ፓኪስታን: ንትራምፕ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ክትሓጽዮ እያ

ፕረዚደንት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፓኪስታን ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ክትሓጽዮ መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጣ።

ኢስላማባድ፡ ትራምፕ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ህንዲን ፓኪስታንን ተዅሲ ደው ከብላ ንዘበርከቶ እወታዊ ግደ ብምጥቃስ እያ ስሙ ዝረቝሐት።

መንግስቲ ፓኪስታን ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እዋን ቅልውላው ህንዲን ፓኪስታንን ንዝገበሮ ወሳኒ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታውን ኣገዳሲ መሪሕነትን ኣፍልጦ ንምሃብ፡" እቲ ሽልማት ይግብኦ'ዩ ኢሉ።

ህንዲ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ውግእ ንምቍራጽ ከም መንጎኛ ኰይና ከም ዘገልገለት ብምኽሓድ፡ ካብ ሳልሳይ ወገን ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው ከም ዘይትደሊ ገሊጻ ነይራ።

ትራምፕ ብዙሕ ግዜ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክቕበል ከም ዝግብኦ ክገልጽ ተሰሚዑ እዩ።

ተዓዋት ኖቤል ሰላም ናይዚ ዓመት ኣብ ጥቅምቲ እዩ ክግለጽ።

ኣብ ግንቦት ትራምፕ፡ እዘን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ህንዲን ፓኪስታንን ንኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየድኦ ውግእ፡ ብሃንደበት ተዅሲ ደው ምባሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መንግስቲ ፓኪስታን ትማሊ ሰንበት ኣማስያኡ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኢስላማባድን ኒውደልሂ ብዕቱብ ብምዝርራብ ጽቡቕ ውጥንን መሪሕነትን ኣርእዩ። እዚ ድማ ነቲ ክብእስ ዝኽእል ዝነበረ ኵነታት ንምህዳእ ሓጊዙ፡" ኢሉ።

"እቲ ዝገበሮ ድማ ከም ሓቀኛ ኣውሓሲ ሰላም ኰይኑ ደው ከም ዝበለ ምስክር እዩ።"

ካብ ዋሽንግተን ይዅን ኒውደልሂ ዝተዋህበ ቅልጡፍ መልሲ ዛጊት የሎን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ህንዲን ፓኪስታንን ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝበጽሓን ንግዲ ከም መሰማምዒ ዛዕባ ከም ዝነበረን ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

ፖኪስታን ነቲ ኣመሪካ ተጻዊተዮ እትብሎ ተራ እኳ እንተ ኣረጋገጸቶ፡ ህንዲ ግን ነጺጋቶ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ትራምፕ፡ ህንዲን ፓኪስታንን ምስ ኣመሪካ ዘለወን ንግዳዊ ምትእስሳር ክዕቅበኦ እንተዀይነን ተዅሲ ደው ከብላ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዝገለጸለን ሓቢሩ ነይሩ።

ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንዑ ምሳኹም [ህንዲን ፓኪስታንን] ብዙሕ ንግዲ ክንገብር ኢና፡" ኢሉ ጻውዒት ከም ዝገበረሎም ገሊጹ።

መራሒ ኮሚቴ ምክልኻል ሰኔት ፓኪስታን ነበር ሙሻሂድ ሑሴን፡ ነቲ ሃገሩ ንትራምፕ ዝረቝሐቶ ንኢዱ።

ንሱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ትራምፕ ንፓኪስታን ጽቡቕ'ዩ። ንትራምፕ ንምሕጓስ ተባሂሉ ከም ዝዀነ ዝሕሰብ እንተዀይኑ - ይዅን። ኵሎም መራሕቲ ኤውሮጳ ብዙሕ ከሐጕሱዎ ክጽዕሩ ጸኒሖም'ዮም፡" ኢሉ።

ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኣመሪካ ነበር ማሌሃ ሎዲ ግን ነቲ ስጕምቲ "ዘሕዝን" ክትብል ነቒፋቶ።

"እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ ናይ ዓሌት ምጽናት ኲናት ዝደገፈን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ 'ብሉጽ' ኢሉ ዝጸውዐን ሰብ፡" ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።

"ሃገራዊ ክብረትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ'ዩ፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ መንጎ ብዙሓት ሃገራት ንዝተኻየዱ ዘተታት መንጐኛ ኰይኑ ከም ዝሓገዘ ጽሒፉ ነይሩ። እዚ እናሃለወ ግን፡ "ዝገበርኩዎ ብዘየገድስ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣይረክብን እየ፡" ኢሉ።

ትራምፕ ንውግኣት ሩስያን ዩክረይንን ከምኡ'ውን እስራኤልን ሓማስን ብቕልጡፍ ከብቅዕ ምዃኑ ቃል ብምእታው እዩ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ፈሊሙ። ክሳዕ ሕጂ ግን ኣብ ክልተኡ ግጭታት ሰላም ከስፍን ኣይከኣለን።

ትራምፕ፡ ባራክ ኦባማ ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብ ዝኸውን ኣብ ሻሙናይ ወርሑ ኣብ 2009 ሽልማት ኖቤል ሰላም ብምዕታሩ ብዙሕ ግዜ ይነቕፎ እዩ፣ ኣብ 2013 ንኮሚተ ኖቤል ኖርወይ ነቲ ሽልማት ክስርዞ'ውን ሓቲቱ ነይሩ።