ማክሮንን በዓልቲ ቤቱን፡ ስለምንታይ ጓለንስተይቲ ምዃና መረጋገጺ ናብ ቤት ፍርዲ የቕርቡ'ለው?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን በዓልቲ ቤቱ ቀዳማዊት እመቤት ብሪጂት ማክሮንን፡ ንሳ ጾታኣ ጓለንስተይቲ ምዃኑ ዘረጋግጽ ስእልን ሳይንሳዊ መረዳእታን ናብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ከቕርቡ'ዮም።
እቶም መጻምዲ፡ ጸላዊት የማናዊት ካንደስ ኦወንስ፡ ብሪጂት ማክሮን ክትውለድ እንከላ ወዲ ተባዕታይ'ያ ነይራ ብዝብል ዝዘርግሓቶ ዘረባ፡ ምጽላም ሽም'ዩ ብዝብል ንዝኸፈቱዎ ክሲ መረዳእታ ምዃኑ ጠበቓኦም ተዛሪቡ።
ጠበቓ ብሪጂት ቶም ክሌር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝገጠማ ጸለመ "እምብዛ ዘሕርቕ፡" ከም ዝዀነን ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ጽልዋ ከም ዘሕደረን ኣመልኪቱ።
እቲ ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን፡ ነፍሰጾር እንከላን ቈልዑ ከተዕቢ እንከላን ዘርእዩ ኣሳእል ከቕርቡ ድዮም ተባሂሉ ዝተሓተተ ጠበቓ፡ ኵሎም ኣሳእል ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ሓቢሩ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለውዋ ተንታኒት ዓቃባዊ "ደይሊ ዋየር" ዝነበረት ካንዳስ ኦወንስ፡ ብተደጋጋሚ ብሪጂት ማክሮን ወዲ እያ ክትብል ጸኒሓ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ጾታ በዓልቲ ቤት እቲ ፕረዚደንት ኣዘራራቢ ክኸውን ጀሚሩ። ብፍላይ ኣብ 2021፡ ዩትዩበራት ፈረንሳ ኣማንዲን ሮይን ናታሻ ረይን ነዚ ጕዳይ ኣልዒሎምዎ ነይሮም።
እቲ ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን፡ ንኽልቲኦም ዩትዩበራት ብሽም ምጽላም ብምኽሳስ ብ2024 ብቤት ፍርዲ ከም ዝረትዑዎም ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ እዚ ውሳነ፡ መረዳእታ መሰረት ብዝገበረ ኵነታት ዘይኰነ ምስ መሰል ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ብዝተሓሓዝ ውሳነ እኳ እንተተቐየረ፡ እቶም መጻምዲ ይግባይ ሓቲቶም'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ፡ እቶም መጻምዲ "እቲ ዘቕረበቶ ሓሳብ ውዱቕ ዝገብሩ እሙናት መረዳእታታት ንጐኒ ብምግዳፍ፡ ሓሳብ ፍሉጣት ሽም ሰባት ዘጸልሙን ተንተንቲ ውዲትን ኣሰጒማ'ያ፡" ብምባል ኣብ ልዕሊ ካንዳስ ኦወንስ ተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ኣመሪካ ከፊቶም ኣለው።
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ፍሉጣት ሰባት ሽም ምጽላም ተፈጺሙ'ዩ ዝብል ክሲ እንተቐሪቡ፡ ከሳሲ፡ ተኸሳሲ/ት 'ኰነ ኢላ/ሉ ብኽፍኣት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ዘርግሐ ወይ'ውን እቲ ኵነታት ንሓቂ ዕሽሽ ብምባል ዝተፈጸመ ምዃኑ' ከረጋግጽ ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ኢማኑኤል ማክሮን 'ፓሪስ ማች' ንዝተባህለት መጽሔት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ ካንደስ ሕጋዊ መገዲ ክኽተሉ ከም ዝመረጹ ኣረዲኡ።
"እዚ ጕዳይ ንኽብረይ ምክልኻል ኣይኰነን! ምኽንያቱ እቲ ዝቐረበ ነገር ዝረብሕ ኣይኰነን። እዚ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ ስኑዕ ምዃኑ እናፈለጠት ንፖለቲካዊ ዕላማ ጕድኣት ንምውራድ ዝተፈጸመ ተግባር እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ጠበቓታት ካንደስ ኦወንስ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ ኣብ ግዝኣት ደላወት ክሲ ዝተመስረተሉ መገዲ፡ ርእሳ ንምክልኻል ኣጸጋሚ ኵነታት ንምፍጣር ዓሊሙ ዝተገብረ እዩ ኢሎም።
ቢቢሲ፡ ካብ ጠበቓታታት መልሲ ንምርካብ ሕቶ ሓቲቱ'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ እታ ተኸሳሲት ብዛዕባ በዓልቲ ቤት ማክሮን ዝተዛረበቶ ነገር ሓቂ'ዩ ብምባል መርገጺኣ ከም ዘይትቕይር ተዛሪባ ነይራ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







