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝሃቦ ኣዘራረቢ ርእይቶ? ኢትዮጵያ'ኸ እንታይ ኢላ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዓቢይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ "መብዛሕትኡ ብገንዘብ ኣመሪካ ዝተሃንጸ እዩ፡" ክብል ንሳልሳይ ግዜኡ ገሊጹ።
ትራምፕ ነዚ ኣካታዒ ርእይቶ ዝሃበ፡ ብ11 ሓምለ 2017 (ግእዝ) ኣብ ዋይት ሃውስ ንሰነተራት ሪፓብሊካን ኣብ ዘአንገዶ ናይ ድራር መደብ እዩ።
ትራምፕ፡ ሃገሩ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጠሩ ግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ብምጕላሕ፡ "ትፈልጡ ኢኹም ትዀኑ፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ግድብ ህዳሰ ይበኣሳ ኣለዋ፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሃገሩ ንሓጽቢ ህዳሰ ገንዘባዊ ደገፍ ትገብር ከም ዘላ ክልተ ግዜ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ኣብ ሳልሳይን ኣብዚ ዳሕረዋይን መደረኡ ብዝያዳ ኣተኵሮ ሂቡ ተዛሪቡ።
ትራምፕ፡ "ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ መብዛሕትኡ ብገንዘብ ኣመሪካ እያ ሰሪሓቶ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ ሃገሩ እቲ ገንዘብ መዓስ ከም ዘሃበትን ብኸመይ መልክዕ ከም ዘቕረበቶን ግን ኣይገለጸን።
ትራምፕ፡ ብ7 ሓምለ 2017 (ግእዝ) ምስ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ርተ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ንግብጽን ነቲ ሓጽብን ጠቒሱ፡ "ኣይፈልጥን፤ ኣመሪካ ነቲ ግድብ ዝመወለቶ እዩ ዝመስለኒ፡" ኢሉ ነይሩ።
ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብሮ ዓቢይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ምሉእ ብምሉእ ብገንዘብ ህዝብን ሃብቲ ውሽጢ ሃገርን ዝተሃንጸ ምዃኑ እዩ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ትራምፕ "ህዳሰ ብገንዘብ ኣመሪካ ዝተሃንጸ እዩ፡" ዝብል ኣበሃህላ፡ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ብግልጺ ካብ ዘይምዝራብ ሓሊፎም፡ ስቕታ መሪጾም ኣለዉ።
ንሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ብስሙ ዘይጠቐሰ ትራምፕ፡ "ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ግድባት ሓደ'ዩ። ግን ንእሽቶ ጸገም ኣለዎ፡" ኢሉ።
ንሱ ድማ፡ "ብዙሕ ማይ ናብ ሩባ ኣባይ ከይውሕዝ ይኽልክል፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ሕማቕ ነገር'ዩ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ኣብ ዘረባኡ፡ ናይል ንህይወት ግብጺ ወሳኒ እዩ ዝብል ምሕጽንታ ብምቕራብ፡ "ኣብ ሩባ ናይል ማይ ክህሉ ንምግባር ንሰርሕ ኣለና፡" ኢሉ።
እዚ ዘረባ ትራምፕ፡ ብወገን መራሒ ግብጺ ክብ ዝበለ ክብሪ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ "ኣመሪካ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ትራምፕ ግጭታት ንምፍታሕን ወግኣት ደው ንምባልን እትህቦ ዓቢይ ቦታ ዘርኢ እዩ፡" ክብል ናእዳኡ ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ።
ኣልሲሲ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ንሓጽቢ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፡ ንረብሓ ኵሎም ወገናት ዝሕሉ ፍትሓዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ዘለዎ ድሌት፡ ከምኡ'ውን ንሩባ ናይል ከም ምንጪ ህይወት ግብጺ ኣፍልጦ ምሃቡ፡ ግብጺ ክብ ዝበለ ምስጋና ኣለዋ፡" ክብል ኣብ ናይ ኤክስ ሕሳቡ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ወሲኹ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ሓጽቢ ህዳሰ ንግብጺ ዝገብሮ ዘሎ ውግንናን ካልእ ፋይናንሳዊ ደገፍን ምስ ጉዳይ ቓዛ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ግብጺ፡ "ንህዳሰ ክትፍንጅሮ ትኽእል እያ፡" ብዝብል ኣዘራራቢ መግለጺ ዝፍለጥ ትራምፕ፡ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘለዎ ወገናውነት ብንጹር ዘንጸባርቕ መግለጺታት እናሃበ ይርከብ።
