እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ መጥቃዕቲ ኒዩክለራዊ መመንጨዊ ጸዓት ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ
ኣብ ልዕሊ ኑክሌራዊ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዩክረይን ዛፖሪዝያ ዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ን"ዓቢይ ኒዩክለራዊ ሓደጋ" ከቃልዕ ከምዝኽእል፡ ተቘጻጻሪ ኣቶማዊ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቝ።
በቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ተፈሊጡ።
ሩስያ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዩክረይን ከምዘላ ትኸስስ፤ ዩክረይን ብወገነና ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከምዘይብላ ነጺጋ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዝርከብ ዓቢይ ማእከል ኒዩክሌር ሽዱሽተ መደብር መብላዕልዒ [ሪኣክተራት] ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ኲናት ሩስያን ዩክረይን ይርከብ።
ዓለማዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት [IAEA]፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ከይፍጸም ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።
ሓላፊ እቲ ትካል ራፋኤል ግሮሲ፡ እቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ 'ሸለልትነት ዝመልኦ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር' ብምባል፡ " ነቲ ማእከል ዘስግኦ ዘሎ ሓደጋታት ድሕነትን ጸጥታን ኒዩክለራዊ" ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ዝርከብ ትካል ዛፖሪዝያ፡ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝዓበየ ማእከል እዩ።
ሓይልታት ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ድሕሪ ምጅማሮም፡ ዝሓዙዋ ኰይኖም፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ኢዶም ወዲቑ ይርከብ።
ኣብ ማእከል ዛፖሪዠያ ጕጅለ ክኢላታት ዘለዎ IAEA፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ሪኣክተራት ሓዊሱ ኣብቲ ፋብሪካ "መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ" ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።
ብሩስያ ዝቘመ ምምሕዳር እቲ ማእከል፡ ደረጃ ጨረርታ ንቡር ምዃኑን ከቢድ ጉድኣት ከምዘየጋጠመን ገሊጹ።
IAEA እቲ ዕንወት ንውሕስነት ኒዩክለር ኣብ ሓደጋ ከምዘየእተወ እኳ እንተገለጸ፡ "ነቲ ስርዓተ ምዕቃብ ናይቲ ሪኣክተር ከዳኽም ዝኽእል ከቢድ ፍጻመ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ሚስተር ግሮሲ፡ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ መዕቈሪ እቲ ስርዓተ ሪኣክተር ናይቲ ማእከል ብውሑዱ “ሰለስተ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ" ከምዝተፈጸመ ኣነጺሩ።
"እዚ ክኸውን ዘይግበኦ'ዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኒዩክለራዊ ትካላት ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝዀነ ሰብ ክጥቀም ወይ ዝዀነ ወተሃደራዊ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓ ክረክብ ኣይክእልን'ዩ። ደው ክብል ይግባእ።"
ክልቲአን ሩስያን ዩክረይን ነንርእሰን ዝወቓቐሳ ኰይነን፡ ከቢድ ስግኣት ኒዩክለራዊ ሓደጋ ብምስዓብ ነንሕድሕደን ክካሰሳ ይስምዓ።
ሩስያ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ንዩክረይን እያ ተሓታቲት ትገብር።
ወሃቢ ቃል ቀንዲ ዳይረክቶረይት ስለያ ዩክረይን ኣንድሪ ዩሶቭ፡ ንሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዩክረይን ኣብቲ ቦታ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ትካል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድ የብላን” ኢሉ
እቲ ማእከል፡ "ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሩስያ ዝተታሕዘ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ IAEA ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ ክኢላታት ጕጅለኡ ንሓደ ሰሙን መዓልታዊ ፍንጀራታት ከምዝሰምዑ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ሚስተር ግሮሲ፡ "ሕጂ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ዩክረይን ድሕነትን ጸጥታን ኒዩክለር ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ እዩ ወዲቝ ዘሎ። ንሰባት ክጐድእ ዝኽእል ኒዩክለራዊ ሓደጋ ንምንካይ ክንሕግዝ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኢና" ኢሉ ነይሩ።