'ቈልዓ መጽብዓ'፡ ካብ ቤተ ክህነት ክሳብ ምውናን ዓብይ ሆስፒታል ዝቐጸለ ጕዕዞ መርጌታ ተኽላይ

ሰብ ጸጋ ገንዘብ፡ ጽዒሮምን ርሂጾምን ዝኣከብዎ ሃብቲ ናብ ካልእ ጽላት ከውፍርዎ ክሓስቡ እንከለዉ፡መብዛሕትኡ ግዜ ቅድም ዝሰርዕዎ ነገር ብዛዕባ'ቲ ክርከብ ዝኽእል ገንዘባዊ መኽሰብ እዩ። ብድሕሪኡ ዝመጽእ ብመንግስቲ ይዅን ሕብረተሰብ ውሕስነት ከምዘለዎ ምርግጋጽ እዩ።

ኣብ ትግራይ፡ ድሕሪ'ቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ብዙሓት ሰብ ሃብቲ ንብረቶም ሸይጦም ክወጽኡ እምበር ምትእምማን ተሰሚዑዎም ሃብቶም ከውፍሩ ዳርጋ ኣይተራእዩን።

ዛንታ መርጌታ ተኽላይ ግን ብኣንጻሩ እዩ፤ ነዚ ውሁብ ኵነታት ሰጊሩ ኣብታ ታተ ኢሉ ዝዓበየላን ብ 2500 ብር ሓራጅ ክዳውንቲ ሸይጡ እግሪ ዝተኸለላን ትውልዲ ዓዱ ሽረ እንዳስላሰ ዓብይ ሆስፒታል ሃኒጹ ንኣገልግሎት ኣብቂዑ።

መሪጌታ ተኽላይ ኣረፈ፡ ስድራቤታዊ ኵነታቱ ኣተዓባብያኡን ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሕ ዝሓለፎ መሰናኽላት ህይወትን ተመኵሮን፡ ብሓፈሻ ዘደንቕ፡ ምንቕቓሕን ድርኺት ዝፈጥር ጕዕዞኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ'ሎ።

ቈልዓ መጽብዓ

መርጌታ ተኽላይ ጥቓ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ እትርከብ ጣብያ ዓዲ ግዳድ ቁሸት ዓዲ ሓርሻይ’ዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ወላዲቱ ቅድመኡ ዝወለዳኦም ደቀን ብሰንኪ ንፍዮን ካልኦት ሕማማትን ገና እግሪ ተኽሊ እንከለዉ እናሞቱወን ስለዝተጸገማ ኣብ መረበተን ዓንዲ ኮይኑ ክጥጥዓለን ምእንቲ ‘ተኽላይ’ ኢለን ስም ዘውጽኣሉ ወደን፡ ንቤተ ክርስትያን ብመጽብዓ ሂበንኦ።

“ኣደይ ቅድመይ ዝተወለዱ ኣርባዕተ ኣሕዋተይ ገና እንተይዓበዩ ስለዝሞትዋ ንዓይ ምስጠነሰት ‘ኦ ጎይታይ! እዚ ቈልዓ ንዓኻ ከገልግለካ ናብ ቤተ ክህነት ከረክቦ’የ እሞ ከምቶም ቀዳሞት ደቀይ ብዕሸሉ ከይትቘጽየለይ ሓደራኻ ኣዕብየለይ’ ኢላ ተመጻቢዓ ነይራ” ይብል መርጌታ ተኽላይ።

ክሳዕ 8 ዓመቱ ኣብ ገዛኡ ጠለ በጊዕ ሓልዩ ዘይከምቶም ቀዳሞት ኣሕዋቱ እናሸወተ ምስከደ ዝረኣያ ወላዲቱ ጸሎተን ሰሚሩ፡ ንወደን ተኽላይ ብመሰረት መጽብዐአን ኣብቲ ዓዲ ናብ ዝርከብ ጨርቆስ ቤተ ክርስትያን ኣረኪበናኦ።

ኣመንቲ ክርስትና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንደቆም “ኣባልገ” ማለት እውን ኣብ ክንዲ ወላዲ ኰይኑ ነቲ ብእልግነት ዝሓዞ ህጻን ክሕብሕቦን ክድግፎን ዘግብር እምነት ኣለዎም።

