እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ብኽልተ ዓበይቲ ሩባታት ኣብ ዝተኸበት ጣብያ 22 ሰባት ብደርቂ ሞይቶም
ኣብ ወረዳ ቆላ ተንቤን፡ ጣብያ ያቔር ብሰንኪ ዘጓነፈ ሓደጋ ደርቂ 22 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣሻሓት ጥሪት ከም ዝሃለቓን ምምሕዳር እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረጋጊፁ።
ሓላፊ ዘፈር ቍጠባን ልምዓት ገጠርን ቆላ ተንቤን፡ ኣይተ ጎይትኦም ገብረሃወርያ፡ ጣብያ ያቔር፡ ኣስታት 1,000 መራሕቲ ስድራን ኣስታት 4,000 በዝሒ ህዝብን ዘለዋ ኰይና፡ ካብተን 16 ጣብያታት-ገጠር ቆላ ተምቤን ሓንቲ ከም ዝዀነት ይዛረብ።
እታ ብኽልተ ዓበይቲ ሩባታት ዝተኸበት ጣብያ፡ "ካብ ዝዀነ ይዅን መሰረት ልምዓት ዝረሓቐት" ከም ዝዀነት ዝገልፅ ኣይተ ጐይትኦም፡ ነበርቲ ካብ ካልኦት ጣብያታት ልዕሊ 8 ሰዓታት ተጓዒዞም ማይ ከም ዘምፅኡ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ብሰንኪ ተኸታተሊ ደርቂ፡ እታ ጣብያ ካብ ካልእ ግዜ ብዝገደደ ንጥሜት ከም ዝተሳጥሐት ተዛሪቡ።
"ዝናብ ስለ ዘይረኸበ፡ ናብ 700 ዝኸውን ተሓራሲ መሬት ቀዳማይ ተሓሪሱ ጠፊኡ። ካልኣይን ሳልሳይን ድማ ጠፊኡ። እታ ጣብያ ብዝኸፍአ መንገዲ ኣብ ሕሱም ደርቂ እያ ትርከብ።"
ንሱ፡ ነባሪ እታ ጣብያ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝተሳጠሐን ዛጊድ ብውሕዱ 22 ሰባት ብጥሜት ከም ዝሞቱን ምምሕዳር እቲ ጣብያ ከም ዘፍለጠ ገሊፁ።
ከምኡ ድማ ካብቲ ጣብያ ዝተረኸበ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ እዚ ደርቂ፡ ልዕሊ 13,000 እንስሳ ዘቤት (ከብቲ፡ ኣእዱግን ጠለበጊዕን) ከም ዝሞቱ ንቢቢሲ ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቲ ከባቢ ብፍርያት መዓር ዝተፈልጠ እኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ እዚ ተዳጋገሚ ደርቂ ግን ዝዀነ ዝፃግዩዎ ዕምበባ ዝሳአኑ ኣናህብ ይጠፍኡን ይስደዱን ከም ዘለዉ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ቍሸታት ውሑድ ዝናብ ከም ዝረኸበት ፀብፃባት የመልክቱ።
እታ ጠብያ፡ ብኽልተ ዓበይቲ ሩባታት ተከዘን ገረብ ግባን ዝተኸበበት እኳ እንተ ተኸበበት፡ ሰኣን ዝዀነ መሰረት ልምዓት ግን ብሕፅረት ፅሩይ ማይ ትሳቐ ኣላ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ነበርቲ እታ ጣብያ፡ ምስ ፅሬት ዝተሓሓዙ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝተቓልዑ'ውን ዝተረኽብናዮ ሓበሬታ የመልክት።