ኣንሶላ ተጠቂሙ ካብ ቤትማእሰርቲ ዘምለጠ ኢጣልያዊ ሓላፊ ማፍያ ኣብ ፈረንሳ ተታሒዙ

ኣንሶላ ተጠቂሙ ካብ ቤትማእሰርቲ ሳርዲንያ ዘምለጠ ፍሉጥ ኢጣልያዊ ሓላፊ ማፍያ ዳግማይ ኣብ ፈረንሳ ተታሒዙ።

ብፖሊስ ኣውሮጳ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ዝድለዩ ገበነኛታት ዝነበረ ማርኮ ራድዋኖ ኣብ ኮርሲካ ከምዝተትሓዘ ሰብ መዚ ፈረንሳን ኢጣልያን ኣረጋጊጾም።

ንሱ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ካልእ ገበናትን እዩ ን24 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ኣብ ቀይዲ ጸኒሑ።

ማርኮ ካብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤትማእሰርቲ ኣንሶላታት ቋጺሩ ነቲ መንደቕ ብምዝላል ኣብ ለካቲት ዝሓለፈ ዓመት ከምዘምለጠ ተገሊጹ ኔሩ።

ኣብቲ እዋን ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ማርኮ ብኣጭርቕቲ ተንጠልጢሉ ናብ ባይታ ክወርድን ክሃድምን ኣርእዩ።

ቀንዲ መተሓባብርቱ ዝነበረ፡ ጅያንሉጂ ትሮያኖ እውን ኣብ ከባቢ ግራናዳ ደቡባዊ ስጳኛ ከምዝተትሓዘ ሰብመዚ ኢጣልያ ኣፍሊጦም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማቴዮ ፕያንተዶሶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ፖሊስ ነቶም ክህደኑ ዝጸንሑ ሓደገኛ ሰባት፡ ማርኮ ራዱዋኖን የማናይ ኢዱ ዝኾነ ጅያንሉጂ ትሮያኖን ምሓዙ፡ ንውዱብ ገበን ካልእ ጽፍዒት እዩ፡” ኢሉ።

ወዲ 40 ዓመት ራዱዋኖ፡ ሓለቓ ናይቲ ራብዓይ ማፍያ ኢጣልያ ተባሂሉ ዝግለጽ ጉጅለ ገበነኛታት ፎግያ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ኢጣልያ እቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ጉጅለታት ገበን ኣብ ሲሲሊ፡ ካላብርያን ናፕልስ ዝርከቡ እዮም።

ራዱዋኖ ብሓሙስ ኣብ ኣለርያ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ እንከሎ ከም ዝተትሓዘ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።