ስርዓተ ትምህርቲ ብዝሐ ቋንቋታት እንታይ ረብሓ ኣለዎ? 

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ቋንቋ ኦሮምኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክወሃብ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ብተመሳሳሊ፡ ቀዳማይ ቋንቋኦም (ቋንቋ ኣዲኦም) ኦሮምኛ ንዝኾኑ ተመሃሮ እውን ኣምሓርኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክማሃሩ ወሲኑ ኣሎ።

ብዘይካ ቋንቋታት ኢትዮጵያ፡ ፈረንሳን ዓረብን እውን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ክካተት ተወሲኑ ኣሎ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤ ንኣስታት ሓደ ዓመት መጽናዕቲ ከካይድ ከም ዝጸንሐ ይንገር።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣተሓባባሪ ጉጅለ እቲ መጽናዕቲ ዶክተር ዮሴፍ ቤኮ፡ እቲ መጽናዕቲ ብዘይካ ቋንቋታት ውሽጢ ዓዲ ኣድላይነት ቋንቋታት ወጻኢ እውን ከም ዝዳህሰሰ ገሊጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ድሕረ ምረቓን ተመራማሪ ቋንቋታትን ስነ-ጽሑፋትን ኣፍሪቃን ዝኾነ ዶክተር ዮሴፍ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ዓይነት ኣተገባብራ ትምህርቲ ከም ዘሎ ይሕብር።

ንሱ፡ ካብ ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት ጀሚሩ ብቋንቋ ኦሮምኛ ዘምህራ ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።

ኣብታ ብዝሐ ቋንቋታት እትውንን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝህሉ ኣተገባብራ፡ ረብሓታቱን ብድሆታትን ተዳህሲሱ እዩ።

ብዙሕ ቋንቋታት ናይ ምዝራብ ክእለት ብምምዕባልን ባህሊ ሓድሕድካ ብምፍላጥን ኣብ ርእሲ ማሕበራዊ ምትእስሳር ቁጠባዊ ረብሓታት ከምዘለዎ ዶክተር ዮሴፍይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ክንዲ ግርጭት ሰላም፡ ኣብ ክንዲ ምጥርጣር ምትእምማን፡ ኣብ ክንዲ ጓና ምዃን ዝምድና ምፍጣር ከም ዝከኣል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ሓቢሩ።

ዮሴፍ፡ ካብ ቀዳማይ ቋንቋኦም (ቋንቋ ኣዲኦም) ብተወሳኺ ካልእ ቋንቋ ክመሃሩ ከለዉ "ተወሳኺ ዓለም ከም ምፍላጥ" እዩ ይብል።

እቲ ቋንቋ ዘይምፍላጥ ብዙሕ ድሩትነት ከም ዘስዕብ ዝገልጽ ተመራማሪ፡ "ከም ካልእ ዕድል ምርካብ እዩ፡ ምናልባት ካብቲ ድሩት ከባብያውን ስድራ ቤታውን ኩነታት ሓሊፎም ምስ ካልእ ኣድማስ ምልማድ" እዩ ክብል ንተማሃሮ ዝህልዎ ረብሓ የብርህ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ከተማ ብዝሐ ቋንቋታት ክካተት ምግባሩ፡ እቶም ኣምሓርኛ ወይ ኦሮምኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ዝመሃሩ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ "ዝያዳ ዕድላት" ክረኽቡ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

እንተኾነ፡ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝርከቡ ህጻናት ካብ ቋንቋ ኣዲኦም ወጻኢ ካልእ ቋንቋ ክመሃሩ ከም ዘይምከርን እዚ ድማ ኣብቲ መጽናዕቱ ብንጹር ከም ዝተቐመጠን ይዛረብ።

ህጻናት ካልኣይ ቋንቋ ክማሃሩ ዘለዎም ናብ ቀዳማይ ክፍሊ ምስ ተሰጋገሩ (ካብ 7ይ ዓመቶም ጀሚሮም) ክኸውን ከም ዝግባእ ኣስሚሩ።

