ፊፋ፡ ባሎን ዲ ኦር 2024 በዓል መን ተዓዊቶም?

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ባሎን ዲኦር፡ ተጻዋታይ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ዝዀነ ስጳኛዊ ኣከፋፋሊ ሮድሪ ዕዉት ኰይኑ ተሸሊሙ።

ነዚ ሽልማት ዝበቕዐ ሮድሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተሰለፈለን ጸወታታት ኣብ ሓንቲ ጥራይ ተሳዒሩ፡ ሃገሩ ድማ ቃንጫ ኣውሮጳ 2024 ክትዓትር ኣብቂዑዋ እዩ። ምስ ክለቡ ማን ሲቲ ድማ፡ ፕረሚየር ሊግ ኢንግሊዝ፡ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮጳን፡ ዋንጫ ክለባት ዓለምን ዓቲሩ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ክለብ ማንሲቲ ንፈለማ ግዜ ነዚ ሽልማት’ዚ ዝበቕዐ ሮድሪ፡ ንብራዚላዊ ተጻዋታይ ክለብ ሪያልማድሪድ ቨኒስየስ ጁንየር በሊጹ እዩ ነዚ ሽልማት ዓቲሩ ዘሎ። ንኽልቲኦም ስዒቡ ድማ እንግሊዛዊ ጁድ በሊንግሃም ሳልሳይ ደረጃ ረኺቡ።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣከፋፋሊት ስጳኛን ባርሴሎናን ኣይታና ቦንማቲ ንኻልኣይ ዓመት ተኸታታሊ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ደቂ ኣንስትዮ ተዓዊታ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ስጳኛዊት ሪያል ማድሪድ ብልጽቲ ክለብ ክትከውን እንከላ፡ ኣሰልጣኒኣ ኢጣልያዊ ካርሎ ኣንቸሎቲ ኮኾብ ኣሰልጣኒ እዚ ዓመት ተባሂሉ ተሸሊሙ።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኢማ ሃየስ ኣሰልጣኒት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ቸልሲ ተዓዋቲት ብምዃን፡ ክልቲኦም ንብሉጽ ኣሰልታኒ ዝወሃብ ሽልማት ዩሃን ክሩፍ በቒዖም።

ሃየስ ዝሓለፈ ዓመት ቸልሲ ንሓሙሻይ ግዜኣ ተኸታታሊ ዋንጫ ሱፐር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ'ውን ናብ ፍጻመ ዋንጫ ሊግ ደቂ ኣንስትዮን ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ደቂ ኣንስትዮን ኣብቂዓታ እያ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ግን እዛ እንግሊዛዊት ኣሰልጣኒት ካብ ቸልሲ ወጺኣ ዋና ኣሰልጣኒት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኰይና ናብታ ሃገር ኣምሪሓ እያ።

ኣንቸሎቲ ንሪያል ማድሪድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክብረወሰን ዝሓዘ መበል 15 ዘውዲ ሻምፕዮንስ ሊግ - ኣብ ናይ ኣሰልጣንነት ሂወቱ ድማ ንገዛ'እ ርእሱ ንሓሙሻይ ግዜ - ከምኡ'ውን ዋንጫ ላሊጋ ክትዓትር ኣብቂዑዋ እዩ።

ተሸለምቲ ሪያል ማድሪድ፡ ኣብቲ ጽንብል ተረኺቦም ሽልማቶም ከምዘይወሰዱ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ እዚ ድማ፡ እቲ ኮኾብ እዚ ዓመት ክሽለም ትጽቢት ዝተነብሮ ቨኒስየስ ጁንየር ሎምዘበን ከምዘይተዓወተ ምስተፈልጠ ምዃኑ ይንገር ኣሎ።

ተዓዋቲ ሮድሪ፡ “እዛ መዓልቲ ንዓይ፡ ንቤተሰበይን ሃገረይን ፍሉይቲ እያ” ክብል ሽልማቱ ኣብ ዝዓተረሉ ኣጋጣሚ ተዛሪቡ። ንሱ ወሲኹ፡ እዚ ሽልማት “ንከም በዓል ኣንድሬ ኢኔስታ፡ ዣቪ ሄርናንደዝ፡ ኢከር ካስያስ፡ ሰርጅዮ ቡስኬት ዝኣመሰሉን እዚ ሽልማት ዝግብኦም ዝነበረን ተጻወትቲ [ስጳኛ] ዓወት እዩ” ኢሉ።

እታ ኣብ ፓሪስ ወከልታ ዘይሰደደት ብልጽቲ እዚ ዓመት ዝዀነት ሪያል ማድሪድ፡ ኣጥቃዓያ ቪኒስየስ ጁንየር ብናይ ማንቸስተር ሲቲ ሮድሪ ተበሊጹ ካልኣይ ምዃኑ ቅሬታኣ ገሊጻ ኣላ።

