ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ኣብራሞቪችን ብመሸጣ ቸልሲ ዝተፈጥረ ምስሕሓብን ምፍርራሕን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ወናኒ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ነበር ሮማን ኣብራሞቪች ካብ መሸጣ እታ ክለብ ዝረኸቦ ገንዘብ ብመልክዕ ሓገዝ ናብ ዩክረይን ጥራይ ክኸይድ ብዘይ ምስምምዑ ክኸሶ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።
እቲ ካብ መሸጣ እታ ክለብ ዝተረኽበ 2.5 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ኣታዊ ኣብ ባንክ ዓባይ ብሪጣንያ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ።
ኣብራሞቪች፡ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ እገዳ ተገይርሉ እዩ።
ብሪጣንያ እቲ ገንዘብ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዩክረይን ክውዕል ክጠልብ እንከሎ፡ ኣብራሞቪች ግን፡ "ንዅሎም ግዳያት ኲናት ዩክረይን፡" ክልገስ ከም ዝደሊ ገሊጹ።
ቻንስለር ራቸል ሪቭስን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ደቪድ ላሚን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ልዳት ዘተ ክፉት እኳ እንተዀነ፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ግን ናብ ቤትፍርዲ ክንከይድ ድሉዋት ኢና፡" ኢሎም።
"ኣብ ዩክረይን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ካብዚ ኣታዊታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ተጠቀምቲ ክዀኑ፡" ከም ዝደልዩ ገሊጾም።
ወሲኾም፡ "መንግስቲ ካብ መሸጣ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ [ኣብራሞቪች] ዝረኸቦ ኣታዊ፡ ድሕሪ'ቲ ሩስያ ዘካየደቶ ዘይሕጋዊ ወራር ናብ ሰብኣዊ ዕላማታት ዩክረይን ክበጽሕ ክርኢ ቈሪጹ ተላዒሉ ኣሎ፡" ይብሉ።
"ዛጊት ምስ ሚስተር ኣብራሞቪች ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ዘይምኽኣልና ኣዚና ተስፋ ቈሪጽና ኣለና።"
እቲ ገንዘብ ክፍኖ ዘይከኣለ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ጠበቓታት ኣብራሞቪችን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ስለ ዘይከኣሉ እዩ።
እቲ ብነዳድን ጋዝን ከም ዝሃብተመ ዝንገረሉ ሩስያዊ ቢልዮነር፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምጅማራ፡ ካብቲ መሸጣ ከም ዘይጥቀም ከረጋግጽ እንተ ኽኢሉ ንክለብ ቸልሲ ክሸጣ ከም ዝኽእል ፍሉይ ፍቓድ ተዋሂቡዎ።
ኣብራሞቪች ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ጥቡቕ ቅርበት ከም ዘለዎ ዝግለጽ እኳ እንተዀነ፡ ንሱ ግን ነዚ ዘረባ ይነጽጐ።
እቲ 2.5 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ኣታዊ መሸጣ፡ ብሰንኪ እገዳ ዓባይ ብሪጣንያ ክረኽቦ ኣይክእልን እዩ፤ ብሕጋዊ መንገዲ ግን ናቱ እዩ።
ነታ ክለብ ክሸጣ ምውሳኑ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ካብቲ መሸጣ ዝረኽቦ ኣታዊ ብመንገዲ ሓደ ትካል-ረድኤት፡ "ንረብሓ ኵሎም ግዳያት ኲናት ዩክረይን፡" ክውዕልን ነቶም ኣብ ሩስያ ዘለዉ ዘጠቓልል ምዃኑን ገሊጹ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ንዝግበር ሰብኣዊ ጻዕርታት ጥራይ ክውዕል ኣለዎ ክብል ይማጐት።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ ኣባል ኮሚተ ባይቶ ሎርድስ፡ ሚስተር ኣብራሞቪች ንዩክረይን ንምሕጋዝ ገንዘብ ክሰድድ ዝኣተዎ መብጽዓ ንምንታይ ከም ዘይተፈጸመ፡ ንምንታይ ንብረቱ ክሳዕ ሕጂ ተዓጽዩ ከም ዘሎን "ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ፡" ኢሉ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







