እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ 'ነዛ ዝዓበኹላ ቤትን ሃገርን ኣዝየ እናፍቐን' ተኽለ መለኪን
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፈይስ ቡክ፡ ኣብ እግሪ ሓደ ሰንሰለት ኮጀጂት ዝተደኮነት ውቅብቲ ቤት፦ "ነዛ ኣብ ከረን እትርከብ ገዛ ስድራ ቤተይን ዝዓበኹላን፤ ድሕሪ ወርሒ ጥሪ 1975 ኣይረኣኹዋን። ንገዛይን፥ ንከረን ጻዕዳን፤ ብዓቢኡ ድማ ንኤርትራን ዘውትር ይዝክረንን ይናፍቐንን" እትብል ናይ ናፍቖት ጽሕፍቲ እያ ነዛ ጽሕፍቲ ኣንቂላቶ።
እቲ ጸሓፋይ ስለምንታይ እዩ ናብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ፡ እሞ ከኣ ኣዝዩ ዝናፍቓ ቤትን ዝተደኮነትሉ ከተማን ሃገርን ኤርትራ ክምለስ ዘይከኣለ?
ንሃገሩ ምምላስ ዝዓንቀጾ ነገር'ከ እንታይ እዩ? ትዝትኡን ናፍቖቱን ማዕረ ክንደይ ዓሚቚ እዩ? ዝብል ሕቶታት ንምምላስ ንጸሓፊ እታ መልእኽቲ ንተኽለ መለኪን ረኺብካ ምዝርራብ ኣገዳሲ ነይሩ።
ብማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምጽሕሓፍ ከኣ ተኽለ ድሕረ ባይትኡን ብዛዕባ እታ ዝዘርግሓ ስእልን መሰነይታኣ ጽሑፍን ዝኽሩ ካካፍል ፈቒዱ ኣሎ'ሞ - ዕላሉ እነሆ።
ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዓሊግድር ካብ ዝነብሩ ደቂ ከረን ስድራ ብ1948 ኣብ ከረን ኣብዛ ሕጂ ብናፍቖት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሓ ዝናፍቓ ቤትን ከተማን ተወሊዱ።
ኣብ ዘበነ ጥልያን ራብዓይ ክፍሊ ዝወድኡ ወላዲኡ ብላታ መለኪን ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ሕርሻ ዓሊግድር ስለዝነበሩ፡ ካብ ከበሳ ኤርትራን ትግራይን በጌምድርን ንስራሕ ዝመጽኡ ኣማኢት ደለይቲ ስራሕ ኣብ ቤቶም ተዓንጊሎም አዕሪፎም ስራሕ ይጅምሩ ከምዝነበሩ የዘንቱ።
ወላዲኡ፡ ኣብቲ ንናጻነት ኤርትራ ዝማጎቱ ኣመንቲ ምስልምና ብብዝሒ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ቆላ ዓሊግድር እናነበሩ፡ ሓደ ካብቶም ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸና በሃላይን ደጋፊ ሕብረትን እዮም ነይሮም።
"ይኹን እምበር" ይብል ተኽለ ነቲ እዋንን ነቶም ሰባትን ክመዝኖም እንከሎ፡ ብፖለቲካዊ መርገጽን ሃይማኖትን ዝፈላለዩ ክነሶም፡ ከም አሕዋት ተኸባቢሮም ዝነብሩን ዝፋቐሩን ምንባሮም ይገርሞን የድንቖምን።
ወላዲኡ፡ ብላታ መለኪን ሕሸል ብዝነበሮም ተፈላጥነትን ማሕበራዊ ክብርን፡ ኣብቲ ብብዝሒ ኣመንቲ ምስልምና ዝነብርሉ ቦታ ምስሌነ ክርስትያን ኮይኖም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ይሽምግሉን ይዓርቁን ምንባሮም ይዝክር።
ወላዲቱ ወይዘሮ ምሕረት ኣድጎይ ቅድሚ ተኽለ ክልተ ቖልዑ ስለዝሞቱወን ነቲ ተኽለ ዝሰመየኦ ውላደን ኣብታ እናተመላለሳ ዘስርሓኣ ግርምቲ ቤት ክወልደኦ ስለዝወሰና፡ ተኽለ ኣብዛ "ገዛና ናፊቐያ" ዝብላ ዘሎ ቤት እዩ ተወሊዱ።
ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮነ እተን ኣብ ዓሊግድር ዝመሃራ ዝነበራ ሰለስተ ምዕባዩ ኣሓቱ፡ እቲ ትምህርቲ ብዓረብ ጥራሕ ብምንባሩ ኢንግሊዝ ንከመሃራ ንከረን ይግዕዛ ስለዝነበራ ተኽለ እውን ምስአን መጺኡ ኣብ ከረን ላዕላይ እንዳ ፓድረ ኣዚሎ ጀመረ። ብድሕሪኡ ኣብ ናይ መንግስቲ ትምህርቲ ካልኣይን ሳልሳይን ተማህረ።
