ናይጀርያ ናብ ብሪጣንያ ዝተሓስበ 1.2 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናርኮቲክ ሒዛ

ቀንዲ ጥርጡር ቻርለስ ቺነዱ ኢዘን ካልኦት ክልተ ሰባትን ኣብ ትህቲ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, NDLEA/TWITTER

ትካል ጸረ ዕጸፋርስ ናይጀርያ፡ ብቐንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሌጎስ ኣቢሉ ናብ ብሪጣንያ ክለኣኽ ዝተሓስበ 1.2 ሚልዮን ዶላር (960 ሽሕ ፓውንድ) ዝግመት 30 ኪሎ ዝምዘን ሜታምፌታሚን ዝተባህለ ዓይነት ዕጸፋርስ ሒዙ።

ሃገራዊ ኣኽባር ሕጊ ዕጸፋርስ (NDLEA) ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጽዕነት ሜታምፌታሚን (ዘደቅስ ወይ ሃለዋት ዘጥፈእ ሳብስታስ) ከም ኣካል ናይቲ ናብ ለንደን ዝኸይድ ዝተዋደደ ጽዕነት ኣብ ሕሩጭ ካስታርድ ዝተሓብአ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ብምስግጋር ዕጸፋርስ ዝተጠርጠረ ቻርለስ ቺነዱ ኢዘን ካልኦት ክልተ ሰባትን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሙርታላ መሓመድ እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ብተወሳኺ መርመርቲ ኣብ መስርሕ ፍተሻ ውልቃዊ መለለዪ ሰነዳቱ ድሕሪ ምርካቦም፡ ኣብ ላዕለዋይ ዕዳጋ ከባቢ ለኪ ዝርከብ ንብረት ናይ ኢዘንውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እቲ ቀንዲ ጥርጡር ኣብ ታሕሳስ 2022 ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበን ተሳቲፉ ተባሂሉ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝሃደመኳ እንተተገልጸ ዛጊት ነዚ ክስታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝዀነ ይዅን ርእይቶ የልቦን።