ቢትኮይን ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ ድዩ?

ተጠቀምቲ ክሪፕቶካረንሲ ቢትኮይን ኣካል ናይቲ ቀንዲ ወፍሪ ገንዘብ ክኸውን ክፍቀድ ልዑል ድሌት ኣለዎም።

እዚ ፍቓድ ንምርካብ ድማ ነዊሕ እዋን ተጸብዮም እዮም።

ንፈለማ እዋን ኣብ 2009 ዝቐረበ ክሪፕቶካረንሲ፡ ዲጂታዊ ባጤራ ኰይኑ፡ ብኢንክሪፕሽን ኣልጎሪዝም ዝፍጠር ኣማራጺ መልክዕ ክፍሊት እዩ።

ቢትኮይን ድማ ንሓደ ዓይነት ክሪፕቶካረንሲ ዝምልከት ስም እዩ። እዚ ኣብ ምዝጉባት ኣለይቲ ዘመሓድርዎ ውሑስ ዲጂታላዊ ታሕተ-ቤት ብውሑስ መንገዲ ክዕቀብ እንከሎ ስፖት ቢትኮይን ብዝብል ይግለጽ።

ብደረጃ ዓለም ሰብመዚ ግብሪ፡ ኣኽበርቲ ሕጊን ተቘጻጸርትን ብኸመይ ንክሪፕቶካረንሲ ክቈጻጸርዎ ከምዝኽእሉ ገና ይካትዑ’ኳ እንተሃለዉ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ግን ንቢትኮይን ብሕጋዊ መንገዲ ክጥቀሙሉ ድሌት ኣለዎም።

ሕጂ ድማ ኮሚሽን ዋሕስን ሸርፍን ኣመሪካ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ሃገር ሰፖት ቢትኮይን ኤክስቸንጅ-ትሬድድ ፋንድስ (ኢቲኤፍ) ከምዘጽደቐት ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ድማ ካብ ኣብ ጥሮታ ፋንድ ዝርከብ ዝዀነ ሰብ ክሳብ ተራ ኣውፈርቲ ክዕድግዎ ይኽእሉ እዮም ማለት’ዩ።

እቲ ካብ ሓላፊ ኮሚሽን ዋሕስን ሸርፍን ዝወጸ መግለጺ፡ ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ብዝምልከት ብተሪር መጠንቀቕታ ዝተሰነየ እዩ።

ኣድነቕቲ ክሪፕቶካረንሲ ግን ብሓጐስ ዝተሰነየ ምላሽ እዮም ሂቦም - ብዛዕባ ሃብታም ምዃን ዝገልጹ ሜማት’ውን ዘርጊሖም።

ፋይናንሳዊ ተቘጻጻሪ ኣሜሪካ፡ ኣቐዲሞም ዝቐረቡ ሕቶታት ፍቓድ ብተደጋጋሚ ነጺጉ ነይሩ - ከም ምኽንያት ድማ ምትላልን ጕሕለትን ከስዕብ ይኽእል’ዩ ዝብሉ ስክፍታታት’ዩ ጠቒሱ።

እዚ ምኽንያት ግን እኹል ከምዘይኰነ ሓደ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጹ ነይሩ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ዋሕስን ሸርፍን ዝዀነ ጋሪ ጀንስለር ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣውፈርቲ ነቲ ሓድሽ ፍቓድ ንክሪፕቶካረንሲ ምድጋፍ ምዃኑ ከይሓስቡ ኣጠንቂቑ።

"ቢትኮይን ብቐንዱ ግምታዊ፡ ዘይርጉእ ንብረት ኰይኑ፡ ንከም በጃ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ስርቅን እገዳን ምወላ ግብረሽበራን ዝኣመሰሉ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት'ውን ይውዕል'ዩ" ኢሉ።

"ኣውፈርቲ፡ ምስ ቢትኮይንን ዋጋኦም ምስ ክሪፕቶ ዝተኣሳሰሩ ፍርያትን ኣመልኪቱ ብዛዕባ ዘለዉ ሓደጋታት ክጥንቀቑ ኣለዎም።"

ኤክስቸንጅ-ትሬድድ ፋንድስ (ኢቲኤፍ) ግን እንታይ እዩ?