"ቅድሚ እቲ ግድብ ምህናጾም ንምንታይ ነዚ ጸገም ከም ዘይፈትሕዎ ኣይርድኣንን እዩ፤ እንተዀነ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ማይ ክህሉ ጽቡቕ'ዩ። ኣገዳሲ ምንጪ እቶት'ዩ፤ ህይወት ግብጺ'ዩ። ነዚ ካብ ግብጺ ምምንዛዕ ድማ ዘደንጹ እዩ፣ ነዚ ቀልጢፍና ክንፈትሖ ኢና ዝብል ግምት ኣሎኒ።"
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ግድብ ምሉእ ብምሉእ ብኢትዮጵያ ከምዝተሸፈነ ገሊጹ።
ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ግድብ ህዳሰ ሎሚ 22 ሓምለ 2022፡ 100 ሚኢታዊ "ብዘይ ዝዀነ ናይ ወፃኢ ሓገዝ ይኹን ልቓሕ" ከምዝተሃነፀ ኣፍሊጡ።
ኣብ ናብ ማዕከናት ዜና ዝተዘርገሐ መግለጺ፡ ኵሎም ኢትዮጵያውያን "ብሞራል፡ ብገንዘብ፡ ብጸዓትን ብፍልጠትን" ከምዝተሳተፉ ኣመልኪቱ።
ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝሥመር ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መሸጣ ቦንድን ሓገዝን ልዕሊ 20 ቢልዮን ብር፣ ካብ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ድማ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ብር ከምዝተኣከበ እቲ መግለጺ የመልክት።
ብሓፈሻ ልዕሊ 23 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር ካብ ዝሕቢ ዝተኣከበ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ ኣሎ።
ግብጺ ንሓጽቢ ህዳሰ ኣመልኪታ ኣብ እትህቦ መግለጺ፡ ነቲ ካብ ሩባ ናይል እትረኽቦ መጠን ማይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክትብል ደጋጊማ ኣስሚራትሉ እያ።
ንምምላእ ማይን ካብቲ ግድብ ዝፍኖ መጠን ማይን ኣብ ዝምልከት ዛዕባታት ኣገዳሲ ስሉሳዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ፡ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክትቅጽል ከም ዘይብላ ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ ከተጠንቅቕ ዝጸንሐት ግብጺ፡ ኣብዚ እዋን'ውን ነዚ ጽኑሕ መጠንቀቕታኣ ደጊማቶ ኣላ።
ትራምፕ ወሲኹ፡ "ኣነ ግብጺ እንተ ዝኸውን ነይረ ኣብ ሩባ ኣባይ ማይ ክህሉ ምደለኹ፤ ነዚ ድማ ንሰርሓሉ ኣለና። እቲ ጸገም ክፍታሕ'ዩ፡" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ግብጺ ነቲ ብጽሒተይ እትብሎ 55.5 ቢልዮን ትርብዒት ሜትር ማይ ከይጐድል እያ ትሓትት እምበር፡ ከምቲ ትራምፕ ዝብሎ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝደርቕ ወይ ድማ ስለ ዝዓግት ኣይኰነን።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ብጽሒት ዘረጋግጽ፡ ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማኡን ብዝምልከት ስምምዕ ክግበር ክትሓትት ጸኒሓ እያ።
ኣብዚ ሓጽቢ ዝካየድ ዝነበረ ተኸታታሊ ስሉሳዊ ዘተ ስምምዕ ክፈጥር ከም ዘይከኣለ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኵሎም ወገናት ንፍሽለት እቲ ዝርርባት ንሓድሕዶም ክወቓቐሱ ይስምዑ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም ተባሂሉ ዝነበረ ዓቢይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዘቝጸረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም (ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ) ብወግዒ ክምረቕ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣሎ።