ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ድርቅን ተራ ትካላት ረዲኤትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ኬንያን ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ወቕቲታት ዝናብ ብሰንኪ ዘይምርካቡ፡ ሚልዮናት ንሕጽረት ምግቢ ከምዝቃልዑ ዓለምለኻዊ ትካላት ከተሓሳስባ ጸኒሐን እየን።
ብዙሓት ትካላት፡ ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ድሮ ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት ከምዘለዉ ክገልጻ እንከለዋ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ክሳብ 24 ሚልዮን ከምዝበጽሑ ይግምት።
ማእከል ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ነዞም ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጥን ጐንጽን ተጸበይቲ ረዲኤት ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ እዩ።
ንተኸታተልቲ ወቕቲታት ዝናብ ዘይምውቅዑ ከስዕቦ ዝኽእል ውጽኢት እናተፈልጠ፡ ዝምልከቶም ኣካላት እንታይ ይዓዩ ነይሮም? ኣብዚ እዋን’ከ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ግደ ናይተን ንነዊሕ ዓመታት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ዘይመንግስታዊ ትካላት እውን ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ።
ዘጋጠመ ድርቅን ተራ ትካላት ረድኤትን
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ዝተመዝገባ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ (ትካላት ግብረ ሰናይን ብልሙድ ዘይመንግስታዊ ተባሂለን ዝጽውዓ ማሕበራትን)፡ ልዕሊ 4 ሽሕን 400ን ከምዝዀና መረዳእታ መዝጋቢ ኣካል የመልክት።
ካብዚአን እተን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኣብዚ ዓውዲ ክንነጥፍ ንደሊ ኢና ኢለን ዝተመዝገባ” እየን።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ ዘጋጠመ ድርቅን ሕጽረት ምግብን፡ ኣዝዮም ካብ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ሓደ ኣብ ዝዀነ ክልል ኦሮምያ ዝርከብ ዞባ ቦረና ጥራይ፡ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ የድልዮም።
ኣቶ ገልገሎ ኦኩቱ ኣብ መንግስታዊ ትካል ምክልኻል ሓደጋ ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን፡ ኣካያዲ ቦርድ፡ ‘ኣልቺሶ ፓስቸራሊስት’ ዝተባህለ ሃገራዊ ትካል እዩ።
ዋላ’ኳ ኣብ ዞባ ቦረና ልዕሊ 40 ዘይመንግስታዊ ትካላት እንተሃለዋ፡ “ንዓመታት ዝተዋህለለ ጸገም እቲ ከባቢ ክፈትሓ ኣይከኣላን” ይብል።
ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ለገስቲ ዝተመስረታ፡ (ዶነር ድሪቭን) ምዃነን ከምዝዀነ ይዛረብ።
“እዚ ማለት ብድሌት እቶም ለገስቲ ኢኻ ትኸይድ፤ ወይ ድማ እቲ ዝርከብ ገንዘብ ምስ ጭቡጥ ኵነታት እቲ ከባቢ ተዛሚዱ ኣብ ዝድለ ስራሕ ምውዓል ኣይከኣልን።”
