እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቀታሊን ኣዕናውን ዝገብሩዎ ሸውዓተ ነገራት፡ ብኸመይከ ንከላኸሎ?
ኣብ ትግራይ፡ ብቀዳም 11 ጥቅምቲ 2025 (ኣ.ኤ)፡ ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዝተሰምዐ ነበርትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ገሊጾም።
ማእከል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኤውሮጳን ማእከላይ ባሕርን (EMSC) ከምኡ'ዉን ማእከል ምርምር ጂኦ-ሳይንስ ጀርመን (GFZ) ኣብ ዘውጽኡዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ካብ 5.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝተሰምዐ ኣመልኪቶም።
ማእከል ምርምር ጂኦ-ሳይንስ ጀርመን፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዕምቈቱ 10 ኪ.ሜ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
እዚ ማእከሉ ካብ መቐለ ኣስታት 45 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ክልል ዓፋር ከም ዝዀነ ዩ.ኤስ.ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ጸብጺቡ።
እቲ ዓቐን ምንቅጥቃጥ ዝተፈላለያ ትካላት ካብ 5.3 ክሳብ 5.6 ሬክተር ምዃኑ ይጽብጽባ ኣለዋ።
ወኪል ቢቢሲ ኣብ መቐለ ክሳዕ ሕጂ ኣረጋጊጹዎ ከም ዘሎ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ፡ ዓድዋ፣ ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ ሽረን ኣክሱምን ተሰሚዑ ኣሎ።
በቲ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ዝወረደ ሳዕቤን እንተሎ ግን ዛጊድ ሓበሬታ ኣይተረኽበን።
ኣብ ኢትዮጵያ ተደጋገሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመ ዀይኑ፡ ዛጊድ እቲ ዝሓየለ ኣብ ትግራይ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብ 2023 ዝተሰምዐ 5.6 ዝዓቐኑ እዩ።
ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዕናዊ ዝገብሮ ግን እንታይ እዩ? ብኸመይከ ንከላኸሎ?
መጠንን ንውሓት ግዜን
ምንቅጥቃጥ መሬት ብ'ሞመንት ማግኒትዩድ ስኬል' (Mw) እዩ ዝዕቀን። እቲ ግዜኡ ዝሓለፎን ልክዕነት የብሉን ዝበሃል ሬክተር በዚ መዐቀኒ ተተኪኡ ኣሎ።
እቲ ምስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኣሳሲሩ ዝግለጽ ቍጽሪ፡ እቲ ስንጣቐ መሬት፡ ውህደት ናይ ዝተንቀሳቐሰሉ ርሕቀትን እቲ ዘንቀሳቐሶ ሓይልን ዝውክል እዩ።
ትሕቲ 2.5 ደረጃ ሬክተር ዝዀነ ምንቅጥቃጥ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይፍለጠናን፣ ብመሳርሒታት ግን ክፍለጥ ይኽእል።
ክሳብ 5.0 ደረጃ ሬክተር ክፍለጠናን ንእሽቶ ዕንወት ከስዕብን ይኽእል።
6.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ማእከላይ ክሳብ ሓያል ክምደብ እንከሎ፡ 7.8 ዝዓቐኑ ድማ ከም ዓቢይ ይምደብ።
"ኣዝዩ ዓቢይ" ተባሂሉ ዝግለጽ ልዕሊ 8.0 እዩ።
እዚ ኣብ ሕምብርቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ፍጹም ከጥፍኦም ዝኽእል ኣዝዩ ኣዕናዊ እዩ።
ኣብ ርእሲ መጠን ክብደቱ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ዝጸንሓሉ ንውሓት ግዜ፡ ነቲ ኣዕናዊ ሓይሊ ኣዝዩ ክጸሉዎ ይኽእል።
"ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብተለምዶ ንውሑዳት ካልኢታት ጥራሕ ክጸንሑ እንከለዉ፡ ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሱማትራ - 2004 ዝኣመሰሉ ካብ ማእከላይ ክሳብ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንሓደ ክልተ ደቓይቕ ክጸንሑ ይኽእሉ፡" ይብል መርበብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፓሲፊክ ሰሜናዊ ምዕራብ።
ዕምቈት
መጠን ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲ ትርጕም ዘለዎ እንኰ ረቛሒ ኣይኰነን፣ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝጅምረሉ መቓምጦ መሬት እውን ኣገዳሲ እዩ።
ንኣብነት፡ ብመስከረም 2025 ኣብ ሞሮኮ ዘጋጠመ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣስታት 18 ኪሎ ሜተር ትሕቲ መሬት እዩ ተበጊሱ።
እዚ ካብ ቍመት እምባ ኤቨረስት ኣስታት ዕጽፊ'ኳ እንተዀነ፡ ብስነ-ምድራዊ መዐቀኒታት ግን ከም ዓሚቝ ኣይቍጸርን እዩ።
ብኣንጻሩ፡ ብ11 መስከረም ማሉኩ ኣብ ዝተባህለለ ርሑቕ ግዝኣት ሰሜን ኢንዶነዥያ ዘጋጠመ 6.2 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 168 ኪ.ሜ ዕምቆት ነይርዎ። ዝሞተ ሰብ ግን ኣይነበረን።
ዘጋጥመሉ ሰዓት
ብ2023፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታ ዓለም፡ መጠኑ ዝፈላለ ሓያለ ክስተታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተራእዩ ነይሩ።
ዝኸበደ ዕንወት ዘኸተለ፡ እቲ ኣብ ለካቲት ዘጋጠመ 7.8 ደረጃ ሬክተር ዝዓቐኑ ምስ ሶርያ ኣብ ዘዳወብ ከባቢ ደቡብ ምብራቕ ቱርኪ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ልዕሊ 50,000 ሰባት ቀቲሉ፣ ብውሑዱ ልዕሊ 160,000 ኣባይቲ ኣዕንዩ።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም እዚ ዓመት፡ ኣብ ማእከላይ ሞሮኮ ዘጋጠመ 6.8 ዝዓቐኑ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ጠንቂ ሞት ልዕሊ 2,000 ሰባት ኰይኑ እዩ።
እዚ ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ እዩ ኣጋጢሙ፤ እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ቀታሊ ምንባሩ ዓብዪ ጽልዋ ክህልዎ ዝገበረ ረቛሒ እዩ።
ሰባት ደቂሶም ከለዉ ብዙሓት ህንጻታት ዓንዮም'ዮም።
ብዙሓት ካብቶም ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ሰባት ብዝፈርሱ ህንጻታት እዮም ዝቕተሉ።
ብርግጽ ክኢላታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓደ ልሙድ ኣበሃህላ ኣለዎም - "ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብቐጥታ ንሰባት ኣይቐትልን ህንጻታት እዮም ዝቐትሉ፡" ይብሉ።
ስለዚ ውሑዳት ሰባት ኣብ ውሽጢ ህንጻታት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ቀትሪ ዘጋጥም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብተዛማዲ ዘስዕቦ ቍጽሪ ሞት ትሑት እዩ።
ኣገባብ ህንጸት
ብዘይካ እቲ ኣዝዩ ዝኸበደ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንኻልእ ዝጻወር ኣባይቲ ምህናጽ ይከኣል እዩ።
ነዚ ንምግባር ህንጻታት ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ጸዓት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክመጽዩ ኣለዎም።
ብመሰረት ጂኦሎጂያዊ ዳህሳስ ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም እታ ዝያዳ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተቓልዐት ሃገር ጃፓን፡ ኣብ ምህናጽ ተጻዋርነት ዘለዎም ህንጻታት ፈላሚ ስራሕ ሰሪሓ እያ።
እዚ ብቐንዱ ኣብ 'ስይስሚክ ኣይሶሌሽን' ኣብ ዝበሃል መስርሕ እዩ ዝፍጸም።
እቶም ህንጻታት ወይ መዋቕራት ኣብ ሓደ ዓይነት መምጠጢ ጸዓት ምንቅጥቃጥ ወይ 'ሾክ ኦብዞርበር' እንተተቐሚጦም ምንቅስቓስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጻወሩ ይኽእሉ እዮም።
እቲ መምጠጢ ጸዓት ምንቅጥቃጥ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ካብ 30-50 ሴንቲሜተር ርጉድ ዝበለ ድርብራብ ጎማ ክኸውን ይኽእል።
ከምዚ ዓይነት መሰረት ህንጻ ግን ኣመና ክቡር እዩ፤ ባጀት ህንጻ ከምኡ'ውን ንዋት ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብዓቢኡ ይፈላለ እዩ።
ኣብቲ ዕንወት ዘጋጠመሉ ርሑቕ ክፋል ሞሮኮ፡ ብዙሓት ህንጻታት ብሕጡብ ጭቃ ወይ ዘይተጠብሰ ሕጡብ ተሰርሑ ስለዝዀኑ ንኸቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጻወሩ ኣይሕሰብን።
ብዙሓት ነበርቲ ዘለዉዎም ነዋሕቲ ህንጻታት ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተፈሪሶም ዕንወትን ገዚፍ ሞት ከስዕቡን ይኽእሉ።
ብዙሓት ቱርካውያን፡ ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሓት ህንጻታት ድሕሪ ምፍራሶም፡ ነቲ ድኹም ደረጃ ህንጻታት ነቒፎም ነይሮም።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓያል'ኳ እንተነበረ፡ ብግቡእ ዝተሃንጹ ህንጻታት ከይፈረሱ ክጸንሑ ክኽእሉ ነይርዎም ይብሉ ክኢላታት።
ጻዕቂ ህዝቢ
ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ጥቓ ሓውሲ ደሴት ኣላስካ 8.2 ዝዓቐኑ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ።
ይዅን'ምበር ብዛዕባ'ዚ ዝዝክሩ ሰባት ዘይክህልዉ ይኽእሉ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ መበል ሻብዓይ ዝዓበየ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምዃኑ ይግመት። እንተዀነ ግን ዝዀነ ዝሞተ ወይ ዝተጐድአ ሰብ ኣይነበረን።
እቲ ምኽንያት፡ ካብ ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረሎም ከባቢታት ኣዝዩ ርሒቑ ዘጋጠመ ብተዛማዲ ዓሚቝ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለዝነበረ እዩ።
ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣብ ጥሪ 2010 ኣብ ሃይቲ ዘጋጠመ 7.0 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሰፊሕ ሞትን ዕንወትን ኣስዒቡ'ዩ።
ልዕሊ 250,00 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ኣስታት 300,000 ከም ዝቘሰሉን ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ድማ ከም ዝተመዛበሉን ይግመት።
ምሉእ ሓይሊ ናይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ'ዩ ነይሩ።
እታ ከተማ ኣዝዩ ልዑል ጻዕቂ ህዝቢ ነይርዋ፡ ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ልዕሊ 27 ሽሕ ሰባት ይነብሩ። እዚ ድማ ብኸፊል ነቲ ዝወረደ ዕንወት ዝጸለወ ረቛሒ'ዩ።
ዓይነት መሬት
ዝረገጽናዮ መሬት ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ምዃኑ፡ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንምድሓን ዘለና ዕድል ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ።
እቲ ሓመድ ብማይ ዝተሸፈነ ድዅዒን ልሕሉሕን እንተዀይኑ፡ እቲ መሬት ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ትሑት ስለ ዝኸውን ስርበት ከስዕብ ይኽእል።
ስርበት ምስ ዝህሉ ድማ ብተለምዶ ደረቕ ዝዀነ ነገር ከም ናይ ፈሳሲ ባህሪ ከርኢ ይጅምር፤ ስለዝዀነ ድማ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዕቦ ዕንወት ኣዝዩ ይውስኽ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ሕምብርቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣስታት 80 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኤርዚን ግን ዳርጋ ዝዀነ ጉድኣት ኣየጋጠማን።
ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ከተማታት ዓንየን። ኣብ ከተማ ኤርዚን ግን ዝሞተ ሰብ የለን፤ ዋላ ሓንቲ ህንጻ እውን ኣይፈረሰን።
ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ፡ ኤርዚን ኣብ መከላኸሊ ቀጸላ ኣኻውሕን ተሪር መሬትን ስለእትርከብ፡ ሓደጋ ከም ዘየጋጠማ ይዛረቡ።
ህጹጽ ግብረመልሲ
