እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ራይላ ኦዲንጋ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ 'ውዱቕ' ክብል ነጺጉዎ
ራይላ ኦዲንጋ፡ ነቲ ኣቦመንበር ዘይሻራዊ ኮሚሽን መረጻ ኬንያ፡ ትማሊ ዕላዊ ዝገበሮ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ነጺጉ።
ቀንዲ ተቐናቓኒ ዊልያም ሩቶ ዝኾነ ኦዲንጋ፡ እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኣወጀ ኣሃዛት ውጽኢት እቲ መረጻ፡ “ዘይሕጋውን ውዱቕን” እዩ ክብል ነጺጉዎ።
ብመሰረት እቲ ዝተገልጸ ውጽኢት፡ ራይላ ኦዲንጋ ብምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብጸቢብ እዩ ተሳዒሩ።
ኦዲንጋ፡ ሓላፊ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር፡ "ንሕገመንግስቲ ብግልጺ ዕሽሽ ኢሉ" ክብል’ውን ከሲሱ።
ንሱ፡“ ነቲ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ብዘይ ጥርጥር ንነጽጎ" ክብል ኣፍሊጡ'ሎ።
ኦዲንጋ፡ ኣብቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ፡ ኣብ ቅድሚ ደገፍቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዓወተ ይኹን ዝተመርጸ ፕረዚደንት የለን" ኢሉ።
እቲ ንነዊሕ እዋን መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ዝነበረ ወዲ 77 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ንሓሙሻይ ግዜኡ እዩ ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መረጻታ ት ንዝተረኽበ ውጽኢት ዝሞገተ ኦዲንጋ፡ ብፍላይ ኣብ 2017 ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ በደሀ፡ እቲ መረጻ ዳግማይ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።
ኦዲንጋ፡ ንኣቦ መንበር ኮሚሽን መረጻ፡ ዋፉላ ቸቡካቲ “ኣንጻር ሕጊ ሰሪሑ” ኢሉ ዝኸሰሰሶ ዀይኑ፡ ውድቡ ኩሉ ሕጋዊ ኣማራጺታት ክጥቀም ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቅድሚ ምዝራቡ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ ንውጽኢት እቲ መረጻ ምጽዳቕ ዝኣበዩ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ኮሚሽን ምኽንያታቶም ንምግላጽ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም ነይሮም።
ኣቦመንበር ኮሚሽን መረጻ ቸቡካቲ፡ ንዐኦም ንምውጋን፡ "ምስ ሒሳብ [ቁጽሪ] ዝተጻረረ ስነ-መጎትን ዕሽነት" ዝመልአ ውጽኢት ከምዝኣወጀን ድማ ከሲሶምዎ።
ሓንቲ ካብቶም ኣርባዕተ ዝኾነት ምክትል ኣደ መንበር እቲ ኮሚሽን፡ ጁልያና ቸሬራ፡ ከምቲ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ዝገለጾ ሚእታዊት እንተደሚርካዮ፡ እቲ ድምር 100.01% ከምዝበጽሕ ገሊጻ።
እቲ ኮሚሽን ብ7 ኣባላት ዝቖመ ዘይሻራዊ ትካል'ዩ።
ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ግን፡ እቲ ናይ ሒሳብ ጌጋ፡ ናብ ቀሊል ናይ ምስላሕ ደረጃ ከም ዝወርድን ናይ ምጽግጋዕ ጉዳይ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጾም ኣለዉ።