እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢጣልያ ንዋሕዚ ጀላቡ ስደተኛታት ንምዕጋት ህጹጽ እዋን ኣዊጃ
ቁጽሪ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምውሳኹ ስዒቡ፡ ሚኒስተራት ኢጣልያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ኣለዉ።
እቲ 5 ሚልዮን ዩሮ ተሰሊዕሉ ዘሎ ስጉምቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት 3000 ስደተኛታት ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ብርክት ዝበላ ጀላቡ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ጣልያን ከምዝኣተዋን፡ ሓለዋ ባሕሪ እቲ ከባቢ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣስታት 2 ሽሕ ሰባት ከም ዘድሓነን ተገሊጹ።
ንሓንቲ ካብተን 400 ስደተኛታት ዝሓዛ ካብ ሊብያዊት ወደብ ቶብሩክ ዝተበገሳ ጃላቡ ንምድሓን ዝግበር ጻዕርታት ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ተደናጉዩ ከምዘሎ ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ሓቢሩ።
ካብ 2017 ንድሓር ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ከምዝተመዝገበ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።
ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ 2023 ጥራይ፡ 441 ሰባት ከምዝሞቱ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ምድንጓይ ህጹጽ ግብረመልሲ መንግስታት ሞት 127 ሰባት ከምዝኸተለ ዝገለጽ እቲ ውድበ፡ ብፍላይ ኣብ ሓደ ፍጻሚ ብዘይ ዝኾነ ናይ ምድሓን ፈተነ ከቢድ ሞት ከምዘጋጠመ ኣጠንቂቑ።
ዋላ’ኳ የማናዊ ጥምረት መንግስቲ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ዘይስሩዕ ስደት ስጉምቲ ክወስድ ይጽዕር እንተሃለወ፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ቁጽሪ ናብ ጣልያን ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣዝዩ ወሲኹ’ዩ።
ብቀዳም ክልተ ጀላቡ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ኣብ ዝጠሓላሉ እዋን ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 20 ሰባት ድማ ደሃዮም ጠፊኡ’ዩ። 'ረስኲሺፕ' ዝተበሃለ ጀርመናዊ ማሕበር ግብረሰናይ፡ 22 ሰባት ከም ዘድሓነን ናብ ላምፔዱሳ ከም ዝወሰዶምን ገሊጹ'ሎ።
ቱኒዝያ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝዓበየት መበገሲት ጀላቡ ስደተኛታት ኰይና ትርከብ። እዚ ብቀዳም ዘጋጠመ ሓደጋ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘጋጠሙ ተኸታታሊ ፍጻመታት ጥራይ እዩ።
ላምፔዱሳ ካብ ወደብ ስፋክስ ቱኒዝያ 185 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
ሚኒስተር ባሕርን ሲቪላዊ ሓለዋን ኔሎ ሙሱመቺ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ብ300 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ብምግላጽ፡ ንመሰረተ ልምዓት ኢጣልያ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ "ፍጹም ህጹጽ ኩነታት" እዩ ኢሉ።
"ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተርእዮ ኢና ንዛረብ ዘለና። እተን ደሴታት በይነን ነዚ ነዚ ህጹጽ ኣዋጅ ክምክታ ኣይክእላን እየን።"
እቲ ኣዋጅ፡ ነቲ ጸገም ዝፈትሕ ከም ዘይኰነ እቲ ሚኒስተር ኣስሚሩሉ። ሓላፍነታዊ ምትእትታው ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓትት እዩ ድማ ኢሉ።
ብዘይካ ተወሳኺ ምወላ ምግባር፡ እዚ ስጉምቲ ኢጣልያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝውስኽ ቁጽሪ ብኸመይ ከም ትምክቶ ንጹር ኣይኰነን። ሰበስልጣን ግን ኣገባብ ኣቀባብላን ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ኢጣልያ ክጸንሑ ዘይፍቀደሎም ናብ ሃገሮም ምምላስን ከቀላጥፉ ከም ዝኽእሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብቲ ኣብ ከባቢ ሲሲሊ ዝርከብ ባሕሪ ኢዮኒያን ኽልተ ጀላቡ ከሰንየን ከምዝጸንሐ ተፈሊጡ።
እታ ካብ ቶብሩክ ዝተበገሰት ኩነታታ ብንጹር ዘይተፈለጠ ጃላቡ፡ ንመወዳእታ ግዜ ብሰሉስ ኣብ ምብራቕ ሲሲሊ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ኢዮንያን ከም ዘላ፡ ብኣላርም ፎን ዝተባህለ ዘይወግዓዊ መስመር ቴሌፎን ስደተኛታት እዩ ተፈሊጡ።
"[ኣብታ መርከብ ዘለዉ ሰባት] ሓያሎ ህጹጽ ሕክምናዊ ኵነታት ከም ዘጋጠመ፡ ማይ ነታ መርከብ ከም ዝመልኣን ዝተረፈ ነዳዲ ከም ዘየለን ይሕብሩ" ክብል እቲ ትካል ነቲ ዘሎ ኵነታት ገሊጹ ነይሩ።
ካልኣይቲ ጃልባ እውን ኣስታት 800 ሰባት ጽዒና ብሓለዋ ባሕሪ ትሕሎ ኣላ። እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቐን ከም ዝጸዓነትን ካበይ ከም ዝተበገሰት ንጹር ከም ዘይኰነን ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ገሊጹ።
እታ ጃልባ ኣብ ማያት ማልታ ደው ኢላ ምስ ተረኽበት ንመጀመርያ ግዜ ምስ ሰበስልጣን ኢጠልያ፡ ግሪኽን ማልታን ህጹጽ ርክብ ከም ዝተገበረ ኣላርም ፎን ሓቢሩ።
ጀርመናዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ሲ-ዋች ኢንተርናሽናል፡ እታ ጃልባ ኣብ ማያት ማልታ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ጥቓ እታ ጃልባ ዝርከባ ክልተ ንግዳዊ መራኽብ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ከይገብራ ብሰበስልጣን ማልታ ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦም ገሊጹ። ሓንቲ ኻብተን መራኽብ ግን ነዳድን ማይን ከተቕርብ ተፈቒዱላ ነይሩ።
ዕጡቕ ሓይሊ ማልታ ንዘ ማልታ ኢንዲፐንደንት ዝተባህል ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቶም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ሰባት ዝኾነ ዓይነት ናይ ምድሓን ሕቶ ከም ዘየልዓሉ" ገሊጹ።
ብመሰረት ተቖጻጻሪ ጉጅለ ፕሮጀክት ዝጠፍኡ ስደተኛታት ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ-ኦ-ኤም)፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ 26 ሽሕ ሰባት ኣብ ባሕሪ ሞይቶም ወይ ደሃዮም ጠፊኡ ይርከብ።