ኣብ መወዳእታ ስሳታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ዝነበረ ኣኮኡ ብፍቓድ ስድራ ንከምህሮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ወሰዶ። ኣብኡ ከኣ ምስ በዓልቲ ሓዳር ዓባይ ሓፍቱ እናነበረ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ መኮነን ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ክሳብ 12 ተማህረ።
ንኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ ቋንቋ ኣምሓርኛ ይኽእል ስለዘይነበረ ሳልሳይ ክፍሊ ኣድጊሞሙዎ። ኣብ ትምህርቲ ንፉዕ ስለዝነበረ ከኣ ካብ ሻብዓይ ናብ ታሽዓይ ክፍሊ ዘሊሉ ነታ ብሰንኪ ቋንቋ ሳልሳይ ክፍሊ ብምድጋም ዘጥፈአ ዓመት ተክኣ።
ኣብ 1971 ከኣ ናብ ዩኒቨርሲቲ ተጸምቢሩ፡ ጂኦግራፊ ከም ሜጀር ኤኮኒሚክስ ከኣ ከም ማይኖር ወሲዱ ትምህርቱ ተኸታተለ። እቲ እዋን ብጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ዝተጸልው ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣንጻር ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣድማን ሰልፍን ዘካይድሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ተኽለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኸይድ ክሳብ ናብ ቃልሲ ክስለፍ ነታ ከተማ ጠቕሊሉ ዝገድፋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ስድራን ቤተሰብን ክበጽሕ ናብ ኤርትራ ይምለስ ነይሩ።
ኣብተን ክልተ ናይ ዕረፍቲ ኣዋርሕ ከኣ፡ ሓንቲ ወርሒ ኣብ ከረን እታ ካልአይቲ ከኣ ኣብ ዓሊግድር ብምሕላፍ ዘዕበዮን ኣፍ ዝኸፈተሉን ቋንቋታት ትግርኛ፡ ትግረን፡ ኣብ ሻርዕ ዘዋህለሎ ቋንቋ ዓረብን ንከይርስዖ ሓጊዙዎ። ሓደ እዋን እውን ምስ ጎበዘ ካብ ወላዲየይ ገንዘብ ክንዲ ዝሓትት ኣብ ሕርሻ ሰሪሐ ነብሰይ ክኽእል ብማለት ኣብተን ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ኣብ ምልላይ ባልዕ ዘራእቲ ሰሪሑ ማል ጅቡኡ ኣከበ።
ስለምንታይ ናብ ተሓኤ? ህዝባዊ ሓይልታትሲ ነይራ እንድያ?
ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ክፍለ ሃገር ወለጋ ኣብ ግምቢ ኣብ መጽናዕታዊ ምርምር ተሳተፈ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ ከኣ ምስ ኣነባብራን ባህልን ህዝቢ ኦሮሞ ንክላለ ዕድል ፈጠረሉ።
ብዘይብኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተወ፡ ካብ ኤርትራ ምስ ዝመጽኡ ሓሙሽተ ደቂ ብሌን ሓቢሩ ይድቅስ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ዝየዳ ኣፍልጦን መረዳእታን ኣማዕበለ።