እታ ጋንታ፡ ናብቲ "ዘይትኸብረሉ" ጽንብል ከምዘይትሳተፍ ምግላጻ ዝተፈላለያ ማዕከና ዜና ኣቃሊሐን።

ኣሰልጣኒኣ ሪያል ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲን ኣጥቃዓያ ኪልያን ምባፐን ክልቲኦም ውልቃዊ ሽልማት ረኺቦም'ኳ እንተነበሩ ክልቲኦም እውን ሽልማቶም ክቕበሉ ፓሪስ ኣይተረኽቡን።

ወዲ 24 ዓመት ብራዚላዊ ተጻዋታይ ቨኒስየስ ዝሓለፈ ዓመት ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሪያል ማድሪድ ኰይኑ፡ ክለብ ሻምፕዮንስ ሊግን ዋንጫ ላሊጋን ክትዓትር ኣብቂዑዋ እዩ።

ሮድሪ ተዓዋቲ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ፡ እቲ ብራዚላዊ ኣብ ኤክስ፡ "ኣድላዪ እንተዀይኑ 10 ግዜ ክገብሮ እየ። ድሉዋት ኣይኮኑን ዘለዉ" ክብል ጽሒፉ።

ማድሪ፡ ካልእ ተጻዋታያ ዳኒ ካርቫሃል እውን ንቐንዲ ሽልማት ዕሽሽ ከምዝተባህለ ከምእትኣምን ተገሊጹ።

እታ ክለብ ንኤኤፍፒን ማዕከናት ዜና ስጳኛን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እቲ መምዘኒታት ንቨኒስየስ ከም ተዓዋቲ እንተዘይረቝሑ፡ ተመሳሳሊ መዐቀኒ ንካርቫሃል ከዐውት ይግባእ ነይሩ" ኢላ።

"እዚ ስለዘይኰነ ድማ፡ ባሎን ዲ ኦር ዩዌፋ ንሪያል ማድሪድ ከምዘየክብር ንጹር'ዩ፤ ሪያል ማድሪድ ድማ ናብ ዘይትኽበረሉ ቦታ ኣይትኸይድን'ያ።"

ኣዳለውቲ ግን፡ ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት "ዝዀነ ተጻዋታይ ወይ ክለብ መን ሽልማት ባሎን ዲ'ኦር ከም ዝዓተረ ኣይፈልጥን" ኢሎም።

ሽልማት ባሎን ዲ ኦር፡ ኣብ ዝርዝር ደረጃታት ፊፋ ክሳብ 100 ኣብ ዘለዋ ብሉጻት ሃገራት ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ብዝህብዎ ድምጺ ዝወሃብ ሽልማት እዩ።

እቶም ነዚ ጽልማት እዚ ካብ 2003 ኣትሒዞም ብሒቶምዎ ዝጸንሑ ሊዮነል ሜሲ [8 ግዜ] ክርስትያኖ ሮናልዶን [5 ግዜ] ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ሽልማት ኣይተሓጽዩን።

ሮድሪ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ሽልማት 5ይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ።

ኣብቲ ንብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዝወሃብ ሽልማት ገርድ ሙለር ካፕ ከኣ ሃሪ ኬንን ኪልያን ምባፐን ነፍስወከፎም 52 ሸቶታት ብምምዝጋብ ብማዕረ ተሸሊሞም።

ስጳኛዊ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ ክለብ ባርሴሎና ዝዀነ ላሚን ያማል ንኮኾብ መንእሰይ ዝወሃብ ሽልማት ኮፓ ካፕ ተዓዊቱ።

እቲ ወዲ 17 ዓመት ያማል፡ ምስ ባርሴሎና ኣብ ዝተሰለፈሉ 50 ጸወታታት፡ 7 ሸቶታት ብምምዝጋብን 7 ሸቶታት ብምሕጋዝን እዩ ነዚ ሽልማት በቒዑ ዘሎ።

ኣርጀንቲናዊ ሓላዊ ልዳት ኣስቶንቪላ ኤሚልያኖ ማርቲነዝ ንኻልኣይ ግዜኡ ብሉጽ ኮኾብ ሓላዊ ልዳት ተባሂሉ ዋንጫ ያሲን ተሸሊሙ።

ቀዳሞት 10 ብሉጻት ተዓወትቲ ባሎን ዲ ኦር

  • ሮድሪ [ስጳኛ -ማንቸስተር ሲቲ]
  • ቪንሺየስ ጁኒየር [ብራዚል - ሪያል ማድሪድ]
  • ጁድ ቤሊንግሃም [እንግሊዝ - ሪያል ማድሪድ]
  • ዳኒ ካርቫል [ስጳኛ - ሪያል ማድሪድ]
  • አርሊን ሃላንድ [ኖርወይ - ማንቸስተር ሲቲ]
  • ኪሊያን ምባፐ [ፈረንሳ - ሪያል ማድሪድ]
  • ላውታሮ ማርቲነዝ [አርጀንቲና - ኢንተር ሚላን]
  • ላሚን ያማል [ስጳኛ - ባርሴሎና]
  • ቶኒ ክሩስ [ጀርመን - ሪያል ማድሪድ]
  • ሃሪ ኬን [እንግሊዝ - ባየር ሙኒክ]