ኢቲኤፍ፡ ኣውፈርቲ ባዕሎም ዝዀነ ንብረት ምግዛእ ከየድለዮም ኣብ ብዙሕ ንብረት ክወራረዱ ዘኽእልዎም ማህደራት (ፖርትፎሊዮ) እዮም።

ኣብ ከም ኣክስዮን ዝኣመሰሉ ዕዳጋታት ኣክስዮን ዝሽየጡ ኰይኖም፡ ዋጋኦም ኣብቲ እቲ ፖርትፎሊዮ ኣብ ክውን ግዜ ዘለዎ ሓፈሻዊ ኣፈጻጽማ ይምርኮስ።

ንኣብነት ኢቲኤፍ ውህደት ሕጡብ ወርቂ ብሩርን ወይ ድማ ዝተሓዋወሰ ኣክስዮን ላዕለዎት ኩባንያታት ቴክኖሎጅን መድሕንን ከጠቓልል ይኽእል።

ገለ ኢቲኤፍ ድሮ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ቢትኮይን ዝሓዙ እዮም - ሕጂ ግን ሓደ ስፖት ቢትኮይን ኢቲኤፍ ነቲ ክሪፕቶካረንሲ ብቐጥታ፡ "ኣብ ቦታኡ"፡ በቲ ኣብቲ እዋን ዘለዎ ዋጋ፡ ምሉእ መዓልቲ ክገዝእ ይኽእል እዩ።

ስለምንታይ እዩ ክንድዚ ፍናን ፈጢሩ ዘሎ?

ብላክሮክን ፋይደሊቲን ሓዊሱ ኣስታት ደርዘን ዝዀና ኩባንያታት ወፍሪ፡ ኮሚሽን ዋሕስን ሸርፍን ኣመሪካ፡ ንናይ ገዛእ ርእሰን ኢቲኤፍ ቢትኮይን ምግዛእ ክጅምራ ንኽፈቅድ ንኣዋርሕ ክጽበያ ጸኒሐን እየን።

ሕጂ ድማ እዘን ቀዳሞት ኩባንያታት ፍቓድ ረኺበን ኣለዋ።

እዚ ማለት ሓድሽ ጉጅለ ኣውፈርቲ፡ ዲጂታዊ ቦርሳ ምኽፋት ወይ ኣብ ሸርፊ ክሪፕቶ ተፍትሽ ምግባር ከየጨነቖም ናብቲ ናይ ግምታዊ ዓለም ቢትኮይን ክጽንበሩ ይኽእሉ እዮም።

እዘን ፋይናንሳዊ ኩባንያታት ዲጂታዊ ሳንቲም ክገዝኣ ክጅምራ ከለዋ፡ ቢልዮናት ዶላር ናብ ዕዳጋ ቢትኮይን ክፈስስ ትጽቢት ይግበር።

ውሑዳት ተንተንቲ፡ ድሮ ኣብ ካልኦት ሃገራት ስፖት ቢትኮይን ኢቲኤፍ ስለዝተመስረተ፡ ዋጋ ናይቲ ክሪፕቶካረንሲ ብዙሕ ከምዘይጽሎ ይዛረቡ።

ይዅን’ምበር እተን ዓበይቲ ትካላት ኣሜሪካ ናብቲ ዕዳጋ ምስ ተጸንበራ፡ ጠለብ ቢትኮይን ከምዝውስኽን ምስኡ ድማ ዋጋ ቢትኮይን ከምዝብርኽን ብዙሓት ሰባት ትጽቢት ይገብሩ።

ዋጋ ቢትኮይን ግን ኣዝዩ ተቐያያሪ እዩ።

ኣብ 2021 ሓደ ሳንቲም (ቢትኮይን) ኣስታት 70 ሽሕ ዶላር በጺሑ ነይሩ፤ ኣብ 2022 ድማ እቲ ኢንዳስትሪ ብገለ ብልሽውና ድሕሪ ምንዋጹ ዋጋ ቢትኮይን ናብ 16 ሽሕ ዶላር ወሪዱ።

