ዝምባብወ፡ ብሰንኪ ዝቕባበ ወርቂ ሳንቲም ክትጥቀም ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማእከላይ ባንክ ዝምባብወ፡ ብሰንኪ ምንቍልቋል መግዝኢ ዋጋ ገንዘብ እታ ሃገር እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ዝቕባበን ንምግታእ ወርቂ ሳናቲም ሓቲሙ።
ነፍሲ ወከፍ ወርቂ ሳንቲም፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ክሕተም ዝተገብረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዋጋ ሓንቲ ሳንቲም 1.724 ዶላር ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
እዚ ሳንቲም፡ “ዘንጐድጕድ ትኪ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ "Mosi-oa-Tunya” ዝብል ሽም ዝተዋህቦ ኰይኑ፣ እዚ ነቲ ኣብ መንጐ ዶባት ዝምባብወን ዛምቢያን ዘሎ መንጫሕጫዕታ ቪክቶሪያ ዝውክል እዩ።
ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ ልዕሊ 190 ሚእታዊት ምስ ደየበ፡ መጠን ወለድ እቲ ባንክ ብልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣብዚ ወርሒ ናብ 200 ሚእታዊት ዓብዩ።
ኣብዚ ዓመት፡ ዋጋ ዶላር ዝምባብወ ኣዝዩ ወዲቑ’ዩ።
እታ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሮበርት ሙጋበ እንከላ፡ ሓያል ቍጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ምንባሩ ይዝከር።
ልዕሊ ዓቐን ዝቕባበ፡ ኣብ 2009 ባጤራ ዝምባብወ ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ከም ዝኸውን ክገብሮ እንከሎ፡ እታ ሃገር፡ ኣብ ዕዳጋኣ ባጤራ ወጻኢ [ብቐንዱ ዶላር ኣመሪካ] ናብ ምጥቃም ኣትያ ነይራ።
ኣብዚ ዝኸፍአ ቅልውላው ዝተራእየሉ ግዜ፡ መንግስቲ ወግዓዊ ሓበሬታ መጠን ዝቕባበ ዋጋ እታ ሃገር ምግላጽ ደው ኣቢሉ።
እንተዀነ፡ ኣብ መፋርቕ ሕዳር 2008 እቲ ዝቕባበ ዋጋ 89.7 ሴክስቲልየን [sextillion] ሚእታዊት ኣብ ዓመት ከም ዝነበረ ይግምገም።
ኣብቲ ግዜ፡ ሓደ ሚእቲ ቢልዮን ዶላር ዝምባብወ፡ ኣርማ ቍጠባዊ ውድቀት እታ ሃገር ተገይሩ ይቝጸር ነይሩ።
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ባጤራ ዝምባብወ ዳግም ኣብ ጥቕሚ ክውዕል'ኳ እንተተገብረ፡ መሊሱ ግን ዋጋኡ ብናህሪ ክጐድል ተራእዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







