ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ዘጋጠመ ግጭት እንታይ ኢሉ?

ዕጡቕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ትማሊ ኣብታ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ከተማ ጎንደር ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ፋኖን ኣብ ዘጋጠመ ግጭት ልዕሊ 50 ዕጡቓት ፋኖ ከም ዝተቐትሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ብስም ፋኖ ዝነግዱ ኣኽረርቲ ሓይልታት" ዝበሎም ዕጡቓት ትማሊ ምሸት ሰዓት 10 ናብ ጎንደር ኣትዮም ሓደ መደበር ፖሊስ ከጥቅዑ ከም ዝፈተኑ ኣፍሊጡ።

እንተዀነ እቲ ፈተነ ከም ዝፈሸለን መራሕቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉን ገሊኦም ድማ ከም ዝቖሰሉን ከም ዝሃደሙን ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ገለ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ተቐቲሎም ዝተባህሉ መራሕቲ ዝጠቐሰ’ኳ እንተዀነ፡ ናይ ኣበይ ከባቢ መራሕቲ ምዃኖምን ካልእ ዝርዝር ሓበሬታን ግን ኣይሃበን።

ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝተኣሳሰሩ ደለይቲ ፍትሕን ማዕከናት ዜናን ግን፡ ዕጡቓት ፋኖ ንገለ ከባቢታት እቲ ክልል ተቖጻጺሮም ብዙሓት ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝማረኹን’ዮም ዝገልጹ።

ቢቢሲ ግን ነዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

'ኮማንድ ፖስት' ከተማ ጎንደር፡ ፋኖ ነታ ከተማ ተቖጻጺሩ ዝተበሃለ "ናይ ሓሶት ወረ" ብምዃኑ፡ "ኣንጻር ጸረ-ሰላም ሓይልታት ስጉምትና ከነሐይል ኢና" ኢሉ።

ጎንደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተነበረ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ ዝተለዓለ ግጭት ከም ዝሃድአ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ድሕሪ ሓድሽ ዓመት እቲ ግጭት ኣብ ገለ ከባቢታት ከም ዝተጋደደ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይቕልቀሉ ኣለዉ።

ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ጎጃም ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢታት ሰሜን ሸዋ ግጭት ከም ዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይሕብሩ። ኣብ ላሊበላ እውን ብከበድቲ ኣጽዋር ዝካየድ ግጭት ከም ዝነበረ ይግለጽ ኣሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰሜኮ) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብዘን ከተማታትን ኣብ ገለ ቁሸታትን ብሰንኪ እቲ ግጭት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ከም ዝቖሰሉን ንብረት’ውን ከም ዝዓነወን ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዙርያ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪቃ ዝዝትይ ኣብ ገማግም ቀላይ ጣና ዝካየድ ዓመታዊ ፎረም ጣና ናብ ሚያዝያ ተናዊሑ ኣሎ።

እዚ ብዙሓት ናይ ቀደምን ህሉዋትን ኣመራርሓን ምሁራትን ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ መበል 11 ፎረም ጣና ካብ 2-4 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ባህርዳር ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ነይሩ።

ኣዳላዊ እቲ ፎረም ዝዀነ መጽናዕቲ ሰላምን ጸጥታን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዋዕላ ብሰንኪ "ዘይተጸበናዮ ኵነታት" ከም ዝተናወሐ ገሊጹ።