ምክትል ዋና ዳይረክተር በዓል ስልጣን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣቶ ፋሲካው ሞላ ብግደኡ፡ “ብድሌት ለገስቲ ናይ ምምራሕ ኵነታት ንርኢ ኢና። ሓደ ትካል፡ ሓገዝ እንተረኺቡ ኣብ ጥዕና ክሰርሕ ይኽእል እዩ፤ (ባዕሉ እቲ ትካል) ሓገዝ እንተረኺቡ ኣብ ትምህርቲ፡ ስነ-ጾታ፡ ሓለዋ ከባቢ፡ ሰላም. . . እውን ክሰርሕ ይኽእል፡” ኢሉ።
ሓድሽ ዝወጸ ሕጊ ሲቪል ማሕበረሰብ ድማ እዘን ትካላት፡ “ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ክትሰርሓ ኣለክን፡” ዝብል’ኳ እንተዘይኰነ “ኣብ ውሱን ዓውዲ እንተ ተተኵራ” ዝብል ሓሳብ ግን ይህብ እዩ። ብዙሓት ትካላት ግን ሕጂ’ውን ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ክዋፈራ ይመርጻ።
ተቐማጢ ከተማ ያቤሎ ዝዀነ፡ ኣብ ባህሊ ኦሮሞ ትንታነታት ብምሃብ ዝፍለጥ ኣቶ ጃተኒ ዲዳ፡ እዘን ትካላት ካብ ጸቕጢ መንግስቲ ነጻ ከምዘይኰና ይዛረብ።
“መንግስቲ፡ እዘን ትካላት ክሰርሓ ዘይፈቕደለን ዓውዲታት ኣለዉ። ንኣብነት ከም ኣድቮካሲ - ጥብቅና - ዝኣመሰሉ ስርሓት ክነጥፋ ኣይፍቀደለንን እዩ።
ምስ ደርቂ ተተሓሒዙ እውን፡ ተፈቒዱለን እንተዘይኰይኑ ኣብ ስርሓት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳተፋ ኣይክእላን እየን፡” ይብል።
እንተዀነ፡ ሓንቲ ትካል ካብ ዝተመዝገበትሉ ዕላማ ወጻኢ፡ ምስ ሕጊታትን ሞራል ህዝብን ኢትዮጵያ ክሳብ ዘይተጋጨወ፡ ኣብ ዝዀነ ዓውዲ ክትሳተፍ ከምእትኽእል እዩ መንግስቲ ዝገልጽ።
ትካላት ወጻኢ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጥብቅና፣ ምስ መረጻ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ከይሰርሓ ክልኵላት እየን።
ካብዚ ወጻኢ፡ “ዝዀነት ትካል ኣታዊኣ ሕጋዊ ክሳብ ዝዀነ ኣብ ዝዀነ ዓውዲ ክትሰርሕ ትኽእል’ያ፡” ይብል ኣቶ ፋሲካው።
ኣቶ ጃተኒ፡ እተን ትካላት ውጽኢታውያን ከይኰና ዝገበረን ካልእ ምኽንያት፡ ንክዉንነት እቲ ማሕበረሰብ ዘይፈልጡ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ምቝጻረን ምዃኑ ይኣምን።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ኣብ ትግራይ ንዝንቀሳቐስ ትካል ግብረሰናይ ዝመርሕ ውልቀሰብ፡ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝሰርሐ ይገልጽ።
ውጽኢታውነት እተን ትካላት እንክገልጽ፡ “ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኵነታት፡ ብመንጽር ነቲ ሕብረተሰብ ምቕያር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ግብረመልሲ ንእዋን ሓደጋ እውን ዘዕግብ ኣይነበረን፡” ይብል።
እቲ ምኽንያት፡ ጸገም ጸጥታን ኣብ ትግራይ ዝተነበረ ‘ዕጽዋ’ን ዝፈጥሮ ሕጽረት እታወታት ከምዝዀነ እዩ ዝጠቅስ።
“ኣብ ሰራሕተኛታትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ግን ተወፋይነት ኣይነበረን ዝብል እምነት የብለይን፤ ጉዳይ ዕጽዋን ድሕነትን እዩ ሕልኽላኽ ነይሩ፣ እምበር ሰራሕተኛታት ክሳብ ህይወት ምኽፋል በጺሖም እዮም“ ክብል ይውስኽ።
“ውጽኢቶም ክርአ እንከሎ ሓጋዚ ነይሩ፡” ዝብል እቲ ሓላፊ፡ እንተዀነ ካብ ትካል ናብ ትካል ከምዝፈላለ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ህዝቢ፡ መንፈስ ተጸባይነት ከም ዝፍጠር ገይረን ዝብል ርእይቶ ኸኣ ይወሃብ።
