እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ኣብ ዕደና ፖታሽ ኮሉሊ ዝነበሮ ብጽሒት ሸይጡ
ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ ((ASX: DNK) መሸጣ ናይቲ ኣብ ዕደና ፖታሽ ኮሉሊ ኤርትራ ዝነበሮ ብጽሒት ብ 31 መጋቢት 2023 ከምዝተዛዘመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ (CMSC) ዝነበሮ 50 ሚእታዊት ብጽሒት ንሓደ ሲችዋን (Sichuan Road and Bridge Group Co., Ltd.) ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ዕደና ክሸጦ ስምምዕ ከምዝፈረመ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ዝተረፈ 50 ሚእታዊት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ምዃኑ ይፍለጥ።
"ግብሪ ድሕሪ ምኽፋሉ ዳናካሊ፡ 121 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣብ ክልተ እብረ ክቕብል'ዩ" ዝበለ እቲ ትካል ድሮ 105 ሚልዮን ካብኡ ኣብ ኢዱ ከምዝተቐበለ ሓቢሩ። እቲ ዝተረፈ 16 ሚልዮን ድማ ኣብ ዝቕጽል 6 ወርሒ ክኽፈሎ'ዩ።
ናይ ብርኪ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ (CMSC) ብኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዳናካሊ ምስ ሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ኤርትራ ብሓባር ዘቖምዎ ናይ ብርኪ ኩባንያ ኮይኑ፡ ኣብ ጥሪ 2017 ኣብ ከባቢ ባዳ፡ ፍሉይ ስሙ ኮሉሊ ዝተባህለ ቦታ፡ ፖታሽ ንምዕዳን ብወግዒ ፍቓድ ረኺቡ።
ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይቲ ብመሸጣ ዝተረኽበ ገንዘብ ንወነንቲ ብርክታት ክምቀል ሃቐነ ከምዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፡ ብመሰረት ውሳነ ሰብ-ብርኪ ኣብ መወዳእታ ሰነ 2024 ክፍሊት ከምዝካየድ ኣሚቱ'ሎ።
ኣብ መወዳእታ 2021 ወይ መጀመርታ 2022 ምፍራይን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ክጅምር መደብ ከምዝነበሮ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። እንተኾነ ግን ክሳብ ሎሚ ዕደና ከምዘይተጀመረ ይግለጽ።
እቲ ዕደና ማዕቢሉ ሰደድ ኣብ ዝጅምረሉ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ።
ትካል ጽርግያን ድልድልን ሲቹዋን (ኤስ ኣር ቢ ጂ) በቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ምስኣልን ምህናጽን ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ተወዳዳሪ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ፡ ቻይናዊ ኩባንያ ሽዳዎ ዝውነን ኰይኑ ኣብ ዕዳጋ ስቶክ ኤክስቼንጅ ሻንጋይ ዝተመዝገበ እዩ።
እቲ ትካል ኤርትራ ኣብ እትርከበን ልዕሊ ሰላሳ ሃገራትን ዞባታትን ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒናት ይነጥፍ።
ኩባንያ ሲቹዋን ኣብ መጀመርታ 2016 ካብ መሻርኽቲ እቲ ብፕሮጀክት ኣስመራ ፈቓድ ዕደና ዝረኸበ ኣውስትራልያዊ ትካል ሳንሪጅ፡ ብ88 ሚልዮን ዶላር 60% ብርኪ ከምዝዓደገን፡ ካብቲ ንእምባደርሆ፡ ዓዲ ነፋስን ድባርዋን ዝሽፍን ዕደና ፕሮጀክት ምህርቱ ካብ 2016 ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።
ኮሉሊ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ዕድመ (200 ዓመት) ዝህልዎ ምዃኑ ይግለጽ። ብውሑስ ዝኾነ ኣገባብ ብቐሊሉ ካብ ገጽ ምድሪ ፖታሽ ክወጸሉ ዝኽእል ምዃኑ'ውን መርበብ ሓበሬታ ዳናካሊ ይገልጽ።
ፖታሽዩም ኣብ ምፍራይ ድዂዒ ዝውዕል ማዕድን ኮይኑ፡ ብመልክዕ ሳልፌት ምስ ዝኸውን ፖታሽዩም ሳልፌት ወይ ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ይበሃል።
ፖታሽ ሳልፌት ኣብ ምህርቲ ፍሩታታት፡ ኣሕምልትን ዓይነታት ፉልን ዝኣመሰሉ ካብ ክሎራይን ነጻ ዝኾነ ድዂዒ ዘድልዮም ሕርሻዊ ፍርያት ንምፍራይ ዝውዕል ተጠላቢ ድዂዒ እዩ።