እቲ ብሰንኪ ሞት ኣርባዕተ ደቀን ዝሰንበደ ከብዲ ወላዲቱ “ኮንዶኾን እዚ ወደይ’ውን ዕጻ ኣሕዋቱ ይበጽሖ ይኸውን” ኢለን ብሓውሲ ስስዐ ዝጥምተኦ ተኽላይ ወደን ግን፡ ናይ ሰብ ብእልግነት ዘይኮነስ “ወድኻ ስለዝኾነ ኣልገኡ ባዕልኻ ጨርቆስ ኢኻ” ኢለን ኣረኪበናኦ።

እቲ ወዲ 8 ዓመት ኮይኑ ብመሰረት መጽብዓ ወላዲቱ ናብ ቤተ ክርስትያን ጨርቆስ ኣትዩ ካብ “ሀሁ ሃ ግእዝን ኣቦጊዳን” ዘጽንዐ ተኽላይ፡ ኣብ ሽረ ደብረ ገነት ቤተ ክርስትያን ድማ ክሳብ ቅኔ ተማሂሩ።

ካብታ ሰፈር ቅኔን መበቆል ሊቅ ቅኔታት ቅዱስ ያሬድን ዝዀነት ታሪኻዊት ስፍራ ኣኽሱም ኣስታት 60 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ዓዲ ሓርሻይ ዝተወለደ ሰገን ተኽላይ ኣረፈ፡ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ቀልጢፉ ስለዝመለኸ ንዝበለጸ ትምህርቲ ናብ ጎንደር ክኸይድ ኣንቀደ።

“ኣብቲ ሽዑ ግዜ ካብ ሽረ ናብ ጎንደር ብነፋሪት ንኽትጓዓዝ 74 ቅርሺ’ዩ ዝነበረ። ኣነ ግን ቈልዓ ስለዝነበርኩ ብ38 ቅርሺ ከፊለ ናብ ጎንደር ከምዝኸድኩ’የ ዝዝክር” ብምባል፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ኵነታት መገሻኡ ዝዝክር መርጌታ ተኽላይ፡ ኣብ ጎንደር ልዕሊ ክልተ ዓመት ናይ ‘ኣቋቋም’ ትምህርቲ ወዲኡ ብ1983 ዓ/ም [ግእዝ] ናብ ሽረ እንዳስላሰ ተመሊሱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከገልግል ጀመረ።

ነገር ቈልዓ መጽብዓ ግዲ ኮይኑ ተወሳኺ ትምህርቲ ክህነት ክመሃር ናብ መቐለ ቤተ ክርስትያን ከሳቴብርሃን ከይዱ ስለዝተመሃረ “መርጌታ ተኽላይ” ኣቢሉ ናብ ዓዱ ተመልሰ።

“ኣብ ቤተ ክርስትያን ቆይመ ከገልግል እንከለኹ ንኣደይ ዝድብሳ ዘለኹ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ ዝነበረ። እንተዀነ ምሉእ ሰብ ንክኸውን ሓደ ነገር ይጐድለኒ ከምዝነበረ ተገንዚበ” ይብል መርጌታ።

እዚ ኵሉ ካብ ሽረ፡ ጎንደር ክሳብ መቐለ ዝቐጸለ ትምህርቲ ቤተ ክህነት ክመሃር እንከሎ፡ ከምቲ ካልኦት ድያቆናት ዝገብርዎ ገዛ ገዛ ኣመንቲ ቤተ ክርስትያን እናኸደ “ምእንተ ማርያም” ኢልካ ምጽዋት ለሚንካ ዶ ትኸውን? ኢልና ሓቲትናዮ ኔርና።

“ኣነ’ኳ ዕድለኛ ቈልዓ ስለዝነበርኩ እቶም ካባይ ዝዓብዩ መምሃርተይ ለሚኖም ይመጽኡ’ሞ ‘ንስኻ ኣይትውጻእ ማይ ጥራሕ ቀዲሒኻ ተጸበየና’ዮም” ዝብሉ ዝነበሩ። ኣብ መቐለ ድማ ሓደ ቤተሰበይ በብወርሑ 50 ኪሎ ግራም ስርናይ ‘ተቘራጺ’ ገይሩለይ ስለዝነበረ ገጽ ሰብ እንተይረኣኹ’የ ተማሂረ” ኢሉና።

