“ሃገረይ ዩክሬን እንተጸዊዓትኒ ክኸትት ድልው እየ” ተጻዋቲ ኣርሰናል ዚንቸንኮ

ተኸላኻላይ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣርሰናል ኣሌክሳንደር ዚንቸንኮ ሃገሩ ዩክሬን ናብ ቃልሲ ክኸትት እንተጸዊዓቶ ክቃለሰላ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ወዲ 27 ዓመት ዚንቸንኮ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሰፊሕ ወራር ካብ እትፍጽም ጀሚሩ ንሃገሩ 1 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ከምዝሃበ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዩክሬን ንመላእ ኤውሮጳ ትከላኸል ከምዘላ ዝገለፀ እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝያዳ ደገፍ ከምዘድልያ ገሊጹ።

ዩክሬን ንኽልተ ዓመት ኣብ ዝጸንሐ ኲናት ኣዝዩ ብዙሕ ሰራዊት ዝተቐተላ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዝሒ ሰራዊት ንምዕባይ፡ ንተመልመልቲ ዝተቐመጠ ገደብ ዕድመ ካብ 27 ናብ 25 ኣውሪድዎ’ሎ።

ዘለንስኪ ዩክሬን ተወሳኺ 500 ሽሕ ወተሃደራት ከምዘድልያ ይገልጽ።

ዚንቸንኮ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት “ናይ ክተት ጻውዒት እንተዝቐርበልካ ንፕሪምየር ሊግ ኣቋሪጽካ ምወፈርካ’ዶ?” ብዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ “መልሲ ናይዚ ሕቶ ቀሊል እዩ። እወ ክቃለስ ክኸይድ እየ” ኢሉ።

ኣብ ኲናት ዝዋግኡ ናይ ቀደም ናይ ቤት ትምህርቲ ኣዕሩኽቱ ከምዘለዉ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

"ኣብ ሓደ ሜዳ ኩዕሶ ምስኦም ዝጻወት ዝነበርኩ ኣዕሩኽተይ ሕጂ ንሃገሮም ይከላኸሉ ምህላዎም ምሕሳብ ቀሊል ኣይኮነን። ሓቂ ንምዝራብ ነዚ ኣሚንካ ክትቕበል ከቢድ እዩ። ግን ምንም ምግባር ኣይከኣልን። ኢድና ክንህብ ኣይንኽእልን” ክብል ኣረዲኡ።

ዚንቸንኮ፡ ኩነታት ዩክሬን "ኣዝዩ ከቢድ" እኳ እንተኾነ "ብፕረዚደንትና ንሕበን" ኢሉ።

ኣብ 2016 ምስ ሩስያዊት ጋንታ ኡፋ ብምጽዋት ጉዕዞ ፕሮፌሽናል ኩዕሶ እግሪ ዝጀመረ ዚንቸንኮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሩስያውያን ምስ ዝኾኑ ደቂ ጋንትኡ ነበር ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ ይገልጽ።

“ድሕሪ እቲ ወራር ቁጽሮም ዘይነዓቕ ሰባት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሰዲዶምለይ። ናቶም ጌጋ ስለዘይነበረ ኣይወቅሶምን እየ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ክድርበዩ ስለዝኽእሉ ከኣ ነቲ ኲናት ተቓወምዎ ክብሎም ኣይክእልን" ኢሉ።

ቅድሚ እቲ ወራር ሩስያውያን ንዩክሬናውያን "ኣሕዋትናን ኣሓትናን" ኢሎም ይጽውዕዎም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ግን "ኩላትና ዩክሬናውያን ከም ኣዕሩኽቶም ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

“ኣብ ልዕሌና ዝፈጸምዎ በደል ፈጺምና ኣይንርስዖን ኢና። እዚ ንደቀይ’ውን ክምህሮም እየ። ደቀይ ድማ ንደቆም ክምህርዎም እዮም" ኢሉ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ኲናት 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ዚንቸንኮ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዩክሬናውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ከምዝለኣኸ ኣዘኻኺሩ።

“ኣብዚ እዋን'ዚ ዩክሬናዊ ካብ ምዃነይ ንላዕሊ ዘሐብነኒ ነገር የለን” ዝበለ እቲ ተጻዋቲ ጋንታ ኣርሰናል፡ “እቲ ኲናት ቀልጢፉ ደው ክብልን ሃገርና ድማ ከምቲ ዝደለናዮ ክንሃንጽ ሕልሚ ኣለኒ" ክብል ዘለዎ ባህጊ ተዛሪቡ።