ንኻልኦት ማሕበረሰባት ጓና ዝኾነ ወለዶ ንኸይፍጠር

ብደረጃ ዓለም ሓደ ሰብ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ቋንቋ ዝዛረብ እንተኾይኑ ድርብ-ልሳናዊ ወይ ብዝሐ-ልሳናዊ ይበሃል።

ሓደ ተማሃራይ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ቋንቋታት ክዛረብ ምስ ዝኽእል ምስ ስነ-ልቦናኡ፡ ምዕባለኡን ኣቀባብላ ትምህርቱን ዝተኣሳሰሩ ጸጋታት ከም ዝህልዎ ዶክተር ዮሴፍ ይገልጽ።

እዚ ድማ "ማሕበራዊ ርክቦም ከመሓይሹ፡ ሃገራዊ መንነቶም ከማዕብሉ" የኽእሎም።

ብተወሳኺ፡ "ካብ ግጭት ነጻ ክኾኑ፡ ኣብ ክንዲ ንኻልእ ሕብረተሰብ ጓና ምዃን ዝምድና ክለማመዱን፡ ከምኡ'ውን ብመዳይ ስነ-ኣእምሮን ትምህርታዊ ውጽኢትን ዝሓሹ ከም ዝኾኑ" መጽናዕትታት የመልክቱ ይብል።

"ኪኖ ስምዒታዊስነ-ልቦና፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ረብሓታት'ውን ክውን ይገብር" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ተወሳኺ ቋንቋ ዝመሃሩ ተማሃሮ "እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዝጠራጠረሉ፡ ጓና ዝኾነሉ ዘይኮነስ፡ ስድራቤት ዝኾነሉ እዩ።"

ካቢነ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ፈረንሳን ዓረብን ንተመሃሮ ታሽዓይን ዓስራይን ክፍሊ ከም ኣማራጺ ቋንቋታት ኮይኖም ክቕጽሉ ከም ዝወሰነ ኣመልኪቱ።

ዶክተር ዮሴፍ ብወገኑ፡ ኣብ መጽናዕቶም ሓያሎ ቋንቋታት ከም ዝዳህሰሱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ካቢነ እውን በዚ ውሳነ ጥራይ ደው ከም ዘይብል ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብ መጽናዕቶም፡ ካብ እንግሊዝኛ ብተወሳኺ ቋንቋ ዓረብ ዝተመረጸሉ ምኽንያት፡ ቅርበት፡ ተበጻሕነት፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ እቲ ክኢላ ኣመልኪቱ።

ንሱ፡ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ዓረብ ታሪኻውን ባህላውን ዝምድና ስለ ዘለዋ፡ ብመንጽር እምነትን ቅርበትን ቋንቋ ዓረብ ተመራጺ'ዩ ይብል።

ድሕሪ ዓረብኛ፡ ንቻይንኛን ፈረንሳን ኣብ መጽናዕቶም ከም ዝዳህሰሱ'ውን ይዛረብ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ስዒቡ ትግርኛ በቲ ሕብረተሰብ ዝምረጽ ቋንቋ ምዃኑ ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ'ዩ።

ተመኩሮ ካልኦት ሃገራት እንታይ የርኢ?

ኣፍሪቃ ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት ዝርከቡላ ኣህጉር እያ።

ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 500 ቋንቋታት ይዝረቡ። ደቡብ ኣፍሪቃ 11 ናይ ስራሕ ቋንቋታት ኣለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ ልዕሊ 80 ቋንቋታት ይዝረቡ።

ሃገራት ኣውሮጳ ግን እዚ በረኸት እዚ የብለንን። ይኹን እምበር፡ ተመራማሪ የሴፍ ቤኮ ከም ዝብሎ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ብዝሐ ቋንቋታት ግን ኣብ ስርዓተ ትምህርተን ኣተኣታትየን እየን።

