ብሪጣኒያ፡ ኣብታ ሃገር ብቐዋምነት ንምንባር ዘመልክቱ ሓተትቲ ዕቑባ 20 ዓመት ክጽበዩ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝተዋህቦም ሰባት ብቐዋምነት ኣብታ ሃገር ንምንባር ሕቶ ቅድሚ ምቕራቦም 20 ዓመት ክጽበዩ ክግደዱ ምዃኖም፡ ሰኑይ 17 ሕዳር 2025 ክግለጽ ምዃኑ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ሻባና ማሕሙድ ኣፍሊጣ።
ዓባይ ብሪጣንያ ንሓተቲ ዑቕባ ብቐዋምነት እትህቦ ዝነበረት ኣገባብ ክትቅይሮ ምዃና ክግለጽ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብዝሒ ብንኣሽቱ ጃልባ ናብታ ሃገር ዝኣትው ሰባት ንምንካይ ዝዓለመ እዩ።
ብመሰረት እቲ ውጥናት፡ ዑቕባ ዝተዋህቦም ሰባት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንግዚኡ ጥራይ ክጸንሑ ዝፍቀደሎም ኰይኑ፡ ናይ ስደተኛታት ኵነታቶም ብቐጻሊ ክግምገምን እቶም ዓዶም ውሑስ ኰይኑ ዝተራእየ ድማ ክምለሱን ይንገሮም።
ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ እዋን'ዚ ሓተትቲ ዑቕባ ንሓሙሽተ ዓመት ክጸንሑ ትፈቅድ። ብድሕሪኡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንሓዋሩ ክጸንሑ ከመልክቱ ይኽእሉ።
ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት ድሕሪ ደጊም ኣብታ ሃገር ንሓዋሩ ክጸንሑ ከም ዘይፍቀደሎም ኣፍሊጣ።
ዩክሬናውያን ስደተኛታት ንሰለስተ ዓመት ክጸንሑ ዝፍቀደሎም ኰይኑ፡ ጻንሖቶም ናይ ምንዋሕ ኣማራጺ ክህልዎ እዩ።
ሕጂ እታ ሚኒስትር፡ ነዚ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ክተጕድሎ ትደሊ፤ ድሕሪኡ ድማ ኩነታት ስደተኛታት ብቐጻሊ ክግምገም እዩ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቀዋሚ መንበሪ ንምርካብ ዝወስዶ ግዜ ግን ካብ ሓሙሽተ ዓመት ናብ 20 ዓመት ብዓቢኡ ከተናውሖ መደብ ኣለዋ።
ንሳ ንጋዜጣ ሳንደይ ታይምስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ጽገናታት "ብመሰረቱ ንሰባት፡ ከም ዘይሕጋዊ ስደተኛ ናብዛ ሃገር ኣይትመጽኡ፡ ኣብ ጃልባ ኣይትስቀሉ፡" ንምባል ዝተዳለወ'ዩ።
ኣስዒባ፡ "ዘይሕጋዊ ስደት ንሃገርና ይመቓቕላ ኣሎ፡" ብምባል፡ ስራሕ መንግስቲ "ሃገርና ሓደ ምግባር'ዩ፡" ኢ።ላ
"ነዚ እንተዘይፈቲሕናዮ፡ ሃገርና ኣዝያ እትመቓቐል ይመስለኒ፡" ክትብል ነታ ጋዜጣ ገሊጻ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ናይ ፖሊሲ ለውጢ "ዓቢ" ክብሉ ገሊጾሞ። እቲ ፖሊሲ ካብቲ ዴንማርክ እትኽተሎ ኣገባብ ዝተረዓመ'ዩ።
ጸጋማዊ መንግስቲ ዴንማርክ ሶሻል ዲሞክራ፡ ኣብ ኤውሮጳ ብዘለዎ ተሪር ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን'ዩ ዝፍለጥ።
ሓተቲ ዑቕባ ናይ ክልተ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህቦም ዳግማይ ከመልክቱ ኣለዎም።
ዜግነት ንምርካብ ዝግበር መስርሕ ግን እናኸበደ'ዩ ዝኸይድ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ዴንማርክ ትኽተሎ ኣገባብ ብምንኣድ፡ ኣብቲ ምርጫ ዝሓሸ ተሳትፎ መረጽቲ ከም ዘለዋ ገሊጻ።
ሰልፊ ዕዮ ዓባይ ብሪጣንያ ሓያል ስጕምቲ እንተዘይወሲዱ "ሓይልታት ጸላም ስልጣን ክሕዙ እዮም" ክትብል ኣጠንቂቓ።
ዴንማርክ፡ ስደተኛታት ኣባላት ስድርኦም ዝወስድሉ መስርሕ ብምንዋሕ ትፍለጥ ምዃና እውን ንኢዳ።
ዓባይ ብሪጣንያ ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ዘለዋ እወንታዊ ኣረኣእያ፡ ቍጽሪ ናይቶም ብጀላቡ ዝመጽኡ ሓተቲ ዑቕባ ክውስኽ ገይሩ'ሎ።
"ካብ ሓደጋ ዝሃድሙ ሰባት ምሕላው ክንቅጽል ኢና። ስርዓት ግን ክንሕሉ ኣለና፡" ክትብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፋ።
ዴንማርክ ኣብ ዙርያ ሓተትቲ ዕቑባ እትኽተሎ ኣሰራርሓ ብዙሓት ነቐፍቲ ኣለዉዎ።
200 ስደተኛታት ናብ ሶርያ ንምምላስ ዝወሰደቶ ኣካታዒ መደብ ነቐፌታታት ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ክላይቭ ሉዊስ፡ "ነታ ሃገር ሕሉፋት የማናውያን ይወስዋ ኣለዉ" ኢሉ።
ካልእ ወኪል እቲ ሰልፊ ናድያ ዋቶም፡ "ብፖለቲካውን ሞራላውን መዳይ ቅቡል ኣይኰነን፡" ኢላ።
ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ ሪፎርም ብሪጣንያ፡ ሓተቲ ዑቕባ ቀዋሚ መንበሪ ካብ ዝወሃቦም ናብ ዓዶም ክምለሱ ይመርጽ።
ዓቃባዊ ሰልፊ ነቲ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምልኣኽ ሓሳብ ደጊፉ እኳ እንተሎ፡ ሰልፊ ዕዮ ግን ነቲ ሓሳብ ነጺግዎ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት እታ ሃገር ሻባና ማሕሙድ ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ሰኑይ ንኣባላት ባይቶ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ዶባት እታ ሃገር "ካብ ቍጽጽር ወጻኢ" ኰይኑ ኣሎ ኢላ ክትካታዕ ትጽቢት ይግበር።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







