ሸዊት ቢተው፡ ስድራኡን ኣብ ማእሰርቱ ዝረኣየቶ ሓፍቱን እንታይ ይብሉ?

ኣባል ወተሃደራዊ ኮማንድ ኣብ ክልል ዓፋር ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ዝነበረ ሸዊት ቢተው፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተኣሲሩ ከምዝርከብን ኣብ ዓቢይ ሻቕሎት ከምዝርከቡን ኣባላት ስድራኡ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረጋጊፆም።

እዞም ዕጡቓት ንህወሓትን ምስቲ ውድብ ዝወገኑን 'ኮርን -ልዕሊ ኮርን' ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ብምቅዋም፡ ብረት ከም ዘልዓሉ ኣብ ወሰናንስን ከባቢታት ክልላት ትግራይ ዓፋርን ከምዝንቀሳቐሱ እዩ ዝግለፅ።

እቶም ንባዕሎም 'ሓይልታት ሰላም ትግራይ'፡ ኢሎም ዝፅውዑ ዕጡቓት፡ ኣብ ከባቢታት ዞባ ደቡብን፡ ዞባ ደቡብ ምብራቕን፡ ክልተ ሰለስተ ግዜ ምስ ኣባላት ፀጥታ ሓይልታት ትግራይ ከምዝተጋጨው ፀብፃባት ይሕብሩ።

ካብ ላዕለዎት መናእሰያት ኣመራርሓ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ሓደ ከምዝዀነ ዝንገረሉ ሸዊት ቢተውን ምስ ካልኦት 25 ኣባላት፡ "ብኽሕደትን ነቲ ጕጅለ ከፍርስ ገንዘብ ተቐቢሉ" ብዝብልን ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ከምዘለዉ፡ እቶም ዕጡቓት ክገልፁ ተሰሚዖም እዮም።

እንተዀነ፡ ብዛዕባ ዝቐረበሎም ክሲ ዝገልጽ ዕላዊ ፀብፃብ ይዅን ኵነታት ማእሰርቶም ብዝምልከት ዛጊት ዝፍለጥ ነገር ኣይነበረን።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ እዚ ኣዘራረቢ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ንብዙሓት ዝምልከቶምን ኣስማቶም ዝለዓልን ሰባት ከዛራረብ ፈቲኑ፣ ኣብ መወዳእታ ካብ ሓፍቱን ወላዲኡን ሓበሬታ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።

ሓፍቲ ሸዊት፡ ራሄል ቢተው እንታይ ትብል

ራሄል፡ ሓዋ ሸዊት ካብ ሰመራ ሸውዓተ ኪሎሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዱብቲ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ከተማ ዓፋር፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ተኣሲሩ ከምዝርከብን ትገልጽ'ሞ፤ ካልኦት ሽድሽተ ኣብ ሰመራ፡ ሓደ ካብ ኵሎም ዝዓበየ ድማ ንበይኑ ኣሲሮሞ ከምዘለዉን ዝተረፉ 13 ድማ ናብ ኣሃዱኦም ከምዝመለሱዎምን ንዝሰምዓቶ ሓበሬታ ምርኩስ ገይራ ትዛረብ።

ንሳ ክሳብ ናብቲ ከባቢ ብኣካል ምኻዳ፡ "ሓንሳብ ተቐቲሉ፤ ሓንሳብ ተኣሲሩ ካልእ ግዜ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲዱ" ዝብሉ ወረታት ከምዝነበረን፡ ኣባላት ቤተሰብ ኣብ ጭንቅን ሓሳብን ኣትዮም ከምዝነበሩን ወሲኻ ተዛሪባ።

"እቶም ይምልከቶም እዩ ኢልና፡ ዝሓሰብናዮም ሰባት እንትንሓቶም፡ 'ኣነ ኣይፈልጥን፡ ኣነ ኣይፈልጥን' እዮም ዝብሉ" ዝበለት ራሄል፡ ኣብ መወዳእታ ዓቢይ ሓዋ ኣበይ ተኣሲሩ ከምዘሎ ክትፈልጥ ከምዝኸኣለት ትዛረብ።

"ኣብ መወዳእታ ግን፡ መንንቶም ዘይገልፁ ገለ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ዝርከበሉ ሓበሬታ ምዝራብ ጀሚሮም፡ ኣነ ድማ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ'ዚ ዓመት [ባሕቲ መስከረም] ናብ ዓፋር ከይደ፤ ኣብ ዱብቲ ከይደ ረኺበዮ፡" ትብል።