ይኹን እምበር ጀብሃ ከም ናይ እስላም፡ ሻዕብያ ከኣ ከም ናብ ክርስትያን ውድባት ይረኣያ ስለዝነበራ፡ ደቂ ክልተ ሃይማኖታት ምእንቲ ናጻነት ሃገር ሓቢሮም ብስምረት እንተዘይተቓሊሶም ቃልሲ ኤርትራ ኣይክዕወትን እዩ ዝብል እምነት ስለዘሕደረ፡ ናብ ቃልሲ ክስለፍ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ናብ ጀብሃ ከም ዝኸይድ ወዲኡዎ ነበረ።
ኣብ 1968 ወዲ 20 ዓመት ምስ ኮነ ናብ ቃልሲ ክስለፍ ደልዩ ግን ሕጂ ኩነታት ሕማቕ ስለዘሎ ቁሩብ እንተጸናሕካ ይሓይሽ ዝብል ምኽሪ ስለዝረኸበ ትምህርቱ ቐጺሉ።
ዳሕራይ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ኣብ ሰርቪስ ጸኒሑ ንዩኒቨርሲቲ ምስ ተመልሰ፡ ስርዓት ደርግ ስልጣን ሒዙ እንደገና ንካልኣይ ሳዕ ንኣገልግሎት ክትከዱ ኢኹም ምስተባህሉ፡ ምግልጋል ምግልጋሉ ደኣ ንዓደይ ደኣ ዘየገልግል ብምባል ንኣስመራ መጺኡ ኣብ ንግደት ከረን ኣብታ ተወሊዱሉ ዝዓበየላ ቤት ንወላዲቱ ረኺቡ፡ ባልጃታተይ ኣብ ኣስመራ ስለዘሎስ ሒዘዮ ክመጽእ እየ ኢሉ ኣመኽንዩ ብኣ ኣቢሉ ኣብ መወዳእታ 1974 ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ።
ወተሃደራዊ ታዕሊም
እቲ እዋን ተሓኤ ኣብ ባርካ እዮም ዝዕልሙ ነይሮም። ብሃገራዊ ስምዒት ዝተደፍኡ ብዙሓት መንእሰያት ናብ ጀብሃን ሻዕቢያን ይውሕዙ ስለዝነበሩ፡ እተን ውድባት ብብዝሒ ሰብ ዓቕለን ጸቢቡወን ነይሩ።
ኣብ ባርካ ንሓጺር መዓልታት መባእታ ታዕሊም ምስ ወሰዱ ግን መምህር ፖለቲካ ክኸውን ስለዝተሓርየ ኣብ ባርካ ንካድራት እትምህር ቤት ትምህርቲ ኣብ ምቛማን ምምርሓን ኣበርከተ።
ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ካድር ኣብ ዝነበሉ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ንካድራት ዝምህሩዎ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ነገርነትን ማርክስነትን፡ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብባህሉን ልምዱን ክብርታቱን ነንሓድሕዱ ምስ ዝፋለጥ እዩ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ዘጥርን ኣብቲ ሃገራዊ ቃልሲ ብልዑል ነብሰ ምትእምማን ከበርክቱ ዝኽእሉ ብማለት፡ ተማሃሮ ካድር ሓድሕዳዊ ታሪኾም ዝነጋገርሉ ምሸት፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ተረዳዲኡ ደቀንስትዮን ተባዕትዮን በቲ ባህልን ኣነባብራን እቲ ህዝቢ ዘፍቅዶ፡ ምስ ልምድን ያታን ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝላለዩሉ ንዝፈጠሮ ተዘካሪ ኣበርክቶ ሓያሎ መቓልስቱ የድንቑዎ።
እንተኾነ እቲ ንናጽነት ዝቃለስ ዝነበረ ውድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ዝነበሮ ፍልልይ ብዘተን ልዝብን ክፈትሖ ስለዘይከኣለ ጀብሃ ብ1981 ብኵናት ተደፊኣ ናብ ሱዳን ኣተወት።
ይኹን እምበር እቶም ኣብ መዓስከራት ኮሮኮንን ታህዳይን ዝኣተው ተጋደልታ ነቲ ኣብ መሪሕነት ዝነበረ ድኽመታት ኣሪሞም ተወዳዲቦም ሃገራዊ ቃልሲ ክቕጽሉ ድላይ ነይሩዎም።
መንግስቲ ሱዳን ዕጥቆም ከውርዱ ስለዘገደደቶም ግን ኣይሰለጠን። ኣብ ርእሲኡ ንምርድዳእ ተባሂሉ ኣብ ዝተዓደመ ኣኼባ ራሳይ ገዲም ኣባል መሪሕነት ተሓኤ መልኣከ ተኽለን ብጾቱ በዓል ተኽለ መለኪንን፡ ኣብ ትሕቲ ሻምብቆ ብረት ብረቶም ከውርዱ ተሓቲቶም።
