ህቦብላ ሑጻ ክሳብ ክንደይ'ዩ ሓደጋኡ፡ ብኸመይከ ንከላኸሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ኣመሪካ ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ሑጻን ሓመድን ዝሓወሰ ህቦብላታት ብምግጣሙ ንሰማይ ካልእ ሕብሪ ሂብዎ፡ ንሰባት ከኣ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ንኸጋጥሞም ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።
እዞም ህቦብላታት እዚኣቶም ዝበዝሕ ግዜ ካብ ሰፊሕ በረኻታት እዮም ዝብገሱ። ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ብዙሓት ሰባት ክጽለዉ ከምዝኽእሉ ክኢላታት ንቢቢሲ ገሊጾም። ንኣብነት ምድረበዳነትን ምምካኽ በረድን ንሓመድ ዝሓወሰ ህቦብላ ንፋስ ዘቃልዕ እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕርን ኪኖኡን፡ ተደጋጋምን ብሓይሊ ዝሕምበብን ህቦብላታት ምውሳኹ ከምዝተዓዘበ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጸገም ንምቅላል ተወሳኺ ዓለማዊ ጻዕርታት ክካየድ ጸዊዑ።
ጠንቂ ህቦብላ ሑጻን ሓመድን እንታይ እዩ?
እዞም ህቦብላታት እዚኣቶም ኣካል ተፈጥሮኣዊ ዑደት መሬት ኮይኖም፡ ሓያል ንፋስ ካብ ደረቕ ሑጻን ሓመድን ናብ ከባቢ ኣየር ምስ ዘልዕል ዝፍጠሩ እዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓመት ኣስታት ክልተ ሚልዮን ቶን ሑጻን ሓመድን ናብ ከባቢ ኣየር ይተንን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ፕሮፌሰር ሳይንስ ክሊማ ሪቻርድ ዋሽንግተን፡ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ዝፍኖ ሓመድ ካብ ምድረበዳ ሰሃራ ከም ዝብገስ ይገልጽ።
ንጥረ ነገራት ኣሽሓት ኪሎሜተራት ናይ ምጉዕዓዝ ተኽእሎ ዘለዎም ኮይኑ ካብ ኣፍሪቃ ዝብገስ ሓመድ ናብ ከም ኤውሮጳ፡ ጫካ ኣማዞንን ኣትላንቲክ ውቅያኖስን ዝኣመሰሉ ቦታታት ክበጽሕ ይኽእል።
ኣብዚ ምሉእ ጉዕዞ፡ ንውቅያኖሳትን መሬትን ዘልምዑ መኣዛታት ይሽከሙ። ብተወሳኺ'ውን ንኽልቲኡ ስነ-ህይወት ባሕርን ምድርን ዝድግፉ ምዃኖም ዶክተር ዋሽንግተን ይገልጽ።
ካልኦት ዓበይቲ ምንጭታት ድማ ከም ኣብ ኤስያ ዝርከብ ጎቢን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ምድረበዳ ዓረብን ዝኣመሰሉ ምድረበዳታት ይርከብዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሳብ ክንደይ ስግኣት እዮም?
መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ህቦብላታት ሑጻን ሓመድን ብደረጃ ዓለም ንኣስታት 330 ሚልዮን ሰባት ይጸልዉ።
ኣብ ሰባት ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ ከስዕቡ፡ ጥሪት ክቐትሉ፡ ዝራእቲ ከዕንዉ፡ ብሰንኪ ዝፈጥርዎ ድኹም ናይ ደቂ ሰባት ምርኣይ ተኽእሎታት ጽርግያታትን መዓርፎ ነፈርትን ክዕጸዉ ከገድዱ ይኽእሉ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ቴክሳስን ካንሳስን ሓያል ንፋስ ዘስዓቦ ህቦብላታት ሓመድ ኣጋጢሙ።
ተሽከርከርቲ ናብ ሓደ ክእከባ ካብ ምግዳዱ ብተወሳኺ ህይወት ኣስታት ዓሰርተ ሰባት ቀቲሉ ነይሩ። ኣብ ኒው ሜክሲኮ ዘጋጠመ ፍሉይ ህቦብላ ድማ ውሱን ናይ ምርኣይ ሳዕቤናትን ሓደጋ መካይን ኣስዒቡ።
ድሕሪ ሰሙናት፡ ኣብ መላእ ዒራቕ ድሕሪ ዘጋጠመ ህቦብላ ሑጻ፡ ልዕሊ 1000 ሰባት ንጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ ተቓሊዖም።
ንጥረ ነገራት ሓመድ ብኣፍንጫ ወይ ብኣፍ ናብ ኣካላት ወዲ ሰብ እንተኣትዮም፡ ከም ኣዝማ ወይ ኒሞንያ ዝኣመሰሉ ጸገማት ከስዕቡ ይኽእሉ ይብል ሕቡራት ሃገራት።
ዝደቐቑ ንጥረ ነገራት ዝያዳ ናብ ውሽጣዊ ክፋል ደቂ ሰባት ብምእታው ናብ ደም ክበጽሑን ንኹሉ ኣካላት ክጸልዉን ይኽእሉ።
ህቦብላ ሓመድ ንብከላ ኣየር ኣበርክቶ ይገብር።
ዋና ጸሓፊት ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ሴሌስተ ሳውሎ፡ "ንጥዕናን ጽሬት ህይወትን ሚልዮናት ሰባት ይጎድኡ፡ ኣብ መጓዓዝያ ኣየርን ምድርን፡ ሕርሻን ምፍራይ ጸሓያዊ ጸዓትን ብምዕንቃፍ ድማ ብዙሕ ሚልዮናት ዶላር የኽፍሉ" ትብል።
ብውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ዝተሓትመ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ንነዊሕ ርሕቀት ብዝጓዓዙ ህቦብላ ሓመድ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታት፡ ኣብ መንጎ ምዕራብ ኣፍሪቃን ካሪብያንን ዝርከብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ፤ ላቲን ኣመሪካ፤ ማእከላይ ባሕሪ፤ ባሕሪ ዓረብ፤ ወሽመጥ ቤንጋል፤ ከምኡ'ውን ማእከላይ ምብራቕን ቻይና'ንዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣመሪካ ዝፍጠር ደሮናን ንፋስን ኣብ 2017 ብገምጋም 154.4 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣኽሲሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህቦብላ ሑጻ ብኸመይ ክገድድ ይኽእል?
