እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦስካር 2024፡ ንዓለም እተዛርብ ዘላ ፊልም ኦፕንሃይመር
ኣብ ኢንዳስትሪ ምዝንጋዕ (ኢንተርተይንመንት) ሎሚ እታ ዝዓበየት መዓልቲ እያ። ሆሊውድ መበል 96 ሽልማት ኦስካር ክጽንብል'ዩ።
13 ሕጹያት ዝሓቖፈት ብክሪስቶፈር ኖላን ዝፈረየት ፊልም ኦፐንሃይመር፡ እቲ ሽልማታት ጸራሪጋ ክትወስዶ'ያ ዝብል ልዑል ግምት ኣሎ።
ኦፐንሃይመር፡ ኣብዚ ዓመት እታ ሕሉፍ ዓወታት ዘመዝገበት ፊልም እያ። ስለ ምንታይ ተዛርብ?
ብመንነት ክሪስቶፈር ኖላን ንጀምር።
ንሱ ብሪጣንያዊ-ኣመሪካዊ ሰራሒ ፊልም ኰይኑ፡ ኣብ ሆሊዉድ ከም እቲ ዝዓበየ ሰራሒ ፊልም እዚ ክፍለ ዘመን እዩ።
ኖላን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሞያ-ምስራሕ-ፊልም ዓቢ ሚዛን ስለ ዘለዎ፡ ፊልምታቱ ልዕሊ 6 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዘእተዉ ይንገረሎም።
ሓሙሽተ ናይ ኣካዳሚ፡ ሸሞንተ ናይ ብሪጣንያ ኣካዳሚ ፊልም ሽልማታት ዝተሓጽየ ጐብለል’ውን እዩ።
ብተወሳኺ፡ ንሽዱሽተ ሽልማት ጎልደን ግሎብ ክሕጸ እንከሎ፡ ሓደ ሽልማት ተዓዊቱ ኢዩ።
ኣብ ባፍታ-ኣዎርድ (British Academy Film Awards) ብፊልም ኦፐንሃይመር ብሉጽ ኣላዪ (ዳይረክተር) ኰይኑ ተዓዊቱ’ዩ።
እንሆ ድማ ሕጂ ኦፐንሃይመር ኣብ ኦስካርስ (Oscars) - እቲ ዝዓበየ፡ ኣብ በቨርሊ-ሂልስ (ካሊፎርንያ) ዝካየድ ዓመታዊ ውድድር ሲኖማፎቶግራፊያ - ብ11 ምድባት ተሓጽያ ቀሪባ ኣላ።
እዛ ፊልም’ዚኣ ብዛዕባ እቲ ፍሉጥ ሳይንቲስት ጀይ. ሮበርት ኦፐንሃይመር እያ ተዘንቱ።
ጀይ. ሮበርት ኦፐንሃይመር መን’ዩ?
