ሞሮኮ፡ ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወታ ብሓጐስ ትሰራሰር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሞሮኮ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ፡ንስጳኛ ስዒራ ንፈላማ ግዜ ኣብ ታሪኻ ናብ ርብዒ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብምሕላፋ፡ሞሮካውያን ዝተሰምዖም ሓጐስ ንምግላጽ ንጐደናታት ራባት ኣዕለቕሊቘም።
እቶም ብኣናብስ ኣትላስ ዝፍለጡ ተጻወትቲ፡ ኣብቲ ብዘይሸቶ ዝተዛዘመ ግጥም፡ ብፍጹም ቅላዕ፡ 3 ብ 0 እዮም ስዒሮም፤ ዝመጽእ ቀዳም ድማ ኣንጻር ፖርቱጋል ክገጥሙ እዮም።
ፖርቱጋል ኣብቲ፡ ኮኾብ ተጻዋታያ ዘየሰለፈትሉ ናይ ትማሊ ምሸት ግጥም፡ ንስዊዘርላንድ ብገፊሕ ውጽኢት 6 ብ 1 እያ ስዒራታ።
እቲ ንወዲ 37 ዓመት ሮናልዶ ዝተክአ 21 ዓመት ዝዕድመኡ ኣጥቅዓይ በነፊካ ጎንካሎ ራሞስ ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ሃትሪክ ሰሪሑ።
ኣብቲ ብፍጹም ቅላዕ ዝተዛዘመ ግጥም ሞሮኮን ስጳኛን፡ ሓላው ልዳት ሞሮኮ ክልተ ሸቶታት ብምድሓን ደሚቝ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ ነቲ ትማሊ ዝተመዝገበ ድሙቕ ዓወት ብፍሉይ ክገልጾ እንከሎ፡ሞሮካውያን ባንዴራታትን ባነራትን እናንበልበሉ፡ ከበሮታትን ጥሩምባታትን እናሃረሙ ንጐደናታት ርእሰከተማ ራባት ኣዕለቕሊቘምዎ።
ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ብወገኑ ባንዴራ ሒዙ ሓጐሱ ንምግላጽ ናብቲ ህዝቢ ተጸንቢሩ።
ሞሮኮ፡ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ ካብ ዝበጽሓ ሃገራውያን ጋንታታ ኣፍሪቃ፡ ራብዐይቲ ኰይና’ላ።
ካሜሩን ኣብ 1990፡ ሰኔጋል ኣብ 2002፡ ጋና ኣብ 2010 ናብ ርብዒ ፍጻመ ከም ዝበጽሓ ኣይርሳዕን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







