ሞሮኮ ሰለምንታይ'ያ ኣሽሓት ኣኽላባት ትቐትል ዘላ?

ሳፍሮን ዲክሰን ኣብ 2023 ናብ ሞሮኮ ክትበጽሕ ከላ ዕላማኣ ከተዕርፍን ክትዛነይን እዩ ነይሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ዕላምኣ ኣኽላባት ሞሮኮ ናብ ምድሓን ተቐይሩ።

ኣብ ሕዳር 2023 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ከተማ ታጋዞውት ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ ናብቲ ዝዓረፈትሉ ሆቴል ዝመጽኡ ዝነበሩ ግዳም ሓደር ኣኽላባት መግቢ ትህቦም ከም ዝነበረት ትዛረብ ።

ብድሕሪ ዝሰምዓቶ ሓበሬታ ግን ምስቶም ኣኽላባት ዝነበራ ቅርበት ዝቐየረ ነይሩ።

ሓባራዊት ኣአንጋዲት ዋንጫ ዓለም 2030 ዝዀነት ሞሮኮ፡ ንምድላው ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣኽላባት ብምቕታል ጐደናታት ተጽርይ ከም ዘላ እያ ሰሚዓ።

ብዛዕባ እዚ ንደቂ ዓዲ ሓቲታ።

"ሞሮኮ ዋንጫ ዓለም 2030 ስለ እተካይድ፡ ሕማማት ንምውጋድ ጐደናታት ካብ ዘይተሰልቡ ኣኽላባት ንምጽራይ ሰፊሕ ቅትለት ትፍጽም፡" ከም ዘላ ድማ ተሓቢራ።

ብድሕሪ'ዚ እያ ነቶም ኣኽላባት ኣብ ምሕጋዝ ክትነጥፍ ዝጀመረት።

ሕጂ ነቶም ኣኽላባት ብምኽታብ ምስ ዝሕግዝ ኣል-ኑር ኣኒማል ሄልፕ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ትሰርሕ ኣላ።

ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሞሮኮ፡ ዝተሰልቡን ዝተኸተቡን ኣኽላባት ክሕለዉን ግዳም ሓደር እንስሳታት ንምቍጽጻር ብዝብል ዝፍጸሙ ጐዳእቲ ተግባራት ክኽልከሉን ከም ዘለዎም ይገልጽ።

ወሃቢ-ቓል እቲ ኤምባሲ፡ ሞሮኮ "ንህዝባዊ ጥዕናን ድሕነት እንስሳታትን ቀዳምነት እናሃበት፡ ንብዝሒ ግዳም ሓደር ኣኽላባት ንምምሕዳር ሰብኣውን ዘላቕን ፍታሕ ንምሃብ ዘይንቕነቕ ተወፋይነት፡" ከም ዘለዋ ገሊጹ።

"ኵለመዳያዊ ስጕምትታት ኣተግቢራ፡" ከም ዘላ ወሲኹ ሓቢሩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ 2019 ክትግበር ዝጀመረ "መጽማድ፡ ምስላብ፡ ሞኽታብን ናጻ ምስዳድን፡" ዝተበሃለ መደብ ዘጠቓልል እዩ።

ብኣጽዋር ወይ ስትሪክኒን ብዝተባህለ መርዚ እንስሳታት ንምቍጽጻር ዝኣመሰሉ ጐዳእቲ ተግባራት ክልኩላት ምዃኖም ንሰብመዚ ከም ዝተሓበሮም እውን እቲ ወሃቢ-ቓል ወሲኹ ሓቢሩ።

ስትሪክኒን ሰባዊ ስቓይ የስዕብ እዩ ብዝብል ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተኣጊዱ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ከተማታት ግን ኣኽላባት ብስትሪክኒንን ካልኦት መርዝታትን ይቕተሉ ኣለዉ።

እዚ ተግባር ድማ ካብ መንጎ ተሓለቕቲ መሰላት እንስሳታት ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብ ለካቲት 2025፡ ጥምረት 10 ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት እንስሳታት፡ ፊፋ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ስጕምቲ ክወስድ ኣተሓሳሲቦም ነይሮም።

ፊፋ ብዛዕባ እዚ ቅትለት ኣኽላባት ኣፍልጦ ኣለዎ።

ኣብቲ መጋቢት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል ምትእስሳር ኣኽላባት፡ ቅትለት ኣኽላባት ኣብ ሞሮኮ ከም ዝወሰኸ ናብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፊፋ መርትዖታት ኣቕሪቡ እዩ።

ኣብ ሚያዝያ 2024፡ ኣማኻሪት ሰብኣዊ መሰላት ፊፋ ማርታ ፒያዛ ንኤልሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ዝቐረበ መርትዖ ትዅረት ከም ዝህቦን ምስ መንግስቲ ሞሮኮ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከም ዘሎን ምግላጻ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ይጠቅስ።