ትግራይ፡ ኣብ ዓፋር ዝተጫጨሐ ዕስለ ኣንበጣ ስግኣት ዝፈጥር ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ብኲናት፡ ተኸታታሊ ደርቅን ፖለቲካዊ ሕምስምስን ተሃስያ ዘላ ትግራይ፡ እቲ ኣብ ውሱን መሬት ጥራይ ዝተሓርሰ ተስፋ ሂቡ ዝጸንሐን ዘራእቲ ዝሓለፈ ክራማት፡ ቈፎኡ ከይኣተወ ድራር ኣምበጣ ከይከውን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብዚ ቅነ ካብ ጐረቤት ክልል ዓፋር ዝመጸ ኣንበጣ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ተራእዩ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርጋሕ ቀንዩ ኣሎ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣቶ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ፡ ኣብ ጐረቤት ክልል ዓፋር ያሎ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣንበጣ ከም ዝተርኣየ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
ንሱ፡ ምስ ለውጢ ኵነታት ኣየር ብዝዛመድ ዕስለ ባልዓት፣ ሕማማት፣ ድርቅን ውሑጅን ከጋጥም ከም ዝኽእል ጠቒሱ፡ እንተዀነ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተረኣየ “ ኣምበጣ ገረብ” ክሳብ ሕጂ ናብ ትግራይ ከም ዘይኣተወ ኣብሪሁ።
“ኣብዚ እዋን ንደቡብ ትግራይ ምስ ራያ ጨርጨር፡ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ኣብ ዘዳብው ከባብታት ዓፋር ተርእዮታት ኣሎ። ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘሎ ኰይኑ ክሳብ ሕዚ ግን ናብ ትግራይ ዝኣተወ ኣንበጣ የለን።”
ሰብሞያ ሚኒስትር ሕርሻ ፈደራል እቲ ኣብ ዓፋር ከባቢ ያሎ ዝተርኣየ ዓይነት ኣንበጣን ኵነታትን ከም ዝፈተሹ እውን ሓቢሩ።
“ኣብ ያሎ ዝተርኣየ ኣንበጣ ኦም ዝበሃል’ዩ። ኣንበጣ በረኻ ከም ዘይኮነ’ዮም ሓቢሮምና። እዚ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ደርጋዓጀን’ውን ተራእዩ ስለ ዝነበረ ምርምራ ይገብሩ ኣለዉ፡” ኢሉ።
ኣንበጣ በረኻ ብቐንዱ ንእኽሊ፡ ገረብን ኵሉ ነገር ዝበልዕ ዕስለ ባልዕ እዩ። ኣዝዩ ቅልጡፍን ብፍላይ ንፋስ ኣብ ዝረኽበሉ ብቕልጡፍ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝላባዕን እዩ።
ኣንበጣ ኦም ድማ፡ ተመሳሳሊ ባልዕ’ኳ እንተዀነ መብዛሕትኡ ኦም ኣብ ዝረኸበሉ ብኣንጻሩ ዝረጋጋእን ኦም ዝበልዕን’ዩ፤ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ’ውን ማሸላ ዝበልዓሉ ኵነታት ኣሎ። ምስ ኣንበጣ በረኻ ክነጻጸር እንከሎ ዝሕል ዝበለ ምዃኑ፡ ኣቶ ኣለምብርሃን የረድእ።
ክልል ዓፋር ከ እንታይ ይብል?
ኣብ ቢሮ ልምዓት ተፈጥሮን ሕርሻን ክልል ዓፋር ዳይሬክተር ሓለዋ ጥዕና ተኽልን ቍጽጽር ምህርትን ኣቶ ሓቢብ ዓብደላ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ኣንበጣ ዝተራእየ ምዃኑ ብምርግጋፅ እቲ ኩነታት ሓደገኛ ምዃኑ ገሊፁ።
እቲ ሓለፊ ከምዝብሎ፡ እቲ ዕስለ ኣብ ብዙሕ ከባብታት እቲ ክልል ከምዝተራእየ፡ ብበዝሒ ግና ኣብ ከባቢ ወሰናት ትግራይ ዞባ ኣርባዕተ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ እዩ ተራእዩ ዘሎ።
“ሕብረተሰብን መራሕቲ ወረዳታትን ፀብፃብ ይሰዱልና ኣለው። ነቲ ዝረኸቦ ቆጽሊመጽሊ የጥፍኦ ኣሎ፣ ብኡ መሰረት ድማ ጉድኣት የስዕብ ኣሎ፤ ቀለብ ኣግማልን ኣጣልን ዝዀነ ኣግራብ የዕኑ ኣሎ” ብምባል ሓደገኛ ዕስለ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብመንጽር ቍጽጽርን ክትትልን፡ ካብ ፈደራል መንግስቲ ዝተልኣኸ ክኢላ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ካልእ መፍትሒ ዘምጽኦ ፍታሕ ከምዘየለ’ውን ሓቢሩ።
ብሓፈሻ፡ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ኣብ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ዝተገበረ ቅድመ-ምድላው ይዅን መጽናዕቲ ከምዘየለ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ዓይነት ኣንበጣ፡ ንርእሱ ክሓብእ ዝኽእልን፡ ኣብ ዝተወሰነ ሰዓት ዝዀነ ምስ ዝረክብ ተንሲኡ ጉድኣት ዘስዕብ ምዃኑን ተዛሪቡ።
መጠን እቲ ዝተርአየ ኣንበጣ ክንደየናይ’ዩ?