እዞም ህቦብላታት ወትሩ ስግኣት ኮይኖም ከምዝጸንሑ ዶክተር ዋሽንግተን ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ ገለ ካብ ሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ፡ ንንፋሳት ዝቃላዕ ሓመድ ክውስኽ ከምዝኽእል ይዛረብ።
ድርቂ፡ ድኹም ምሕደራ መሬትን ምስፍሕፋሕ ብባርዕ በረኻ ዝተቓጸለ ከባቢታትን፡ ንሓደጋ ሑጻን ሓመድን ህቦብላታት ንኽዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ይዛረብ።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ናይ ምድረበዳነት ሓደጋ ዘንጸላለወካ ኩለኻ፡ ብሑጻን ሓመድን ብዝተዓብለኸ ህቦብላ ክትቃላዕ ትኽእል ኢኻ። ምኽንያቱ ሳዕቤን ናይዚ ምድረበዳነት ስለዝኾነ" ክትብል ኣብ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ተመራማሪት እቲ ዓውዲ ሳራ ባሳርት ገሊጻ።
ዶክተር ባሳርት፡ ገለ ምድረበዳ ዘይኮና ዞባታት ዓለም ግን ድማ ጽዑቕ ህዝቢ ዘለወን - ከም ደቡባዊ ኤውሮጳ - ዝያዳ ደረቕ ናይ ምዃን ሓደጋ ከምዘለወን ሓቢራ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ጸብጻብ፡ ካብ ሶማልያ ክሳብ መሬት ኤውሮጳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተመዝገበ ታሪኽ ገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣዕናዊ ድርቂ ከምዝተራእየ ኣቃሊዑ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ባሕሪ፡ ላቲን ኣመሪካን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ዝረአ ጽልዋታት እውን ኣጉሊሑ።
ዶክተር ዋሽንግተን ወሲኹ፡ ምምካኽ በረድ ካልእ ሓደጋ ከምዘስዕብ ይዛረብ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ብሰንኪ ምንዳድ ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ሙቐት ብምውሳኹ፡ በረድ ዓለም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብቕልጡፍ ይመክኽ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እንታይ ክግበር ይከኣል?
ዶክተር ዋሽንግተን፡ እቲ ክህሉ ዝኽእል ወሰኽ ሓመድ ንምክልኻል እቲ ኣገዳሲ ስጉምቲ፡ ልቀት ካርቦን ዳይኦክሳይድ (CO2) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ምዃኑ የጉልሕ።
ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ከምዚ ኮቦርታ ኮይኑ ዓለምና ዝያዳ ከምእተውዕይ ይገብራ።
ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ፡ ኣስታት 25 ምኢታዊት ካብ ዓለማዊ ልቀት ሓመድ ካብ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ከም ህንጻ፡ ሕርሻን ድኹም ኣሰራርሓ ምሕደራ መሬትን ዝምንጩ ኮይኑ ሓመድን ሑጻን ዝሓወሰ ህቦብላ ምዃኑ ይገልጽ።
"ልክዕ ከምቲ ህቦብላታት ሑጻን ሓመድን ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝፍጠሩ፡ እዞም ህቦብላታት ብተግባራት ደቂ ሰባት'ውን ክጎድሉ ይኽእሉ እዮም" ይብል።
ከም ምትካል ኣግራብን ሓመድ ጠሊ ክህልዎ ምግባርን ሳዕቤናት ናይዞም ህቦብላታትን ሓደጋ ምውሳኽ ተርእዮታትን ንምንካይ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ዶ/ር ባሳረት ትገልጽ።
"እዚ ጸገም ክጋደድ ይኽእል'ዩ፡ ወይ ድማ ክቃለል ይኽእል'ዩ" ትብል ንሳ፡ ብዙሕ ኣብ ውሳነ ሰባት ከም ዝምርኮስ ትዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







