ሓንቲ ሰበይቲ ዝተጠርጠረትሉ መጥቃዕቲ ካራ ጀርመን

ኣብ ጀርመን ከተማ ሃምቡርግ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ መደበር ባቡር ብካራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓያሎ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጕዳእቲ ከም ዝበጽሖም ፖሊስ ገሊጹ።

ፖሊስ ሃምቡርግ፡ ብዓርቢ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 18:00 (16:00 GMT) ኣብ ማእከላይ መደበር ሰሜናዊት ከተማ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ንሓንቲ ጓል 39 ዓመት ጀርመናዊት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።

እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ትርከብ ኰይና፡ ንሎሚ ቀዳም ኣብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ትጽቢት ይግበር።

ፖሊስ ሃምቡርግ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓያሎ ዝተጐድኡ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጕዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ መደብር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ጥርጥርቲ በይና ከም ዝተዋስአትን፡ እቲ ፍጻመ ዝዀነ "ፖለቲካዊ ድራኸ፡" ኣለዎ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ ገሊጹ።

ወሃቢት-ቃል ፖሊስ ፍሎርያን ኣበንሰት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እኳ ደኣ ኣብ ናይ "ስነኣእምሮ ጭንቀት፡" ክትህሉ ከም እትኽእል ሓቢራ።

ፖሊስ ወሲኹ፡ ክፍሊ ቅትለት ፖሊስ፡ ነቲ ፍጻመ ከምኡ'ውን ድራኸ ናይታ ጥርጥርቲ ይምርምር ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መስመር ብብዝሒ ጽዑቕ ሰብ ዝሓልፈሉ ቀንዲ ጽርግያ ኣብ ዝራኸበሉ እዩ ኣጋጢሙ።

ገለ ካብቶም ግዳያት ኣብ ውሽጢ ባቡራት ከም ዝተሓከሙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ዘሰንብድ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዝግበር ዘሎ ህጹጽ ኣገልግሎት ሓገዝ ኣመስጊኑ።

ጀርመናዊ ትካል ባቡር ዶቸ ባን፡ ኣብቲ ጣብያ ዝርከቡ ኣርባዕተ መስመራት ከም ዝተዓጽዉን ገለ ኣገልግሎታት ምድንጓይን ምዝንባልን ከም ዘጋጥሞምን ገሊጹ።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ኣሳእል፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ህጹጽ ኣገልግሎትን መካይንን ነቶም ዝተጐድኡ ካብ ህዝቢ ክኸውሉን ክጋርዱን ይረኣዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እታ ጥርጥርቲ ኣእዳዋ ብድሕሪት ኵርንኵሪት ተኣሲራ፡ ኣብ መኪና ፖሊስ ክትወጽእ ከላ የርኢ።

ማእከላይ መደበር ባቡር-ሃምቡርግ ሓደ ካብቶም ዕሙራት ማእከላት መጓዓዝያ ጀርመን ኰይኑ፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 550,000 ተጓዓዝቲ ከም ዘተኣናግድ መርበብ ሓበሬታኡ ይሕብር።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ጽቕጥቅጥ ዝበዝሖ ሰዓት እዩ።

እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ጀርመን ካብ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ዳሕረዋይ እዩ።

ኣብ ጥሪ ኣብ ሓደ መናፈሻ ብዝተፈጸመ ብኻራ ወዲ ክልተ ዓመት ህጻንን ወዲ 41 ዓመትን ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሓያሎ ድማ ቈሲሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ማግደበርግ፡ ኣብ እዋን ልደት (ክሪስማስ) ሓንቲ መኪና ናብ እኩብ ህዝቢ ብምእታዋ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣማኢት ድማ ቈሲሎም።

ኣብዞም ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝተጠርጠሩ ስደተኛታት ኰይኖም፡ እዚ ድማ ጀርመን ምቍጽጻር ዶባት ከተጽንዕ ደሪኹዋ ይርከብ።