ኣመሪካዊ ኦፐንሃይመር ሊቅ ፊዚክስ (ክልስ-ሓሳባዊ) እዩ ነይሩ።
ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዳይሬክተር ናይ’ቲ ኣብ ሎስ-ኣላሞስ ዝርከብ ብ‘ማንሃታን ፕሮጀክት’ ዝፍለጥ ሚስጢራዊ ቤተ-ምርምር ኣገልጊሉ።
ሎስ-ኣላሞስ ኣብ ኒው-ሜክሲኮ እትርከብ ቦታ ኰይና ቤተ-ፈተነ ጀይ. ሮበርት ኦፐንሃይመር ነይራ።
ኣብኡ’ዩ ፕሮጀክት ማንሃታን ተኻይዱ።
ፕሮጀክት-ማንሃታን ኣብ ካልኣይ ዉግእ-ዓለም እቲ ቀዳማይ ኒዩክሌራዊ መሳርሒ ንምፍጣር መጽናዕትን ልምዓትን ንምምእካል ብኣሜሪካ ዝተመርሐ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካናዳን ዝተሓወስኦ፡ ኣብ ቤተ-ምርምር ‘ሎስ-ኣላሞስ' ዝተኻየደ ፕሮጀክት እዩ።
ሮበርት ኦፐንሃይመር ድማ ዳይረክተር ናይቲ ነቲ ቦምባ ዝነደፈ ቤተ-ፈተነ ነይሩ።
እቲ ፕሮጀክት ኣዝዩ ዓብዪ ኰይኑ፡ ኣብ ጠርዚ ዝወቕዓሉ ዘመን ማዕረ 130,000 ሰራሕተኛታት፣ ማዕረ 26 ቢልዮን ዶላር (ብናይ ሕጂ ገምጋም) ባጀት ዝነበሮ'ዩ።
ኦፐንሃይመር ኣብቲ ዝለዓለ ምስጢራዊ ፕሮጀክት ንክሰርሕን ክመርሕን ምስ ተቘጽረ፡ ንሱን ጕጅልኡን (ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት) ንኣቶማዊ ቦምብ ኣብ ምምዕባልን ኣብ ምንዳፍን ዓመታት ሓሊፎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቶም። እቲ ዓወት’ቲ ግን ንዓለምና ኣብ ደልሃመት ኣእተዋ ክበሃል ይከኣል።
እቲ ዕዉት ፕሮጀክት ክልተ ዓይነት ነተጕቲ ብሓደ ጊዜ ክፈጥር ክኢሉ። ኦፐንሃይመር ነቲ ብ‘ስሞል-ቦይ’ ዝፍለጥ ቦምባ (ብዩረንየም ዝበልጸገ) ክጥቀም መሪጹ።
በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ’ዩ ሮበርት ኦፐንሃይመር "ኣቦ ኣቶማዊ ቦምብ" ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ።
ሳዕቤን መጀመርታ ኑክለራዊ ቦምባ
እቲ ብ1945 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ኒዩክሌራዊ ቦምባ ምስ ተፈጥረ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጃፓን ከድርብዮ'ዩ ምድላው ገይሩ።
ብ6ን 9ን ነሓሰ 1945 ከኣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እተን ሂሮሺማን ናጋሳክን ዝበሃላ ከተማታት ጃፓን ክልተ ኣቶማዊ ቦምባታት ብምፍንጃር ብዘይተኣደነ ኣገባብ፡ ኣሽሓት ጃፓናውያን ብምዅስታር ንታሪኽ ዓለምና ንዘልኣለም ቀይራቶ።
በቲ ቦምብ፡ ንፈለማይ ጊዜ ምስ ተፈንጀረ፡ ኣስታት 70,000 ዝኣኽሉ ሰባት ነበርቲ ሂሮሺማ ኸም ዝሞቱ ይግመት ፣ ኣብ ናጋሳኪ ድማ 40,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት።
እቲ ጕድኣት ብእኡ ጥራይ ኣይትመንን።
ጸኒሑ ካብኡ ዝገደደ ጕድኣት ኣብጽሐ፣ ተቓጺሎም ዝሓረሩ፡ ብዝተፈላለየ መቝሰልትታት ኰነ ብኑክለራዊ ጸርጊ ዝተጐድኡ ማእለያ ኣይነበሮምን።
ንምንታይ’ዩ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጃፓን ኑክለራዊ ቦምባ ኣውዲቑ ሽንግላጦም ዘውጽአ?
ሓደ ካብ’ቶም ምኽንያታት መንግስቲ ጃፓን ብእዋን 2ይ-ዉግእ-ዓለም ብዘይ ቅድመ-ዅነት ስዩም ስለ ዘይበለ ነበረ።
ሳዕቤን ጕድኣት ኣቶማዊ ቦምባታት ኣብኡ ተሓጺሩ ኣይተረፈን። ኣይጸንሐን፡ ዝሑል-ዉግእ ሶቬት-ሕብረትን ኣመሪካን ኣስዒቡ።
ምስኡ ኸኣ ኑክለራዊ ኣጽዋር ኣብ መላእ ዓለም ዓበየን ተዘርገሐን።
ብኣጋጣሚ ግን ዳግማይ ምፍንጃር ኑክለራዊ ቦምባ ኣብ ዓለምና ኣይተራእየን፣ ይዅን’ምበር ድጉል ዓቕሙ ንመንግስታት ዓለም ኣዝዩ ዘሻቕል ጕዳይ’ዩ።
ተራ ኣልበርት ኣይንስታይን እንታይ ነይሩ?