‘ሕጸ ምስ ዘይተፈልጣ መርዓት’

ኣብ ትግራይ እቲ ቀደም ቀደም ወለዲ ንንኣሽቱ ደቆም ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ኣብ ዘይዕድመኦም ከመረዓዕዉ ልሙድ’ዩ ዝነበረ።

ብፍላይ ኣብ ሃገረሰብ ድማ ወለዲ ናብ ማሕበሮምን ጸበል ጻዲቕን ከይዶም ስዋ መስተይ ሸሎዃ ዓቲሮም ንጎረሮ መተርከሲ ኣሰር ውሃ ምስጠዓሙ፣ ነንባዕላቶም “ወደይ ንጓልካ፡ ጓለይ ንወድኻ መጽብዓ ትኹነኒ” ዝብል ባህሊ ጸኒሕዎም እዩ።

መርጌታ ተኽላይ’ውን ንሱ ኣብ ዘይተረኸበሉ ውራይ ወላዲኡ “ወደይ ንጓልካ” ኢሎም መጽብዓ ኣትዮም ስለዝተመለሱ፡ ወዲ 12 ዓመት ኰይኑ ነታ ርእይዋ ዘይፈልጥ ናይ ሎሚ በዓልቲ ቤቱን ኣደ 5 ደቁን ኣብ 7 ዓመት ዕድመኣ ክሕጸያ ግድን ነበረ።

ወላዲኡ ዝተመጻብዕሉ ሕጽይቲ ከምዘላቶ ዝፈለጠ ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ከምዝነበረ ዝዝክር መርጌታ፡ ደሓር ወዲ 19 ዓመት ምስመልአ “እዚ ወድናስ መገሻ የብዝሕ ስለዘሎ ደጊም መእሰሪ ንግበረሉ” ኢሎም ኣብ መበል 19 ዓመት ዕድመኡ ምስታ ዘይፈልጣ ዝነበረ ሕጽይቱ ጓል 15 ዓመት ምስኮነት ብሕገ ቤተ ክርስትያን ቃልኪዳን ኣሲሮም።

ሎሚ ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ ኰይኑ በዅሪ ጓሉ’ውን ሓዳር ገይራ ኣደ ክልተ ቈልዑ ስለዝዀነት ኣቦሓጎ ንምዃን በቒዑ።

“ንፈጣሪ ለይቲ ለይቲ እየ ዘገልግሎ። ቀትሪ ቀትሪ ክልተ ብክልተ ሜትሮ ስፍሓት ኣብ ዘለዋ ድኳን መሸጢ ልባስ ክዳዉንቲ ክሸይጥ እውዕል እሞ ምሸት ምሸት ድማ እታ ትጎድለኒ ናይ ኣስኳላ ትምህርቲ ክመሃር ጀሚረ” ይብል።

24 ሰዓት ምሉእ ንንግዳዊ ስራሕ፡ ትምህርቲ ኣስኳላን ኣገልግሎት ቤተ ክህነትን መቓቒሉ ክጥቀመሉ ከምዝጀመረ ድማ የዘንቱ።

“ኣነ ስዋ ኣይሰትን መስተ ኣይሰማምዐንን” ዝብል መርጌታ ተኽላይ፡ “እቲ ናይ ቤተ ክህነት ምሁሮ ስለዝነበረኒ ኣብ ክልተ ዓመት ሻውዓይ ክፍሊ እየ በጺሐ” ኢሉ።

'ሆስፒታል ዶክመር' ዝወለዳ 2500 ቅርሺ

ካብ ሽረ እንዳስላሰ ናብ ኣዲስ ኣበባ 3 መዓልቲ ተጓዒዙ ልባስ ክዳውንቲ እናምጽአ ብምሻጥ ንግዲ ከምዝጀመረ ዝዝክር መርጌታ፡ ካብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ብዝተለቅሐን 2500 ብር ቀስ ብቐስ ናብ ስራሕ ሆቴልን መሸጣ ወርቅን ተሰጋጊሩ።

