ሞይታ ተባሂላ ንሓመድ-ድበ ዝተዳለወት ሰበይቲ ብህይወት ተረኺባ

ኣብ ኣመሪካ ነብራስካ፡ ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን ከምዝሞተት ዝተገልጸት ሓንቲ ሰበይቲ ንቀብሪ ኣብ እትዳለወሉ እዋን ብህይወት ከምዘላ ሰብመዚ ኣረጋጊጾም።

ሰራሕተኛታት እቲ መንበሪ ኣረጋውያን እታ 74 ዓመት ዝዕድሚኣ ህይወታ ከምዝሓለፈ ገሊጾም ነይሮም።

ትማሊ ሰኑይ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ቀብሪ፡ እታ ሰበይቲ ገና ትትንፍስ ከምዘላ ምስ ኣስተብሃሉ ሓገዝ ከምዝገበሩላን ናብ ህጹጽ ረድኤት ከምዝደወሉን’ዩ ተገሊጹ።

ብድሕሪኡ ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታል ተወሲዳ። ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ይምርምሮ እኳ እንተሎ፡ እቲ መንበሪ ኣረጋውያን ግን ገበናዊ ዕላማ ከምዝነበሮ ዘርኢ መርትዖ ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ።

ዋና ምክትል ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ብቀጥታዊ መስመር ኣብ ዝተፈነወ ጋዜጣዊ መግለጺ "እዚ ኣዝዩ ዘይተለምደ ጉዳይ'ዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ እታ ዓባይ ሰበይቲ ኣረጋውያን ክሳዕ ዕለተሞቶም ኣብ ዝዓርፉሉ መንበሪ ትነብር ስለ ዝነበረት፡ ሞይታ ምስ ተበሃለ መርማሪ ሬሳ ናብቲ መንበሪ ኣረጋውያን ከምዘይተላእከን፡ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ሞት እታ ሰበይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከምዝነበረ’ውን ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ "ኣብ ዝሓለፉ 7 መዓልታት ሓደ ሓኪም ርእይዋ ነይሩ፡ እቲ ሓኪም ድማ ምስክር ወረቐት ሞት ክፈርም ፍቓደኛ እዩ ነይሩ፡ ... ኣብ እዋን ሞት ዘጠራጥር ነገር ኣይነበረን" ኢሉ።

ህሉው ኵነታት እታ ዓባይ ሰበይቲ ንጹር ኣይኰነን። ዋና ምክትል ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሃውቺን፡ ስድርኣ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ከምዝተሓበሮም ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኮንስታንስ ግላንትዝ፡ ገና ብህይወት እንከላ ከምዝሞተት ዝተገልጸት እንኮ ሰብ ኣይኰነትን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ኢኳዶር እትነብር 76 ዓመት ዝዕድሚኣ ቤላ ሞንቶያ፡ ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ ሞይታ ተባሂላ፡ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ተገኒዛ ሓመድ ኣዳም ክትለብስ ተዳሊያ። ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓታት ግን ክዳና ክቕይሩ ነቲ ሳንዱቕ ሬሳ ምስ ከፈትዎ ብህይወት ከምዘላ ተረኺባ። ይኹን’ምበር ድሕሪ መዓልታት ህይወታ ከምዝሓለፈ ይዝከር።

ኣብ 2018፡ ኣብ መንገዲ ሓደጋ ዘጋጠማ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ከምዝሞተት ተኣዊጁ፤ እንተዀነ ድሒሩ ኣብ ፍሪጅ ብህይወት ተረኺባ።

ኣብ ቸልምስፎርድ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ኣንግልያ ራስኪን ላዕለዋይ መምህር ሕክምና ዝዀነ ዶክተር ስቲቨን ሂዩዝ፡ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ሳሕቲ ዘጋጥምን "ሞት መስርሕ" ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።

ዶክተር ሂዩዝ ድሕሪ እቲ ኣብ ኢኳዶር ዘጋጠመ ፍጻመ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ዝሞተ ክመስል ይኽእል'ዩ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይሞተን" ብምባል "ብጥንቃቐ ምጽራይ ኣድላዪ" ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

ዶክተር ሂዩዝ ወሲኹ፡ ገለ መድሃኒታት ንመስርሕ ኣካላት ከዝሕሉ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ከም ዝሞተ መሲሉ ክረኣይ ከምዝኽእልን ሓካይም ሓደ ሰብ ምሟቱ ቅድሚ ምእዋጆም እንተወሓደ ንሓደ ደቒቕ ድምጺ ልቢ ወይ ጻዕሪ ምስትንፋስ ክከታተሉ ከምዘድሊ ወሲኹ ሓቢሩ።