እዚ ብምግባሮም፡ ቅድሚ ሓደ ቁጠባዊ ሕብረተሰብ ምፍጣረን፡ ሓደ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሕብረተሰብ ክምስርታ ክኢለን’የን።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ክልተ ተወሳኺ ቋንቋታት ምምሃር ግዴታ ምዃኑ ኣብ እዋን መጽናዕቶም ከም ዝተዓዘቡ ይጠቅስ።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርተን ሰለስተ ቋንቋታት ምምሃር ከም ዝተሓተ ረቛሒ ከም ዝርአ ይጠቅስ።

“ሓቛፊ ሕብረተሰብ ብቋንቋ እዩ ዝፍጠር፤ እዚ ሕብረተሰብ ድማ መብዛሕትኡ ቁጠባዊ እዩ" ይብል እቲ ምሁር።

ብዝሐ ቋንቋታት፡ ሕብረተሰብ ዘቀራረብ፡ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ዝፈጥርን ሓደ ቋንቋ ዝዛረቡ ማሕበረሰባት ብሓደ ዘተኣኻኽብን ባህሪ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነዚ ብዝሐ ቋንቋታት ብምጥቃም፡ ኣውሮጳዊ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ክፈጥራ ከም ዝኸኣላ ኣብ መጽናቶም ዝተመልከትዎ ምዃኑ’ውን ይሕብር።

እዘን ሃገራት፡ ኣተገባብራ ትምህርቲ ክውን ንምግባር ዘኽእሉ ኢለን ካብ ዘቐመጥኦም ሸሞንተ ኣዕኑድ፡ ስርዓተ ብዝሐ ቋንቋታት ሓደ ረቛሒ እዩ ይብል።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዘይ ዶብ ዝነብሩን ዝነግዱን ዝተሓባበሩን ህዝቢታት ክፈጥራ ክኢለን ኣለዋ።

ዮሴፍ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ተራእዩ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምስ ሶማል፡ ቤንሻንጉል፡ ሲዳማን ጋምቤላን ዝዳወበሉ ከባቢታት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኣርጎባን ኦሮሞን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ክልል ደቡብ ልዕሊ ሓደ ቋንቋ ኣብ ምምሃር ፅቡቕ ተመኩሮ ከም ዘሎ እቲ ክኢላ ይጠቅስ።

ንሱ፡ ዓዲ ብዙሓት ባህልታትን ብሄራትን ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ብሓደ ቋንቋ እንተተገዲባ፡ ንዝመጽኡ ዘለዉ ጸቕጥታት ብኸመይ ትጻወሮም ክብል ሕቶ የልዕል።

ነዚ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸቕጥታት ንምምካት ዝያዳ ቋንቋታት ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ምትእትታው ከም ዘድሊ ኣብቲ መጽናዕቲ ከም ዝተረኣየ ዶክተር ዮሴፍ ይሕብር።

ካብ ተመኩሮ ካልኦት ሃገራት ብምብጋስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓብዩ ተምሃሮ ልዕሊ ክልተ ቋንቋ ዝዛረቡ፡ ነቲ ዝነብሩሉ ዓለም ጓኖት ከይኮኑ ክዓብዩ ኣለዎም ክብል ይውስኽ።

እንተኾነ፡ ውሳነ ካቢነ ምምሕዳር እታ ከተማ ስዒቡ፡ ኣብ ኣፈፃፅማ ጥንቃቐ ከም ዘድሊን እቲ ዶክተር ይመክር። ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ምምሕዳር፡ ንመምህራንን መምሃሪ መጻሕፍትን ዝምጥን ስልጠና ከዳልው ይግባእ።

ወሲኹ’ውን፡ እቲ ኣተገባብራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ነበርቲ ዘማእኸለ፡ ተረባሕቲ ዝገብርን ነጻነት ዝተመልአን እንተኾይኑ ዕዉት ክኸውን ከም ዝኽእል የረድእ።