እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሕማም ሽኮር ዝተሓሰቡ መድሓኒታት ክብደት ሰብነት ንምንካይ ይውዕሉ ኣለዉ ድዮም?
ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ዘለዉ መልእኽትታት፡ ንሕማም ሽኮር ዝተሓሰቡ መድሓኒታት ክብደት ሰብነት ንምንካይ ከም ዝሕግዙ የመልክቱ።
ስለዝዀነ ድማ ሕማም ሽኮር ዘይብሎም ሰባት ከይተረፈ ነዞም መድሓኒታት ብምውሳድ ክብደቶም ንምንካይ ይጥቀሙሎም ኣለዉ።
እዞም መጀመርታ ከም መድሓኒት ሕማም ሽኮር ዝተሓሰቡ ፍርያት፡ ከም መሳርሒ ምንካይ ክብደት ሰብነት ተፈታውነት ምርካቦም ስዒቡ፡ ኣብዞም መድሓኒታት ሕጽረት የጋጥም ከም ዘሎ ድማ ይንገር።
ዶክተር ሄለን ይፍጠር ኣብ ርዋንዳ ሆስፒታል ኪንግ ፋይሰል ከም ሕማም ሽኮር፡ ሕማማት ታይሮይድ፡ መኻንነት፡ ጉዳያት ዕብየት፡ ጸገማት ምምሕያሽ መግቢ ዝኣመሰሉ ሕማምት እትሕክም ክኢላ ወይ ኢንዶክሪኖሎጂስት እያ።
ብሓቂ እዞም መድሓኒታት ክብደት ንምንካይ ይሕግዙ ድዮም ክንብል ተወኪስናያ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንሕማም ሽኮር ዝወሃቡ ዝነበሩ መድሓኒታት፡ "ኣብ ክብደት ንምቕናስ ወይ ብሰንኪ ሽኮር ዝመጽእ ናይ ልብን ኵላሊትን ጸገማት ዝሕግዙ ኣይነበሩን፡" ትብል ዶክተር ሄለን።
ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ዝተጀመሩ መድሓኒታት ግን ንሕማም ሽኮር ተባሂሎም ዝተጀመሩ እኳ እንተዀኑ፡ "ሰባት ክወስድዎም ምስ ጀመሩ፡ ከም ትዕዝብቲ ካብ ምቕናስ ሽኮር ብተወሳኺ ክብደት ክቕንሱ፡" ከም ዝተረኣዩን ብተወሳኺ ትገልጽ።
"ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ሓደ መንቀሊኡ ክብደት እዩ። ክብደት ክውስኽ እንከሎ፡ ሰብነትና ንኢንሱሊን ኣይእዘዝን፤ ሽኮርና እውን ክብ ይብል ማለት እዩ።"
እቶም ሓደሽቲ መድሓኒት ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ክትገልጽ እንከላ ድማ፡ "ሓደ ናይ ምግቢ ሸውሃትና ይቕንስዎ፡ ብዙሕ ኣይንበልዕን። ብዙሕ እንተ ዘይበሊዕና ድማ ክብደትና ይቕንስ ኣሎ። ክብደትና እንተ ቀኒሱ ድማ ሽኮርና፡ ደም በዝሒ፡ ኮለስትሮል ይቕንስ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ከም ተወሳኺ ምቍጽጻር ይኸውን ኣሎ፡" ትብል።
እዞም መጀመርታ ከም መድሓኒት ሕማም ሽኮር ዝተሓሰቡ ፍርያት፡ ከብድና ዝመልአ ኰይኑ ክስማዓና ብምግባር፡ ሸውሃትና ከም ዝቈጻጸርን እዚ ድማ ምጕዳል ኣመጋግባን ክብደት ሰብነትን ከም ዘስዕብ ዶክተር ሄለን ትገልጽ።
ሰባት እንድሕር ሽኮር ዘይብሎምን ክብደት ንምቕናስ ዝሽገሩ ኰይኖምን እዞም መድሓኒታት ወሲዶም ክብደት ክቕንሱ ከም ዝኽእሉ እውን ትዛረብ።
እዞም መድሓኒታት ዋጋኦም ክቡር ስለ ዝዀነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝተደለየ መጠን ከም ዘይርከቡ ትገልጽ ዶክተር ሄለን፡ ሰባት ብኣመጋግባን ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ክብደቶምን መጠን ሽኮሮምን ኣብ ምቍጽጻር ከተኵሩ ትምዕድ።
እዞም መድሓኒታት ብኸመይ ይሰርሑ?