ኣቶ ኣለምብርሃን፡ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ንዝኸፍአ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኵሉ ዓይነት ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
"ኣብቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ፈደራል ዝረኣይዎ ከባቢ ገዚፍ ዕስለ ኣንበጣ ስለዘሎ፡ ብኡ ልክዕ ምድላውና ክነጻፍፍ ከም ዘለና እዮም ሓቢሮምና።"
ብቐንዱ ድማ ዝደረቐ ዝራእቲ ብቕልጡፍ ናይ ምዕጻድን ምክያድን ምንቅስቓስ ክግበር ጐስጓስ ከምዝገብሩ ኣሚቱ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ እቲ 48 ሚእታዊት ተሓራሲ መሬት ጥራሕ ከም ዝተሓረሰ ኣቶ ኣለምብርሃን የረድእ።
ንምዕራብ ትግራይ ሓዊስካ፡ እቲ ዝተረፈ 52 ሚእታዊት ተሓራሲ መሬት ድማ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ሓይልታት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ ኣፍራይነት እቲ ክልል ከምዝደረቶ ሓቢሩ።
ብኸመይ ምክልኻል ይከኣል?
ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ብዘሎ ሜላ፡ ቀንዲ መከላኸሊ ዕሰለ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝንጸግ 'ኦርጋኖፎስፌት' ዝተባህለ ዝተበጽበጸ ቀመም (ኬሚካል) እዩ።
እዚ ብነፋሪት፡ ብመኪና ወይ ድማ ብኢድ ሰብ ክንጸግ ይከኣል።
እንተኾነ፡ ጻዕቂ ናይቲ ዕስለን፡ ዝሽፍኖ ከባቢ ኣዝዩ ዓቢ ብምዃኑ፡ ቀልጢፍካ ንምቍጽጻር ቀሊል ኣይኰነን።
ብልምዳዊ ኣገባባት ዝግበር ፈተነታት ግን፡ ምስ ብዝሕን ስፍሓትን እቲ ወራር ብዙሕ ግዜ ዕዉታት ኣይኰኑን።
ባህርያዊ ኣገባብ፡ ማለት ካልኦት እንስሳታት በላዕተኛታትን ብምጥቃም ዝግበር ፈተነ'ውን እንተዀነ፡ ብሰንኪ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ናይቲ ዕስለ ውጽኢታዊ ኣይኰነን።
ኣንበጣ ክንደይ ዝኣክል ጐዳኢ እዩ?
ኣብ ዝሓለፉ ተኸታተልቲ ዓመታት ብፍላይ ገለ ወረዳታት ዞባ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ግዳይ ዕስለ ኣንበጣ ዀይነን ከምዝፀንሓ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሓሓንሳብ ድማ ክሳብ ገለ ከባብታት ኤርትራ ሰጊሩ ነይሩ።
እቲ ብዙሕ ግዜ ካብ የመንን ሶማልያን ከምዝብገስ ዝግመት ኣንበጣ በረኻ፡ ብቐንዱ ኣብ ክልል ዓፋር ዝጫጫሕ ከምዝዀነ መረዳእታት ይሕብሩ።
ኣንበጣ ምስ ኣንፈት ንፋስ ዝጓዓዙ ኮይኖም፡ ኣብ ሰዓት ካብ 16-19 ኪሜ ይውንጨፉ።
ኣብ ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ካብ 5-130 ኪሜ ርሕቀት ክጓዓዙ ይኽእሉ። ኣንበጣ ምድረበዳ ኣብ ኣየር ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።
ሓደ ብጹሕ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ኣብ መዓልቲ ዳርጋ ክንዲ ነብሱ ዝኸውን መግቢ ይበልዕ።
ብቦታ ንምግላጹ ዝኣክል፡ ንከተማ ፓሪስ ዝሽፍን ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ኣብ መዓልቲ ማዕረ ፍርቂ ህዝቢ ፈረንሳ ይበልዕ ማለት እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