እታ ብናይ ኣጋ ወጋሕታ “ሃሌ” ዝብል ናይ ቅዳሴ ድምጺ ጥራይ እትፈልጦ ዝነበረት ከተማ ብናይ ንግዲ ስርሑ’ውን ዝናኡ ክትሰምዕ ጀሚራ።

መርጌታ ተኽላይ ካብ መሸጢ ክዳውንቲ እንዳ ሓራጅ ናብ ሆቴል፤ ካብ ሆቴል ድማ ናብ ስርሓት ወርቂ ተሰጋጊሩ።

ናብ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብጠቕላላ ክሳዕ 2 ኩንታል ወርቂ ከምዘረከበ ዝገልጽ መርጌታ፡ ደሓር ግን እታ እግሪ ኣትኪላ ትምህርቲ ቅኔ ተቐንዩላን ሃብታም ዝገበረቶን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሓዲጉ ክወጽእ ዘገድድ ኵነታት ኣጓኒፍዎ።

ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ "መርጌታ ተኽላይ ዓመታዊ ግብሪ 6 ሚልዮን ክኸፍል ኣለዎ” ስለዝበሉ፡ “ልዕሊ ዓቕመይ እዩ እሞ ዝዓቕመይ ግብሪ በይኑለይ እንተበልኩዎም ሰማዒ ስኢነ ዝፈትዋ ዓደይ ገዲፈ ንብረተይ ሸያይጠ ምስ ስድራይ ኣዲስ ኣበባ ኣትየ” ይብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን እንተዀነ ተመኵሮ ንግዲ ስለዝነበሮ ቡን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ወጻኢ ሃገራት ይልእኽ፤ ናብ ኢትዮጵያ ድማ ኣሉሚኒየም ከእቱ ከምዝጀመረ ይዛረብ።

ንሒደት ዓማውቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍቓድ ምምጻእን ምልኣኽን ኣውጺኡ ጽቡቕ እናተንቀሳቐሰ እንከሎ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልእ ጸገም ተፈጢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ግዳይ ማእሰርቲ ክዀኑ ስለዝጀመሩ መርጌታ ተኽላይ ካብ ሽረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰደዶ ከይኣኽሎ እንደገና ዝጀመሮ ስራሕ ኣወንዚፉ ስድራኡ ጠርኒፉ ናብ ዱባይ ተሰዲዱ።

ናብ ዕድል ዝተቐየረ ናብራ ስደት

ኣብ ዱባይ ምስ ደቁን ደቂ ደቁን ተሰዲዱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተቐመጠ መርጌታ ተኽላይ፡ ሓደ መዓልቲ ምስ ሓደ ከምዚ ከማኡ ዝበለ ስደተኛ ሓኪም ክፋለጥ ዕድል ረኺቡ።

“ሓደ መዓልቲ ኣብ ታክሲ ደይብና እናኸድና ኣነ ኣብ ድሕሪት ሓደ ትግራዋይ ምዃኑ ዘይፈለጥኩዎ ድማ ኣብ ቅድሚት ኴንና ብኣምሓርኛ እናውጋዕና ጕዕዞና ቀጺልና። በዓል ታክሲ ተወላዲ ኣምሓራ እዩ ነይሩ። ካብኡ ንደሓር ‘ደስ እንዲለኝ በትግርኛ ብታወሩ’ ይብለና እሞ ቆላሕ ተበሃሂልና ብትግርኛ ሰላምታ ተለዋዊጥና ቀጺልና”

እቲ ወዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓብይ ናይ ሕክምና ማእከል ዘለዎን ብሰንኪ እቲ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዝነበረ ማእሰርትን ከም መርጌታ ናብ ዱባይ ዝተሰደደ ዶ/ር ስምኦን ዝበሃል ሓኪም’ዩ።

ወላዲቱ ሰኣን ሕክምና ኣርባዕተ ደቃ ብምስኣና ኣብ ገጻ ዝንበብ ዝነበረ ፍርሕን ህርፋን ቈልዑትን ከም ተሓግ ኣብ ኣእምሮኡ ሰሪጹ ዝተረፈ እህህታ ክዝክር እንከሎ ሓደ መዓልቲ ነብሰ ጾር ኣደታት ቅድምን ድሕርን ወሊድ ተመርሚረን ‘ዒሕ’ ኢለን ዝወለዳኦም ቈልዑ ስዒመን ንዓቕመ ኣዳም ከብጽሓ ዘኽእል ማእከል ሕክምና ክሰርሕ ይሓስብ ስለዝነበረ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይንሉ።