ኣልበርት ኣይንስታይን ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ኣዝዩ ህቡብ፣ ዓብዪን ጸላውን ተመራማሪ ፊዚክስ ከም ዝነበረ ይምስከረሉ።
ኣብ ዞባና ኣይንስታይን ንኣቶማዊ-ቦምብ ከም ዝፈጠረ ኢና ንፈልጦ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን።
ርግጽ’ዩ፡ ኣይንስታይን ኣብ ዝሞተሉ ህሞት (ብ1955) “ሓደ ኣብ ህይወተይ ካብ ዘጣዕሱኒ ስርሓተይ ንኣቶማዊ ቦምባ ኣብ ምፍጣር ዝተጸወትኩዎ ተራ ኢዩ” ክብል ጣዕሳኡ ከም ዝገለጸ ይንገረሉ’ዩ።
እጃሙ ግን ከም ናይ ኦፐንሃይመር ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ኣይንስታይን (ከም ኦፐንሃይመር) ኣብቲ ሚስጢራዊ ‘ፕሮጀክት ማንሃታን’ ኣይተሳተፈን።
ቅድም-ቀዳድም ዋላ’ኳ ይፋለጡን ይቀራረቡን እንተነበሩ ኣብ ሞንጎኦም ናይ 25 ዓመታት ናይ ዕድመ ፍልልይ ነበሮም።
ኣይንስታይን ንኦፐንሃይመር ብዕድመ ጥራይ ዘይኰነስ ብተሞኵሮ’ውን ጸብለል ይብሎ ስለ ዝነበረ ከም ኣያኡን መዓዲኡን(mentor) ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ።
ሰነዳት ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣይኰነን'ዶ ኣይንስታይን ኣብቲ ሚስጢራዊ ስራሓት (ምፍጣር ኣቶማዊ ቦምብ) ክካፈል፡ ዕላማ ናይ’ቲ ስራሕ ኣይፈልጦን ነበረ፣ ሂሮሺማን ናጋሳክን ንምድብዳብ ዝዓለመ ከም ዝነበረ’ውን ጨሪሱ ኣይፈልጥን ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣይንስታይን በቲ ኣብ ምርምራቱ ዝነበሮ ልዑል ተሰማዕነት ኣቢሉ ንፕረሲደንት ሩዝቨልት “መንግስቲ ኣመሪካ ብጀርመናውያን (ሂትለር) ከይተቐደመት ከላ ኣቶማዊ ቦምብ ኣብ ምስራሕ ክትቀዳደም ኣሎዋ” ክብል ብደብዳቤ ኣማኺሩዎ።
ፕረዚደንት ሩዝቨልት ድማ ብምኽሪ ኣይንስታይን ተጸልዩ ሓደ ኮሚቴ መስሪቱ፤ እቲ ኮሚቴ ኣብ መጠረስትኡ መናግስቲ ‘ፕሮጀክት ማንሃታን’ እዩ ኰይኑ።
እምበኣርከስ ኣይንስታይን ነዚ’ዩ “ኣነ ኣብ ህይወተይ ዝፈጸምኩዎ ዓቢ ጌጋ” ኢሉ ዝተዛረበሉ።
ናብ ኦፕንሃይመር ንመለስ
ኦፐንሃይመር ኣብ ሳይንስ ዝነበሮ ተገዳስነትን ዝተጻወቶ ዕዙዝ ተራን ንምግላጽ ሓያሎ ገጻት የድሊ፣ ዳርጋ ኣብ ፍጽሙነት ዝቀራረብ ተራ ስለ ዝተጻወተ።
ብ1941፡ ክልተ ወርሒ ቅድሚ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ምእታዋ፡ ፕረዚደንት ሩዝቨልት ኣቶማዊ ቦምብ ንክፍጠር ምድላዋት ክግበር ኣዘዘ።
