መስተንክር፡ ድሕሪ 50 ዓመታት ብወግዒ ዝተመረቑ ተመሃሮ

እቲ መመረቕታ ኣዝዩ ድሙቕ'ዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Sterling Crim

መግለጺ ስእሊ, እቲ መመረቕታ ኣዝዩ ድሙቕ'ዩ ነይሩ

እቲ ታሪኽ፡ ኣብ 1974’ዩ ዝጅምር።

ኣብ ግዝኣት ኦክሎሆማ ከተማ ሙር ተመሃቶ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ትምርቶም ዛዚሞም ክምረቁ ኣብ ዝዳለዉሉ ዝነበሩ እዋን ኣብታ ግዝኣት መጠንቀቕታ ሓያል ህቦብላ ስለ ዝተመሓላለፈ እቲ መመረቐትኦም ተሰሪዙ።

እቶም ኣብ 1974 ክምረቁ ዝነበሮም ተመሃሮ ግን መዓልቲ ይነውሕ’ምበር እቲ መመረቅታስ ክንገብሮ ኢና ብምባል መዓልቲ ይጽበዩ ነይሮም።

50 ዓመታት ክወስደሎም ግን ኣይሓሰብዎን።

እቲ ኣብ እዋን ንእስነቶም ክካየድ ዝግብኦ ዝነበረ ስነ-ስርዓት፡ ድሕሪ 50 ዓመታት ትማሊ ቀዳም ሰማያዊ ጋዎን ተኸዲኖም መመረቕትኦም ኣካይዶም።

እቶም 500 ዝዀኑ ኣብ 1974 ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተመሃሮ፡ ካብኦም እቶም ዝበዝሑ ነቲ መመረቕታ ረሲዐሞ’ዮም ነይሮም።

ኣብ መንጐ ገለ ሰባት ምስ ኣልዓልዎ ግን፡ ኣብ መበል 50 ዓመት ዘይንገብሮ ብምባል ብዙሓት ተጸንቢረምዎ።

ሓደ ካብቶም ኣብ 1974 ትምህርቲ ዛዚሙ ኣብ 2024 ዝተመረቐ ንጋዜጣ ‘ዘ ኦክላሃማ’ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ደቂ ደቅና ክንምረቕ እንከለና ክርእዩና’ዮም” ብምባል ሰሓቅ ኣስንዩ ሓጐሱ ገሊጹ።

ኣብ 23 ግንቦት 1974 እዞም ተመሃሮ ኣብ ሓደ ዓቢ ስታድዮም ክምረቑ ኣብ ዝዳለውሉ ዝነበሩ’ዩ ሓላፊ እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ መጉልሒ ድምጺ ቅርብ ኢሉ ብርቱዕ ህቦቡላ ይመጽእ ስለ ዘሎ ከዕቖቡሉ ናብ ዝኽእሉ ቦታ ፋሕ ክብሉ ሓቢርዎም።

ሽዑ እቶም ተመሃሮ ብርቡሽ መንፈስ የዕቑበና’ዩ ናብ ዝበልዎ ቦታ ፋሕ ፋሕ ኢሎም፤ እቲ መመረቕታ ከኣ ብኡኡ ተሰሪዙ።

እቲ መመረቕታ ኣዝዩ ድሙቕ'ዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Sterling Crim

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንጽባሓይቱ እቶም ተመረቕቲ ተመሃሮ ብሓባር ክገሹ መደብ ተታሒዝሎም ስለ ዝነበረ፡ እቲ መመረቕታ ተሪፉ ዲፕሎምኦም ኣብ ዝዀነ መዓልቲ መጺኦም ክወስዱ ተሓቢርዎም።

እቶም መመረቕታና ከነካይድ ኣለና ኢሎም ሓድሽ ተበግሶ ዝወሰዱ ካብቶም ኣብ 1974 ክምረቑ ዝነበሮም ተመሃሮ ናብቲ ዝተመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ምስ ከዱ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ብሓጎስ’ዩ ተቐቢልዎም።

ድሕሪ ዝተገበረ ምድላዋት ከኣ እቶም ቅድሚ 50 ዓመት ብወግዒ ከይምረቑ ህቦቡላ ዝዓንቐጾም፡ ናይ ቀደም መንእሰያት ናይ ሕጂ ሽማግለታት ሰማያዊ ጋዎን ገይሮም ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝኸድሉ፡ድምቕቲ ጸሓይን ድሙቕ ፍሽኽታ ተዓዳሞን’ዩ ተቐቢልዎም።

ግን ዓለም ጎዶሎ’ያ ከም ዝብሃል፡ እቶም ኣብ 1974 ክምረቑ ዝነበሮም 500 ተመሃሮ ብምልኦም ኣይኰኑን ተረኺቦም፤ ሓያለ ሞት ጸዊዓቶም’ያ።

ኣብ ክንድኦም ከኣ መቕርቦም፡ ደቆም፡ ደቂ ደቆም ዲፕሎምኦም ከም ዝቕበልሎም ተገይሩ።

ወኪል እቶም ተመሃሮ ዊልሰን ቅድሚ 50 ዓመት ኣብ እዋን መመረቕታ ከስምዓ ኣዳልይዋ ዝነበረ ጽሕፍቲ’ዩ ኣንቢቡ።

ንኹሎም ተመረቐቕቲ ከኣ ናብ 1974 መሊስዎም።

ዊልሰን ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “እናኣረግካ ክትከይድ እንከለኻ፡ ንዝሓለፈ እዋን ብምዝካር 'እዚ ሓሊፉኒ' እናበልካ ኢካ ተስተማስል። እዛ መመረቕታ ከኣ ኣብ ልቢ ኩላትና ቁጻር ፈጢራ ዝነበረት ኰይኑ ይስምዓኒ። ሕጂ ግን ነታ ቁጻር ብሓጐስ ፈቲሕናያ ኣለና” ኢሉ።

እታ ከተማ ኣብ 23 ግንቦት 1974 በቲ መመረቕታ እዞም ተመሃሮ ዘጐናደበ ህቦብላ ከቢድ ሓደጋ’ኳ ኣንተዘይወረዳ፡ ኣብ 1999 ኣብ ሰዓት 300 ማይል ዝሕንበብ ህቦብላ ንከተማ ሙር ብምዕብላኽ 36 ሰባት ቀቲሉ።

ኣብ 2013 ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ክስተት’ውን ኣብታ ከተማ ህይወት 91 ሰባት ቀዚፉ።