ኣብ 2023 ግን ኣብ ዙርያ ምጽዳቕ ቢትኮይን ኢቲኤፍ ዝነበረ ቀጻሊ ወረ ምስ ወሰኸ፡ ሕጂ ናብ 44 ሽሕ ዶላር ደይቡ ኣሎ።

ኣብ 2008 ኣብ ኢንተርነት ዝተሓትመ ጽሑፍ ከምዘመልክቶ፡ ቢትኮይን ናይ መጀመርታ ክሪፕቶካረንሲ ክኸውን ዝገበረ ሓደ ንነብሱ ሳቶሺ ናካሞቶ ኢሉ ዝጽውዕ ሰብ እዩ፤ ክሳዕ ሕጂ እቲ ዝኸበረን ዝፍለጥን ክሪፕቶካረንሲ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ዋጋ ቢትኮይን መብዛሕትኡ ግዜ ከም መዐቀኒ ኣሽሓት ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ቴክኖሎጂ ብሎክቸይን ዝተሃንጹ ፍርያትን ይረአ።

እቲ ኢንዳስትሪ ሓድሽ ዋሕዚ ገንዘብ ምስ ዝረክብ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ቴክኖሎጂ ክሪፕቶካረንሲ ዘሎ ተገዳስነት ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ውሳነ ንተቐባልነት ክሪፕቶካረንሲ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ?

ገሊኦም እዚ ፍሉይ ውሳነ፡ እቲ ኢንዳስትሪ ኣብ መወዳእታ ንቢትኮይን ብዕቱብ ይወስዶ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ይብሉ - እንተወሓደ ከም ግምታዊ ንብረት።

ነቶም ቢትኮይን ሕጋዊ "ዲጂታዊ ወርቂ" እዩ ዝብሉ፡ እተን ብተቘጻጸርቲ ክትትል ዝግበረለን ዓበይቲ ትካላት ምሕደራ ሃብቲ ቢትኮይን ክገዝኣ ክውሕዛ ካብ ምርኣይ ዝበልጽ መርትዖ እንታይ ኣሎ?

ካልኦት ድማ፡ ክሪፕቶካረንሲ ንባህላዊ ፋይናንሳዊ ስርዓታት ምንጻግ ዘይተማእከለ፡ ብህዝቢ ዝሰርሕ ኣማራጺ ዝድግፍ እዩ ይብሉ። ከምኡ’ውን ባንከኛታት ወፍሪ ብዶላር ኣመሪካ ንምህብታም ጥራይ ቢትኮይን ክገዝኡ ዕላማ ሳቶሺ ናካሞቶ ከምዘይነበረ ወሲዀም ይገልጹ።

ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረአ ዘሎ ፍናን እንተዀይኑ ግን፡ እቲ ውሳነ ነቶም ዘለዉ ኣውፈርቲ ቢትኮይን ሃብታማት ክገብሮም’ዩ ዝብል ተስፋ እዩ ሰፊኑ ዘሎ።

ንመጻኢ ኣውፈርቲኸ ሓደጋ ኣለዎ ድዩ?

ዋጋ ቢትኮይን ብቕልጡፍን ብዙሕ ግዜ ብዘይ መጠንቀቕታ ወይ መብርሂን ክቕየር ይኽእል።

ስለዚ ኣውፈርቲ ምስቲ ዲጂታዊ ሳንቲም ዝተኣሳሰሩ ኢቲኤፍ ክመርጹ ከለዉ ነዚ ክመዝንዎ ግድን እዩ።

ግን ኢቲኤፍ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ልዑል-ሓደጋን ልዑል-ዓስቢን ዘለዎም ፍርያት ይሽየጡ እዮም።

ካልእ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ድማ ሳይበራዊ-ገበን እዩ።

ቢትኮይንን ካልኦት ክሪፕቶካረንሲታትን ብዙሕ ክስራን ዘስዓቡ መጥቃዕቲታት ኣጋጢምዎም እዩ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ኩባንያታት ክሪፕቶ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ስኢነን እየን።

ካልእ ሳዕቤን ድማ ንኣከባቢ ዝግበር ወጻኢ እዩ።

ቢትኮይን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ሓያላት ኮምፒዩተራት ይምርኮስ፤ እዚ ድማ እቲ ስራሕ ንምፍጻም፡ ዕድጊት ንምክያድን ሳንቲም ንምስራሕን ዘድሊ እዩ።

ኣጠቓቕማ ተሓዳሲ ጸዓት ይውስኽ ኣሎ፤ እንተዀነ እተን ኩባንያታት ወፍሪ ንሕጊታት ከባብያዊ፡ ማሕበራውን ትካላውን ምሕደራ ከመጣጥና ድየን ዝብል ስክፍታ ኣሎ።