ኣይጸንሐን፡ ፕሮጀክት ማንሃታን ተተኽለ፣ ኦፐንሃይመር ከኣ ኣብቲ መደብ ንክሳተፍ ብዕሊ ተዓደመ።
ነቲ ስራሕ ተተሓሓዞ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ብምጥሓል ድማ ዕቱብ ኣስተዋጽኦ ክገብር ጀመረ። ኦፐንሃይመር ምስ ሓላፊኡ ኰይኑ ነቲ መደብ ምስጢራዊ ክኸውን ቀሰቡ፣ ገበርዎ ኸኣ።
ብድሕሪኡ’ዩ ነቲ ሚስጢራዊ ፕሮጀክት ጠቕሊሉ ዝሓዞ።
ጀይ ሮበርት ኦፐንሃይመር ሓደ ኻብቶም ኣብ ወለዶኡ ዝነበሩ ውሩያት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ከም ዝነበረ፡ ሓፋር: ዕቡይ ክነሱ በቲ ዝነበሮ ብልሕን ዓቕሚ ን ‘ፕሮጀክት ማንሃታን' ናብ መስተንክር ኣሳልጦ ዝመርሖ ሰብ ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ ።
ዋላ’ኳ ኦፐንሃይመር በቲ ዝነበሮ ጸጋማዊ ዝንባሌታት ኰነ ዓቕሚ ነቲ ስራሕ ኣይበቅዕን’ዩ ዝብሉ ስነ-ፍልጠታውያን ብጾት እንተነበሩ፡ ብፍልጠትን ግብርን ዝለዓለ ዓቅሚ ከም ዝነበሮ ኣመስከረ።
ቅልጡፍ፡ በሊሕ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ዝሰርሕሉ ትካል ከመሓድር ብምኽኣሉ ጸብለልነቱ ኣርኣየ።
ድሕሪ ጽዑቕ ስራሕ፡ ብ 16 ሓምለ 1945 እቲ ፈለማይ ኣቶማዊ ቦምባ ንሙከራ ቀረበ፣ ተዓወተ ኸኣ። በቲ እዋን ናዚ-ጀርመን ናብ ስዕረት ገጾም ይኸዱ ስለ ዝነበሩ እቲ ቦምባ ኣብ ጃፓን ክፍተን ተመደበ።
ዕንወት ሄሮሺማ 6 ነሓሰ 1945፡
ሽድሽተ ነሓሰ 1945 እቲ ቦምባ ኣብ ጃፓን ምስ ወደቐ ኦፐንሃይመር ኣብ ሓሳብ ወደቐ። ኣብ ልዕሊ ናዚ-ጀርመን ብዘይ ምውዳቑ ኸኣ ኣስተንተነ።
ኦፐንሃይመር በቲ ዝወረደ ጕድኣት ሕልናኡ ክገብረሉ ስለ ዘይከኣለን ንፕረዚደንት ትሩማን ብእገዳ ኑክልራዊ ኣፅዋር ከዘራርቦ ረኸቦ ይበሃል፣ ኣይሰለጦን ግን።
ኦፐንሃይመር “ደጊምሲ መልኣከ-ሞት ኰይነ” ኢሉ ብጣዕሳ ዝተዛረበሉ ህሞት ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ንረኽቦ።
ምልስ ኢልና ኣብ ሞንጎ ኦፐንሃይመርን ሉዊስ ስትራውስ ዝተላዕለ ጕዳይ ንርአ።
ኦፐንሃይመር ጸኒሑ ኣብ ፖለቲካ ተገዳስነት ስለ ዘሕደረ ንጕዳይ ሂትለር ብግብርን ቀረባን ክከታተሎ ጀመሩ ነበረ።
ንከምኡ ዘኣመሰሉ ስነ-ፍልጠታውያን ካብ ናዚ-ጀርመን ከምልጡ’ውን ይተሓባበር ነበረ። ኣቓልቦኡ ግን ናብ ጸጋማዊ ደምበ ስለ ዝገስገሰ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ክከታተሎ ጀመረ።
