ከረን፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዝሳተፉሉ ፍሉይ ንግደት ማርያም ደዓሪት

ዓመታዊ፡ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ዝበዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ከረን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ሕብረተሰባትን ዝሳተፍዎ ፍሉይ ዓመታዊ በዓል እዩ።

ህዝቢ ከረን ይዅን ጐደቦታቱ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ብብዝሒ ዝነግድዎ፣ ብዙሓት ድማ ብተመስጦን ፍሉይ ጦብላሕታን ዝዝክርዎ ሃይማኖታውን ማሕበራውን በዓል እዩ።

ህዝቢ ከረንን ከባቢኡን ኣስላማይን ክስታናይ ብሓባር ኣብቲ ንግደት ንኽሳተፍን፡ ብኽብ ዝበለ ግርማን ማዕርግን ክጽንብልዎ ናይ ኣዋርሕ ምድልዋት እዮም ዝገብሩ።

እቶም ካብ ኮልኦት ከባቢታት ኤርትራን ከምኡ’ውን በጻሕቲ ዓዲ’ውን ብንግደት ማርያም ደዓሪትን ብማሕበራዊ ህይወት፡ ብባህሊ ሓድነትን ፍቕርን ከረንን ከባቢኡን ከይተገረሙ ኣይምለሱን።

ዝያዳ ዝምስጦምን ዘገረሞምን ከኣ እታ ማርያም ደዓሪት እትርከቦ ቦታ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ዓቢይ ህንጻ ዝሰፈረት ዘይኮነትስ ኣብ ውሽጢ ጓንጓ (ባምባ) ገረብ ዝሰፈረት ብምዃና እዩ፤ በዚ ድማ ብዙሓት በጻሕቲ ብተመስጦ ተዛሪቦምን ጽሒፎምን እዮም።

እቲ ግርማዊ ኦም ባምባ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ‘ገረብ ህወይት’ ኢሎም ይጽውዕዎ። ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ድማ ከም ባህላዊ መድሃኒት ይጠቅም። እቲ ገረብ ክሳብ 5000 ዓመት ክነብር ከምዝኽልን ኣግራብ ባምባ ንእንስሳታትን ደቂ ሰባትን መጽለሊ፡ መግቢን ማይን ክህቡ ይኽእሉ እዮም።

እታ ነበርታ ከረን ጻዕዳ ኢሎም ዝጽውዕዋ ከተማ ከረን’ውን ቅርጸ-መሬታ ብጎቦታት ዝተኸበት ብምዃኑ ከምኡ’ውን ብኣቀባብላ ናቲ ኣብቲ ዞባ ዝነብር ህዝቢ ብሄረ ብሌን፡ ትግረ ከምኡ’ውን ትግርኛን ካልኦት ማሕበረሰባትን ንነጋድያን ቅሳነትን ፍሰሃን እትፈጥር ከተማ ምዃና ብዙሓት ይዛረቡላ።

ነበርታ ተቐበልቲ ጋሻን ነንሕድሕዶም ዝከባበሩ፡ ዝፋቐሩን ዝተሓጋገዙን ሓባራዊ ህይወት ዝነብሩ ምዃኖም ብዙሓት በጻሕቲ ዝምስክርዎን፣ ጽኑሕ ታሪኽ እቲ ከባቢን እዩ።

መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያንን ማዕረ-ማዕረ ደው ዝብላሉ፡ ሓልዮት ሓድሕድ ብሄራት ዘለዋ፡ ገያሾን ስደተኛታትን ብፍስሃ እተአንግድ፡ ምጭውትን ንዅሉ እተዛንን ከተማ ከረን፡ ኣብ ቅንያት ንግደት ማርያም ደዓሪት ዝያዳ ትደምቕን፡ ክብሪታታ ጐሊሑ ይርአን።

ኣብ ንግደት ደዓሪት፡ ደቂ እቲ ከባቢን በጻሕትን ብጣዕሙ ዝፍለ መንደሪን፡ ኣራንሺ፡ ዘይቱን፡ ለሚን፡ ባናና፡ ማንጉስ ከምኡ’ውን ፓፓዮ ዝኣመሰሉ ፍርያት ጀራዲን እቲ ከባቢ ኣስተማቒሮም ይምለሱ።

ደዓሪት ዝብል ስም ድማ፡ እቲ ከባቢ ብኣእዋምን ፍሩታታት ማንጉስን ዘይቱንን ካብ ዝተኸበ ሩባ ደዓሪት ዝተወስደ ምዃኑ ይንገር።

ታሪኽ ደዓሪት

ማርያም ደዓሪት፡ ኣብ 1869፡ ብኣስራዚ እተሰርሐት ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ምስ ደናግል ደቂ ፍቕሪ ከም ዝመጽአት ዝሕብሩ ኣባ ሃይሉ፡ ንዓመታኡ ኣቡነ ቱቬ፡ ኣብዛ ካብ ከተማ ከረን ንሸነኽ ሰሜን ኣስታት ክልተ ኪሎ-ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ኣብ ጓንጓ ዓባይ ገረብ-ዱማ ባሪኾም ከምዘቐመጡዋ ይንገር።

ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከኣ ፈለማ ጓሶትን ሓረስቶትን እቲ ከባቢ፡ ቀጺሎም ነበርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ተኣምራትን ትንግርትን ማርያም ደዓሪት እናተነግረን እናተወርየን ምስ ከደ ከኣ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ብውዕውዕ ኣገባብ ክትንገድ ጀሚራ።

ኣብዚ ሃይማኖታዊ ጽምብል ኣመንቲ ክርስትና ጥራይ ዘይኮኑ፡ ብፍላይ ነበርቲ እቲ ከባቢ ህዝቢ ብሌንን ትግረን ኣስላሞም ይዅኑ ክርስትያኖም ሓቢሮም ከምዝጽምብሉዋ፡ ካህናትን ምእመናን እቲ ከባቢ ይሕብሩ።

ኣብዚ ዓመታዊ ጽምብል'ዚ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርን ወጻእን ከይተረፈ ዝመጽኡ ነጋድያን ሓቢሮም ይጽልዩን ይላለዩን።

እቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት ምስ ተዛዘመ፡ ህዝቢ ብሌን ብባህላዊ ጓይላን ሳዕስዒትን ነቲ ክነግድ ዝመጽኣ ሰብ

‘ዎ ማርያም ደዓሪ፡ ይⷛ ነገድሮ እንትኻ መሓሪ’ እናበሉ የጻወትዎ።

ቅድሚ ኲናትን ወጥርን ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ኢትዮጵያውያን ናብ ማርያም ደዓሪት ይነግዱ ምንባሮም ሰብ ዝኽሪ ይሕብሩ።

ከተማ ከረን ኣብ ኤርትራ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኮይና፡ ማእከል ንግዲ ኣሕምልትን ጥሪትን ብምዃና ትፍለጥ።

ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝፈርዩ ኣቑሑት ቅድሚ ናብ ኣስመራ ብምጽሖም ብከረን እዮም ዝሓልፉ።

እታ ከተማ 120 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ከምዘለዋን ኣመንቲ ምስልምና፡ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን'ውን ኣለውዋ።

ንግደት ማርያም ደዓሪት፡ ካብ ዘቤታዊ ቱሪዝም ሰጊሩ፡ መስሕብ ዓለማውያን በጻሕቲ ንኽኸውን ምስ ዝስራሓሉ፡ ኣብ ቍጠባ ከተማ ከረንን ኣብ ቍጠባ ኤርትራን ኣወንታዊ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል'ዮም ብዙሓት ዝጠቕሱ።