ሸዊት ካብቲ ተቐይዱሉ ዝበሃል ነሓሰ ዓሰርተ [ግእዝ] ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ [መስከረም 6] ኣስታት ሓደ ወርሒ ተኣሲሩ፤ብዘይካኣ ዛጊት ዝሓተቶ ሰብ ከምዘየለ እያ ትዛረብ።

"ኣነ'ውን ብሰብ ብሰብ እየ ኣትየዮ'ምበር፡ ናብቲ ከባቢ ሰብ ክኣቱ ኣይፍቀድን ነይሩ፡" ትብል።

ራሄል፡ "ሓውኺ፡ ኣብ ከመይ ኵነታት ረኺብክዮ?" ንዝብል ሕቶ፡"ኣዝዩ ተጐሳቚሉ እዩ ነይሩ - ተስፋ ዝቘረፀ ይመስል፤ ኣጋጣሚ ዀይኑ ኣብቲ ዝኸድክሉ እዋን ድማ ምግቢ ካብ ዝሕሰሙ ሸውዓተ መዓልቲ ገይሮም ነይሮም፤ 'ኣሳሪና ኣይንፈልጥን ፣ ስለምንታይ ከምዝተኣሰርና ድማ ኣይንፈልጥን፣ ምግቢ ኣይንደልን ዝዀነ ነገር ድማ ኣይንደልን' ኢሎም እዮም መግቢ ተሓሲሞም" ኢላ።

እቲ ቦታ፡ 'ተንዳሆ' ዝበሃል ፋብሪካ ሽኮር ዝርከበሉ ዀይኑ፡ ሰብ ዝበሃል'ውን ከምዘይብሉን፡ መዓስክር ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝዀነን ትዛረብ።

"ኣብኡ ዘለዉ ሽዱሽተ እዮም፡ ሰሰለስተ ኣብ ክልተ ክፍሊ እዮም ዘለዉ፡ ሰብ ኣይኣቱን ኣይወፅእን፤ ውሱን ዝዀነ ምንቅስቓስ እዩ ዘለዎም፡" ብምባል ንዅነታቶም ተረድእ።

ምስ ረኣየኪ እንታይ ኢሉ?

"ምንም 'ንስኺ ንገርኒ' እዩ ኢሉኒ፤ ዝዀነ መረዳእታ የብሉን፤ 'ንምንታይ ኢና ተኣሲርና እንታይ እዩ ጥፍኣትና' ዝበሃል ዘሎ ኣፍልጡና፤ ንቢተው [ኣቦኡ] ድማ ንገርዮ፤ ንመሓዙቱ ደዊሉ ክሓትት ግበሪ ኢሉኒ።"

ንሳ ከም እትብሎ፡ ጥፍኣት እንተለዎ እውን ብጥፍኣቱ ክቕፃዕ ወይ ድማ ክማጐት ከምዝደሊ ይዛረብ።

"ጥፍኣት እንተለና ብጥፍኣትና ንተሓትት፤ እንተዘይኰይኑ ስለምንታይ ዘይፈትሑና" ኢሉ ከምዝተዛረባ፤ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪባ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢታት ዓፋር ዘሎ ምንቅስቓስ ከፍርስ ገንዘብ ተቐቢሉ - ኢሎም ዝኸስዎ ዘለዉ፤

"እዚታት ኣልዒልክሉ ዶ ነይርኪ" ብዝብል ንዘቕረብናላ ሕቶ፡

ራሄል፡ ንሱ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ከምዝዘራረብ ትፈልጥ ምንባራ እንተዀነ፡ "ገንዘብ ክቕበል ስ ይትረፍ፡ ካብ ጅቡኡ እናውፀአ ነቲ ዕጡቕ ኣብ ዝጐደለ ይመልእ ነይሩ" ትብል።

"እዚ'ውን ኣነ ኣይቅበሎን ነይረ፤ 'ግደፍ' እብሎ ነይረ፤ ግን ድማ 'ምሳይ ዝወፁ ብፆት እዮም እዚኦም ክንተሓጋገዝ ግዴታ ኣለኒ'- እዩ ዝብለኒ፤ ካብ ዝዀነ ዝወሰዶ ቅርሺ ግን የለን፤ መረዳእታ እንተለኩም ክሰሱ ኢልናዮም ኢና - ዛጊድ ዝኸሰሰ ሰብ የለን" ኢላ።

ንሱ'ውን እንተዀነ መእሰሪኡ ምኽንያቱ ከም ዘይፍልጥን፡ እቲ ገንዘብ ወሲዱ ገለ ዝብል፡ንዕኡ ንምጥቃዕ ሰበብ ከምዝዀነን እዩ ገሊፁላ።

ኣብ ሞባይሉ ዝዀነ ነገር እንተሎ ድማ ከፊቶም ንኽፍትሹ፡ ናይ ምስጢር- ቃል [ፓስዎርድ] ክህብ ፍቓደኛ ምዃኑን፤ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ ስልኩ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝርከብን ራሄል ትዛረብ።

ወላዲኡ ኣቶ ቢተው በላይ ከ እንታይ ይብል?