መልኣከ ሽጉጡ ከውጽእ ምስፈተነ ብተኹሲ ክቕተል እንከሎ ተኽለ መለኪን ከኣ ክልተ አእጋሩ ብጥይት ተሃሪሙ ብደገፍቲ ዓብደላ እድሪስ ምስ፡ ኣለም ጎይትኦም፡ ኣብርሃም ኣንቶንዮ፡ ዖመር ሳልሕ፡ እያሱ ገብረኪዳን፡ ብርሃነ ኪዳነ፡ ዳዊት ገብረመስቀል፡ ኣንገሶም ኣጽብሃ፡ ተወልደ ገብረስላሰ፡ ኪዳነ ሓጎስን ንዓሰርተ ወርሒ ተኣሲሩ። ሓውዩ ምስተፈትሐ ከኣ ንሱዳን ኣትዩ። ኩሉ መገድታት ቃልሲ ምስተዓጽወ ኣብ ካርቱም ምስ ዝተኣኻኸቡ ታሽዓይ ርእሱ ናብ ዩኤንኤችሲኣር ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣመልኪቶም።
እቶም ሽዑ ሓቢሮም ዑቕባ ዝሓተቱ ካድራት ከኣ፦
- ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ
- ገብራይ ገብረስላሰ
- ዑመር ሳልሕ ( ሓው ንዑስማን ሳልሕ)
- ኣማኑኤል ሃብተ (መንግስቱ ዝሳጓኡ)
- ሓመድ ኑር ዓብደል ካሕሳይ
- ብርሃነ (ሳጓ ዓጋመ)
- መንግስተኣብ ኣስመሮም
- ተኽለ መለኪን
- ዓብደላ ዑመር ናስር ( ንአሕመድ ናስር ወዲ ሓወብኡ ስውእ)
ወልደየሱስ ዓማር እውን ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ተኣሲሮም ዝነበሩ እኳ እንተኾነ ብዝጸንሖ መርበብ ርክባት ቀልጢፉ ወጺኡ።
እቶም ብሓንሳብ ኣብ ዩኤንኤችሲኣር ዘመልከቱ ትሽዓተ ኣባላት ንኹሎም መንግስቲ ኣመሪካ ክትወስዶም እኳ እንተተቐበለቶም፡ ካብ ሱዳን እንተርሒቕና ቃልሲ ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና ብምባል ንኸይከዱ ወሰኑ።
ዳሕራይ ዕድላት ቃልሲ ምስ ጸበበን ስደት ግድን ምስ ኮነን ግን ሓሙሽተ ካብቶም ትሽዓተ ንኣመሪካ፡ ክልተ ንስዊድን፡ ሓደ ንግብጺ ሓደ ከኣ ናብ ሶርያ ተሰዱ። እንተኾነ ኣብ ዝኸዱዎ ሃገር ኮይኖም እውን ክሳብ ሕጂ ፖለቲካዊ ቃልሶም ኣየቋረጹን።
እታ መበገሲ እዚ ዛንታ ዝኾነት ተኽለ መለኪን ብናፍቖት ዝዘከራ ቤት ብዙሓት አሕዋትን ኣሓትን ቀረባ ቤተሰብን እያ አዕብያ።
ኩሎም ከኣ ኣብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ብሰላምን ቅሳነትን ከቢሮም ክነብሩ ትምኒት ነይሩዎም። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ ቃልሲ ዝተፈጥረ ብዘተ ክፍታሕ ዝግበኦ ካልኣዊ ግርጭት ክልተ አሕዋት ነገራት ተሓላሊኹ ናብ ደምን ህልኽን ኣምሪሑ።
ድሕሪ ነጻነት እቲ ስልጣን ዝጨበጠ ሓይሊ ነቲ ሓዲሽ መድረኽ ብዕርቀ ሰላም ኣብ ክንዲ ዝጅምሮ ኣብቲ ዝጸንሖ ቂምን ስለዝደረቐ ኣሻሓት ተጋደልቲ ተሓኤ ነበር ኣብ ዕቤቶም ስድረኦምን ዓዶምን ክርእዩ ንኤርትራ ከይተመልሱ ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለው።
ተኽለ ከኣ በቲ ኩነታት ኣዝዩ ይሓዝንን ይጉህን። ብዝወሓደ ነቶም ሓብሒቦም ዘዕበዩና ስድራና ኣብ ዕቤቶም ኣብ ጎድኖም ኮይንና ክንለኣኾምን ሞሳኦም ክንመልስን ብዘይ ምኽኣልና ይሓዝን።
ኣነስ እኳ ዕድል ገይረ ዋላ እውን ኣብ ስደት እንተኾነ ነቦይ ሓንሳብ ነደይ ከኣ ክልተ ሳዕ ቅድሚ ምማቶም ኣብ ስዊድን ርእየዮም እየ። ነቶም ሓንሳብ ካብ ሃገር ምስ ወጽኡ ገጽ ወለዶም ዘይረኣዩ ብጾተይን ድሕሪ ናጽነት ተወሊዶም ግዳይ ስደትን ከርተትን ክኾኑ ዝርእዮም ዘለኹ ደቂ ዕስራታት ደቀይን አሕዋተይን ደቂ ኤርትራ ግን ኣዝዮም የሕዙኑኒ ይብል።