ከም መድሓኒት ሕማም ሽኮር ዝተሓሰቡ ግን ድማ ክብደት ሰብነት ንምንካይ ዝሕግዙ ክልተ ዓይነት ፍርያት ኣብ ዕዳጋ ኣለዉ። ብስም ዌጎቪ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ሴማግሉታይድ ከምኡ'ውን ሞንጃሮ ብዝብል ስም ዝሽየጥ ቲርዘፓታይድ እዮም።
እዞም መድሓኒታት ሰሙናዊ ብመርፍእ ዝውሰዱ ኰይኖም፡ ውልቀሰባት ባዕሎም ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽሞም፡ ሰለፎም ወይ ከብዶም ክውግኡ ይኽእሉ።
ክልቲኦም መድሓኒታት ሰባት ከም ጽጋብ ክስምዖም ዝገብር ሆርሞን ዘገልግሉ ኰይኖም፡ ሸውሃት ዝዓጽዉ እዮም። ብፍላይ ሞንጃሮ ንመተቦሊዝም እውን ብምጽላው ሚዛን ጸዓት ንምቍጽጻር ይሕግዝ እዩ።
ተጠቀምቲ ብሓፈሻ ብትሑት መጠን ይጅምሩ እሞ እዚ ድማ በብቝሩብ እናወሰኹ ይወስድዎም።
እዞም መድሓኒታት ክንደይ ዝኣክል ክብደት ይቕንሱ?
ሰባት ብተለምዶ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ክብደቶም ክቕንሱ ከም ዝጅምሩ ክኢላታት ይገልጹ።
እቲ ናይ መጀመርታ ፈተነታት ሞንጃሮ ዝያዳ ውጽኢታዊ ምዃኑ የመልክቱ።
ን72 ሰሙናት ሞንጃሮ ዝወሰዱ ሰባት ክብደት ሰብነቶም ብ20 ሚእታዊት ክንኪ እንከሎ፡ ወጎቪ ዝወሰዱ ድማ ብ14 ሚእታዊት ክብደቶም ከም ዝንኪ ፈተነታተት የመልክቱ።
ይዅን እምበር፡ ሰባት ነቲ መድሓኒት ምስ ኣቋረጹ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ እቲ ንቡር ሸውሃት መግቢ ስለ ዝምለስ መብዛሕትኡ ክብደት ናብቲ ዝነበሮ ከም ዝምለስ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
እዚ ንኸይፍጠር ድማ ተጠቀምቲ ስሩዕ መርመራታት፡ ደገፍን ምኽርን ክረኽቡ ይምከር።
ጐድናዊ ሳዕቤናት
እቶም ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት ዘጋጥሙ ጐድናዊ ሳዕቤናት ስምዒት ሕማም፡ ተምላስ፡ መንፋሕቲ ከብዲ፡ ድርቀት፡ ውጽኣትን እዮም።
ገለ ሰባት ድማ ጸጕሮም ከም ዝረገፈ ይሕብሩ።
ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት እቶም ጐናዊ ሳዕቤናት ክመሓደሩ ዝኽእሉን ምስ ግዜ ዝንክዩን እዮም።
እንተዀነ፡ ገለ ሰባት ብሰንኪ እዞም ጐድናዊ ሳዕቤናት ነቶም መድሓኒታት ምውሳድ ከም ዘቋረጽዎ ይዛረቡ።
እቶም መድሓኒታት ብዘይግቡእ ኣብ ጥቕሚ እንተ ውዒሎም ሓደጋታት ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት የጠንቅቑ። ንኣብነት፡ ውሑዳት ኪሎግራማት ንምጕዳል ከም ቅልጡፍ መፍትሒ ክውሰዱ ኣይግባእን።
ሳሕቲ ዘጋጥሙ ከቢድ ጐናዊ ሳዕቤናት ድማ ጸገማት ሽንቲ ሓሞትን ኵሊትን ከምኡ'ውን ጭንቀት ይርከብዎም።