ይዅን’ምበር ኣብ ፖለቲካ ዝነበሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል።
በዚ ዘይተሓጐሰ ልዊስ ስትራዉስ፡ እቲ ንኦፐንሃይመር ንፕሮጀክት ማንሃታን ከካይድ ዝቈጸሮ ሰብ፡ ካብ ዓርኪ ናብ ጸላኢ ተለወጠ።
ስትራዉስ ንኦፐንሃይመር ስመይ ዘንጢሉኒ ኢሉ ይኸሶ ነበረ። እቲ ሓቁ ግን ኦፐንሃይመር ኣብ ልዕሊ ኒዩክሌራዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ጽልዋ ስለ ዝነበሮ ነበረ።
ስትራውስ ቀሊል ሰብ ኣይነበረን፣ ኤድጋር ሁቨር ዝበሃል ዕሉል ሓለቓ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ዓርኩ ነበረ።
ጸግዒ ዓርኩ ሒዙ ንኦፐንሃይመር ናጻ-መስርሕ-ጸጥታ (security clearance) ንከሕድጎ ብሓሶት ሓጸልጸል ከብሎ ጀመረ።
ብፈጠራ ድማ ኦፐንሃይመር ምስ ደምበ ኮምዩኒስት ርክባት ኣለዎ ተባሂሉ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ብምምጻእ ተሃላለኾ።
በዚ ምኽንያት ድማ ንኦፐንሃይመር ኸሰሰ። ፍቓድ ናጻ-መስርሕ-ጸጥታ ከም ዝሕደግ ገበረ። በዚ ተሰናኺሉ ኦፐንሃይመር ሰንከልከል በለ፣ ዕባራ ጽልዋ ሒዙ ኸኣ ተረፈ።
ኦፐንሃይመር ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ተጠልዩ’ኳ ይትረፍ ካብ ማሕበር ኣካደምያ ኣይተፈልየን።
ኣብ ምምህርናን መጽናዕትን፡ መደረ ምስማዕን ይነጥፍ ነይሩ። ብኡ ኣቢሉ ኸኣ ገለ-ገለ ደገፍቲ ኣጥረየ። ይዅን’ምበር ናብቲ ዝነበሮ ዓለም ክምለስ ኣይከኣለን።
ብ1963 ፕረዚደንት ጆንሶን ንኦፐንሃይመር ሓደ ብልጫ ብምሃብ ንክኸስቦ’ኳ እንተፈተነ ኦፐንሃይመር ግን ብልቡ ርሒቑ ስለ ዝነበረ ካብቲ ዝነበሮ ሓላፍነት - ትካል ልዑል መጽናዕቲ (Institute for Advanced Study) ከልግስ መረጸ።
ብ1966 ብመንሽሮ ጐረሮ ካብዛ ዓለም ተፈልየ።
እቲ ዛንታ ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን ሓጸልጸል ዝመልኦ ኰይኑ ንተዓዛብቲ ልቦም-ዝመስስ ዛንታ’ዩ ክበሃል ይከኣል።
እምበኣርከስ እዛ ብኦፐንሃይመር እትፍለጥ ንዓለም እተዛርብ ዘላ ፊልም ንህይወት ስነ-ፍልጠተኛ ኦፐንሃይመር ብምስኣል ኣብ ኣቶማዊ ቦምባ ንምፍጣር ዝተጻወቶ መሪሕ ተራ እተዘንቱ እያ።
ድሕሪ’ቲ ዕዉት ፕሮጀክቱ ኸኣ ከመይ ኣቢሉ ንዓለም ከም ዝለወጠ፡ ህይወቱ ኸኣ ብከመይ ከም ዝተነኽአ እተዘንቱ ሓያል ፊልም ብምዃና ኣብ ኦስካር 2024 ብገፊሕ ክትስዕር ትጽቢት እትግበር ታሪኻዊት ፊልም ኢያ።