ኲናት ትግራይ ኣብቂዑ ኣብ ጽባሕ ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ናይ ሎሚ መሻርኽቱ ዶ/ር ስምኦን ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ሕጂ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ተኺሎሞ ዘለዉ ሆስፒታል ዶክመር ዘትዮም።

ሆስፒታል ዶክመር ውጽኢት ‘እህህታ ኣደ መርጌታ’

“ዶክመር ማለት ‘ዶክ’ ዶክተር ዝብል ስያመ መሻርኽተይ ወሲድና ‘መር’ ማለት ድማ ንዓይ ዝውክል ኮይኑ መርጌታ ማለት እዩ ዝበለ መርጌታ ተኽላይ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣስታት 80 ሚልዮን ብር ዝወድአ ናውቲ ሕክምና ኣእቲናን ዘይተወድአ ህንጻ እቲ ሆስፒታል ብቕልጡፍ ዛዚምናን ናብ ስራሕ ኣቲና” ኢሉ።

ሆስፒታል ዶክመር ስራሕ ካብ ዝጅምር ኣስታት 10 ወርሒ ዘቝጸረ ኰይኑ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ እኒ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቑ።

ዶክመር ሆስፒታል 8 ስፔሻሊስት ዶካትር ዘጠቓለለ 45 ሰራሕተኛታት ሕክምና ሒዙ ስራሕ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ሓደ ሆስፒታል ከማልኦም ዝግባእ ኣገልግሎታት ይህብ ኣሎ።

ብፍላይ ነበርቲ ዞባታት ምዕራብ፡ ሰሜን ምዕራብን ማእከላይን ትግራይ ኣገልግሎት ሲቲ ስካን ንምርካብ እንኮ ኣማራጺኦም ናብ መቐለ ኬድካ ኣገልግሎት ምርካብ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ መርጌታ፡ “ሓደ ሰብ ናብ መቐለ ከይዱ ውጽኢት ስካን ንኸስርሕ እንተወሓደ ምስኡ ክልተ ሰባት ይጕዓዙ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ መቐለ ክሳዕ ዝበጽሑ ህይወቶም ናይ ምስኣን ተኽእሎታት ኣሎ። ስለዚ ዶክመር እዚታት እዩ ኣቕሊሉ ዘሎ” ይብል።

ሆስፒታሎም ብሰንኪ እቲ ኲናት ናይ ዝዓነዋ ሆስፒታላት ተኪኡ ጥራይ ዘይኰነስ ዘመናዊ መሳርሕታት ሕክምና ኣተኣታትዩ ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት ምሃብ ብምጅማሩ፡ ታሕጓስ መርጌታ ተኽላይ ወሰን ከምዘይብሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ተዛሪቡ።

እቲ ሆስፒታል ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ዓቕሚ ሓፍ ኣቢልካ ናብ ደረጃ መወከሲ ሆስፒታል ንምዕባይ ዘኽእል ሰርሓት ይቕጽል ከምዘሎ’ውን ተዛሪቡ።

ወላዲት መርጌታ ኣርባዕተ ደቃ ሰኣን ሕክምና ብንፍዮን ዓባይ ሰዓልን ክሞቱ ርእያ ንውሉዳ ህጻን ተኽላይ ክዓብየላ ምእንቲ ንፈጣሪኣ “ኣገልጋሊኻ ክኸውን’ዩ እሞ ኣይትውሰዶ ኣዕቢየለይ” ኢላ ተመጻቢዓ።

መጽብዕኣ ሰሚሩ ሎሚ መርጌታ ተኽላይ ከምቲ ወላዲቱ ዝሓለፍኦ ዘይኮነስ 9 ወርሒ ጠኒሰን ዝወለዳኦም ቈልዑት ብንፍዮን ዓባይ ሰዓልን ከይምንጠላ ዝከላኸል ሆስፒታል ኣጣይሹ ደቀን ንኽስዕማ ስለዘብቀዐ “ሓዘን ወላዲተይ ዝደበስኩ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ” ይብል።