ፕረዚደንት ኢራን ምስ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዘራሪቡ

ምንጪ ስእሊ, ETH PMO
ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ “ወጥሪ ማእከላይ ምብራቕ” ከምዝተዘራረቡ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ። ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ደገፍ ክትገብር ቅርብቲ ከምዘላ’ውን ገሊጹ።
እቲ ጎኒ ጎኒ ናይቲ ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ ዝተገብረ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ብሰንኪ ኲናት ቓዛን ሊባኖስን ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኢራንን ዓቢ ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ተኻይዱ።
ብወገን መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ፡ እቲ ኢራናዊ መራሒ ምስ ኣቢይ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሃገሩ መጥቃዕቲ እንተ ኣካይዳ “ክእመን ዘይክእል ግብረመልሲ ክወሃባ ምዃኑ” ኣጠንቂቑ ክብል ይገልጽ።
ኢራን ነቶም ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ መሻርኽታ ዝነበሩ መራሕቲ ሓማስን ሕዝቦላህን ንምዝራይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደብዳብ ሚሳይላት ድሕሪ ምፍጻማ፡ እስራኤል እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ'ያ ክትህብ ዝብል ሕቶ ዓቢ ተርባጽ ፈጢሩ ይርከብ።
እስራኤል ኣብ ቓዛን ሊባኖስን ዝኣወጀቶ ኲናት ብምቕጻል፡ ንመራሕቲ እቶም ጉጅለታት ትቐትሎም ከምዘላ ይፍለጥ። ዛጊት ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ፡ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስርላህን ዝተክኦ ካልእ መራሒን፡ ከምኡ'ውን ሓያለ ኣዘዝቲ ናይቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ተቐንጺሎም ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ዞባዊ ኲናት እንታይ ዓይነት መርገፂ ከምእትሕዝ ብቕሉዕ ዝተብሃለ የለን።
እንተዀነ ኣዲስ ኣበባ ዘይሻራዊ ቅዋም ንምሓዝ ከምእትፍትን ገለ ሓበሬታ የመልክቱ።
ናብቲ ከም ኣንፃር- ደንበታት ምዕራባዊ ዓለም ዝረአ ዘሎ ብሪክስ ድሒረን ካብ ዝተፀምበራ ሃገራት ኢትዮጵያን ኢራንን ዝርከበአን ኰይነን፡ ሩስያ ነቲ ምትእኽኻብ ክትምዝምዞ ትፍትን ትከምዘላ ተንተንቲ ፖለቲካ ይዛረቡ።
ዝምድና ኢራንን ኢትዮጵያን
ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኢትዮጵያን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ንግዳዊን ርክብ ዘሰነዮ ከምዘይኮነ ይግለጽ። ጣህራን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝምራሕ ኤምባሲ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
እንተኾነ ግን፡ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትእስሳር ከምዘለወን ዘመልክቱ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክወጹ ጺኖም እዮም።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝዘለቐ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ አንፈት እቲ ውግእ ኣብ ምቕያር ዓብዪ ግደ ይፃወት ካብ ዘነበረ ቴክኖሎጂ ውግእ፡ ተሳትፎ ድሮናት ከምዝዀነ ይንገር።
ብፍላይ ኣብ ክረምቲ 2021 ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተፀጊዖም ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ግስጋሰኦም ዝተደረተን ንድሕሪት ክምለሱ ዘገደዶምን፡ ተሳትፎ ስርሓት- ቻይና፣ ቱርክን ኢራንን ዝዀና ድሮናት ከምዝነበረ ቢቢሲ ዘካየዶ ምፅራይ የመልክት።
ብሳተላይት ዝተደገፈ ስእልታት፡ ድሮናት ኢራን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተራእያ እቲ ዝተኻየደ መርመራ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ሓደ ካብ መርመርቲ በረራ ነፈርቲ፡ ኣብ ነሓሰ 2021፡ ካብ ኢራን ናብ ሃረር ሜዳን መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌን 15 ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዝኣተዋ ኣረጋጊጹ።
ብዙሐት መጥቃዕትታት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባት ዘጋጥም ዝነበረ ሞትን መቑሰልትን ከኣ ዝያዳ ኣሻቓሊ ገይሩዎ ነይሩ።
ብፍላይ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ናብ ኢትዮጵያ እትሸጠን ዝነበረት ድሮን ሻቕሎት ከምዝነበራ ብምግላጽ ብወግዒ ኮኒናቶ ነይራ።
እቲ ውሳነ፡ ኢራን ንኒዩክለራዊ ንጥፈታታ ክትገትእ ብምስምማዕን ዓለማዊ ስርዓት ምርመራ ተግባራዊ ክኸውን ምፍቃዳን ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዝነበረ ብዙሕ እገዳታት ክለዓል ዝደረኸ እዩ።
ብርክት ዝበሉ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ኢትዮጵያ ሞሓጀር-6 ዝብሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስርሓት-ኢራን ኣብ ረብሓ ከምዘውዐለት ፀብፂበን ነይረን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብድሮናት ዝተሓገዘ ግጭት ዝካየድ ዘሎ ዀይኑ፡ ተሳትፎ ድሮናት ኢራን ብዝምልከት ክንደይ ዝኣክል ከምዝዀነ ዝተረኽበ መረደእታ የለን።
ኢራን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንምሕያል ኣብ ቁጠባ፡ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፡ ትምህርቲ፡ ንግድን ወፍርን ምትሕግጋዝ ክትገብር ከምእትደሊ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመደበ ኣምባሳደራ ገሊጹ ነይሩ። ነቲ ርክባት ዘወሃህድ ብደረጃ ሚኒስተራት ኣቐዲሙ ዝቖመ ኮሚቲ ንምብርባር'ውን ድሌት ከምዝነበረ እቲ ኢራናዊ ዲፕሎማት ተዛሪቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







