እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ካልኣይቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ጠፊኣ
ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ መዓልታት ጥራይ ንኻልኣይ ግዜ፡ ካብ ዩኤስኤስ ሃሪ ኤስ ትሩማን ዝተባህለት መርከብ- ነፈርቲ ወግእ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተንሳፊፋ ከምዝጠፍአት ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም።
እታ F/A-18F ሱፐር ሆርኔት፡ ብዝብል እትፍለጥ ነፋሪት ውግእ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ መርከብ-ትሩማን ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን፡ ካብ ቁፅፅር ወጻኢ ዀይና ነቲ ሓደጋ ከምዝተቓለዐት፡ ሓደ በዓል ስልጣን ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ንዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ገሊጹ።
ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝነበሩ ክልተ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ብህይወት ዝተረፉ ዀይኖም፡ ካብቲ ሐደጋ ቀሊል መጕዳእቲ በጺሕዎም ተባሂሉ።
እተን፡ ኣብ ባሕሪ ቀይሕ ባሕሪ ጠፊአን ዘለዋ ነፈርቲ ውግእ፡ ነፍሲ ወከፈን ኣስታት 67 ሚልዮን ዶላር (50 ሚልዮን ፓውንድ) ከምዝግመታ ይፍለጥ።
እቲ በዓል ስልጣን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ክልቲኦም ኣብረርቲ ብሰላም ወጺኦም፡ ንስርሓት ምድሓን ሓደጋታት ብዝተመደበት ሄሊኮፕተር ድማ ድሒኖም።"
እዚ ፍጻመ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰኑይ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ፡ ካልእ ነፋሪት ውግእ- 'ሱፐር ሆርነት'፡ ናብቲ ባሕሪ ተንሳፊፋ ኣትያ ድሕሪ ምጥፋኣ ዘጋጥም ዘሎ እዩ።
ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ፡ "እታ ነፋሪት ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ እቶም ኣብረርቲ ቅድሚ ምዃና፡ ኣብ መዕረፊ መስመር-ሃንጋር-ቤይ እያ ትሽክርከር ነይራ" ይብል።
እዚ ምስ ኰነ፡ ኣብ እዋን ንጥፈታት ስራሕቲ ምድሓን፡ ሓደ ባሕረኛ ቀሊል መጕዳእቲ ዝወረዶ ኰይኑ፡ ካልእ ነታ ነፋሪት ክትጐትት ትፍትን ዝነበረት ትራክተር እውን ናብቲ ማይ ተሰሒባ ኣትያ ተባሂሉ።
ኣብቲ ንኻልኣይ ግዜ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሰበስልጣን ኣብ ምቍጽጻር እታ ነፋሪት ጌጋ ከምዝተፈጥረ፣ እዚ ድማ እታ ነፋሪት ክትዓልብ እንከላ ቀስ ኢላ ክትሽክርከር ዝሕግዛ ገመድ ብምብላሻዉ እዩ ይብሉ።
መበገሲ እቲ ሓደጋ ገና ኣብ ምጽራይ ዝርከብ ኰይኑ፡ እታ ነፋሪት ድማ ዛጊት ክትርከብ ኣይከኣለትን።
እንተዀነ፡ እታ መርከብ-ጽዕነት-ነፈርቲ ውግእ፡ ካብ ዕጡቓት ሑቲ ንምህዳም ሃንደበት ስለ ዝተዓጸፈት፡ እታ ጀት ናብ ባሕሪ ክትንሳፈፍ ከምዝተገደደት፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንሲቢኤስ ኣሚቶም።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰሉስ፡ ቅድሚ ሰዓታት ጥራይ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራኽብ ዒላማ ምግባር እንተ ኣቋሪጾም፡ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከተቋርጽ ምዃና ኣፍሊጡ ነይሩ።
መርከብ ትሩማን ኣብ ወፍሪ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓያሎ ፍጻመታት ከምዝተሳተፈት ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ዩኤስኤስ ጌቲስበርግ ብጌጋ ካብታ መራኽብ ጽዕነት እትንቀሳቐስ ዝነበረት ካልእ ኤፍ/ኤ-18 ነፋሪት ውግእ ብምውቃዓ ሓደጋ ስዒቡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ክልቲኦም ኣባላት እታ መርከብ ከምዝደሓኑ ሓበሬታ የመልክት።