ራሄል ወላዲኣ ኣቶ ቢተው በላይ ብሰንኪ ዝገጠሞ ፅኑዕ ሕማም ኣብ ቀረባ እዋን መብጣሕቲ ከምዝገበረን፡ ማእሰርቲ ዝፈትዎ ወዱ ሸዊት ተወሳኺ ጭንቀት ከምዝፈጠረሉን ትዛረብ።

ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ ብዛዕባ ኵነታት ውላዱ ኣፍልጦ እንተለዎ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ሕቶ ዘቕረብናሉ ኣቶ ቢተው በላይ፡ ብፅሑፍ ምላሽ ዝሰደደልና ዀይኑ፡ ምስ ሓለፍቲ ሰራዊት ምክልኻልን፡ ኣብ ዓፋር ዝርከቡ ዕጡቓትን ንምዝርራብ ከምዝፈተነ ገሊፁልና።

"ካብ ክልቲኦም ወገናት ንገሊኦም ሓለፍቲ ከዛርብ ፈቲነ ነይረ፤ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ፡ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ፡ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ኣይረኸብኩን" ኢሉ።

እንተዀነ፡ሸዊት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ፡ ብትእዛዝ መራሒ እቲ ምንቅስቐስ ከምዝዀነ ዝንገረሉ ጀነራል ገ/ሄር በየነ [ወዲ ኣንጥሩ] ን ካልኦት ሓለፍትን ዝርከብሉ ኮሚቴ ከምዝዀነ ከምዝተረድአ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊፁ።

"እዞም ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎም መራሕቲ ወለዲ እዮም፤ ሕዚ ኣሲሮሞዎም ዘለዉ ደቆም ወይ ድማ ደቂ ደቆም እዮም፤ ከም ወለዲ ነቲ ኵነታት ብትዕግስቲ ክፈትሕዎ ይግባእ ነይሩ፤ ሕዚ'ውን እቲ ጉዳይ ናብ ዝኸፍአን ዝሓመቐን ኵነታት እንከይበፅሐ ክፈትሑዎ ይግባእ እብል።"

ወሲኹ ድማ፡ እዞም መናእሰይ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ጐድኖም ተሰሊፎም ዋጋ ዝኸፈሉ ምዃኖም ድማ ኣዘኻኺሩ።

"ብዘይ ምንም ክሲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ምእሳር ገበን እዩ።"

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ጉዳይ ማእሰርቲ ሸዊት ቢተው፡ ካብ ወዲ ኣንጥሩ ምላሽ ንምርካብ ፈቲኑ፤ እቲ ጀነራል ፍቓደኛ ከይኰነ ተሪፉ። ካብ ካልኦት ተወሳኺሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ድማ ኣይሰመረን።

ሸዊት ቢተው መን'ዩ? ወላዲኡ ቢተው በላይ ከ?

ሸዊት ቢተው፡ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፡ ካብ ኣሜሪካ ካሊፎርንያ ናብ ትግራይ ኣትዩ፡ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተፀንቢሩ፣ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሰሊፉ ኣብቲ ኣሸሓት ዝበልዐ ደማዊ ኲናት ዝተሳተፈ እዩ።

ናብ ሓይልታት ትግራይ ምስ ተፀንበረ፡ ኣብ ኣጋር ሰራዊት ኣብ ሬጅመንት ሞርታርን ድሽቃን ተመዲቡ፡ ክሳብ ሻለቃ ኣመራርሓ፣ ኮርን ሓላፊ ዓቕሚ ህንጸትን'ውን በፂሑ ምንባሩ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ሸዊት፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ 11 መጋቢት 2023 ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ስለዝዀነ እየ ክቃለስ መፂአ" ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ወላዲ ሸዊት - ኣቶ ቢተው በላይ፡ ነባር ተጋዳላይን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዝነበረ፣ ድሕሪ ምግማዕ ህወሓት 1993 ዓ.ም [ግ] ፡ ንኣስታት 5 ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣሕለፈ፡ ካብቲ ውድብን ካብ ፖለቲካን ርሒቝ ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ዝነጥፍ እዩ።