ንባህርያዊ ሓደጋ ምድላው፡ ህይወት ሰባት ንምድሓን ቀንዲ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ጃፓን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘድሊ ልምምድ ክገብራ ኣለወን።
ህጻናት እውን ኣብ ገዛ ይዅን ኣብ ደገ ወይ ኣብ መኪና ከመይ ምላሽ ከም ዝህቡ ይምሃሩ እዮም።
ታይዋን ዓቕሚ ናይተን ምላሽ ዝህባ ጕጅለታት ድሕነት ንምፍታን ኣብ መላእ ሃገር ህጹጽ ልምምድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተካይድ።
እዚ ግን ብፍላይ ኣብተን ሳሕቲ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ዘጋጥመን ሃገራት ኣይፍጸምን።
ፍጥነትን ዓቐንን ናይቲ ህጹጽ ምላሽ እውን ወሳኒ እዩ፤ ዝተጐድኡን ዝተደበዩን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይረኺቦም ብህይወት ዝጸንሑሉ ግዜ ድሩት እዩ።
ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ እንተተሃስዩ ብቕልጡፍ ናይ ምጽጋን ዓቕሚ፡ ምላሽ ንምሃብ ወሳኒ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስየ ርሑቕ ክፋል ሞሮኮ፡ ካብቶም ዝነበሩ ውሑዳት ጽርግያታት መብዛሕትኦም ብመደራጋሕን ፍርስራስን ተዓጽዮም ነይሮም።
ስለዝዀነ ዝተፈላለያ ቁሸታት ውሑድ ህጹጽ ምላሽ ከም ዝረኸባ ወይ ፈጺሙ ከም ዘይተዋህበ ጥርዓን ኣቕሪበን እየን።
ከም ሳዕቤን ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ጠንቂ ሞት ዝዀኑ ዝፈረሱ ህንጻታት ጥራይ ኣይኰኑን።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ንዝፍጠር ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተቓላዕቲ እዮም፤ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ምንቅጥቃጥ ቀታሊ ሱናሚ ከበግስ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ 2004 ኣብ ኤስያ ዘጋጠመ ሱናሚ፡ ኣብ ውሽጢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘጋጠመ 9.1 ዝዓቐኑ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዓቦ እዩ ነይሩ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪን ድሕሪኡ ዝመጸ ሰፊሕ ማዕበልን ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣስታት 230 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ'ዩ።
እቲ ማዕበል ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ስግር ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ርሑቕ ኣፍሪቃ እውን ህይወት ሰባት ከም ዘጥፍአ ይዝከር።
ኣብ ጐቦታት ዝበዝሖ መሬት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ መደራጋሓት የስዕብ፤ እዚ ድማ ኣባይቲ የዕኑን ንጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ይዕንቅፍን እዩ።
ኣብ 2015 ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዳርጋ 9 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ነይሩ።
እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 3 ሽሕ መደራጋሓት ከም ዘስዓበ ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ ይገልጹ።
እቲ ብ1906 ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንኣስታት 20 - 25 ካልኢት ጥራይ ዝጸንሐ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ማዕበል ግን ንመስመራት ጋዝን ማይን እታ ከተማ ንምብታኽ እኹል እዩ ነይሩ።
እቲ ዝፈሰሰ ጋዝ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ባርዕ ሓዊ ኣበጊሱ። ሕጽረት ማይ ድማ ነቲ ባርዕ ንምምካት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለዝገበሮ ብድምር ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ሞይቶም እዮም።