“ከም ግድብ፡ ምዕቋር ማይ፡ ምሕደራ መሬትን መጋሃጫን. . . ዝኣመሰሉ ንነዊሕ እዋን ዘገልግሉ ፕሮጀክትታት ዘይኰነስ፡ ንኣሽቱ ነገራት ብምሃብ እቲ ህዝቢ ጽግዕተኛነት ተማሂሩ፡” ይብል ኣቶ ገልገሎ።
ብሰንኪ’ዚ፡ ገለ ሰባት ብዘላቕነት ለውጢ ዘምጽእ ሓገዝ ዘይኰነስ፡ ብደረጃ ውልቀሰብ ካብ ለገስቲ ትካላት ብዛዕባ ዝረኽብዎ ሓገዝ ምሕታት ጀሚሮም እዮም ይብል።
ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘጋጥም ዝገልጽ፡ ሓላፊ ሓንቲ ኣብ ትግራይ እትነጥፍ ትካል ረዲኤት፡ “ሓገዝ እተን ትካላት ካብ ዕለታዊ ምግቢ ሓሊፉ፡ ከሳግሩ ናብ ዝኽእሉ ስርሓት ክዓቢ” ከምዝግባእ ይኣምን።
“ሰብ ዝበልዖ ስኢኑ ረድኤት ምጻባዩ ነውሪ እዩ ኢለ ኣይሓስብን። እቶም ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ከም ሴፍቲ-ነት ዝኣመሰሉ ዘለቕቲ መደባት ልምዓት ምቕያር ነቶም ጸገማት ከቃልል ይኽእል፡” ይብል።
ገለ ትካላት፡ ነቲ ኣብ ጸገም ዘሎ፡ ሓገዝን ዘላቒ ናይ ህይወት ለውጢ ዘድልዮ ህዝቢ ዘይኰነስ፡ መቐየሪ ህይወት ሰራሕተኛታተን ኰይነን ተባሂለን እየን ዝውቀሳ።
ኣቶ ገለገሎ ከምዝብሎ፡ እቲ ካልእ ዕንቅፋት፡ ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ ሓደ ከባቢ ዝሰርሓኦ ስርሓት ተመሳሳሊ ምዃኑ እዩ።
“ሓንቲ ትካል ኣብ ሓደ ከባቢ ኣብ ስርሓት ማይ እንተ ተዋፊራ፡ ካልእ መጺኣ ተመሳሳሊ ስራሕ ትሰርሕ” ብምባል ጸገም ህዝቢ ኣብ ዝቕይሩ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘይምውፋረን ይገልጽ።
ካልእ ድማ፡ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሓደ ከባቢ ሰሪሐን፡ ዝረአ ነገር ዘየፍረያ ትካላት ከምዘለዋ ይግለጽ እዩ።
ሓንቲ ትካል፡ ን 20 - 30 ዓመታት ተመሳሳሊ ነገር ምስርሓ ዘዅርዕ ኣይኰነን ዝብል ኣቶ ፋሲካው፡ “እዚ ውድቀት እዩ ኢልና ኢና እንጠቅስ። ሓንቲ ትካል ነቲ ጸገም ምስቲ ህዝቢ ኰይና ብዘላቕነት ዝፈትሓሉ መገዲ ፈጢራ፡ ናብ ካልእ ጸገም ዘለዎ ከባቢ ከይዳ ክትሰርሕ እንተኽኢላ እዩ ውጽኢታውነት ዝበሃል” ይብል።
መንግስቲ፡ ነዚ እውን ናይ ቁጽጽር ስርዓት ከምዝዘርገሐ እዩ ዝገልጽ። ንዅሉ ነገር ካብ ምቍጽጻር፡ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንባዕሎም ናይ ምቁጽጻር ስራሕ (ሰልፍ ሬጉለሽን) ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ ይኣምን።
“እተን ትካላት ንሕጊ ተኣመንቲ ኰይነን ክሰርሓ እምበር፡ መንግስቲ፡ ‘ርእዩኒ ኣይረኣየንን’ ኢለን ዝሰርሑ ክዀና የብለንን፤ መንግስቲ እውን ነዚ ኣይደልን” ይብል ኣቶ ፋሲካው።
እንተዀነ፡ ዕላማ እቲ ቍጽጽር ንምቕጻዕ ወይ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝዓለመ ከምዘይኰ እዩ ዝጠቅስ።
“ኣብ ምሕጋዝ ኢና ትዅረት እንገብር። ይሕሰት ሕጊ እንተሃልዩ ግን መጠንቀቕታ ምሃብ፡ ምእጋድን እቲ ትካል ክፈርስ ዘለዎ እንተዀይኑ እውን ናብ ቦርድ ቀሪቡ ክስረዝ ይግበር።"

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
በዚ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተኣጊደን፡ ጕድለታተን ኣሪመን ስራሕ ዝጀመራ፡ ከምኡ’ውን - ዋላ ውሑዳት እንተዀና - ዝፈረሳ እውን ኣለዋ።
“ፋይናንሶም ከይተረፈ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ እንታይ ይሰርሓ ከምዘለዋ ንፈልጥ ኢና፤ ሓበሬታ ኣሎና። ዝተፈላለዩ ጸብጻባት’ውን ይበጽሑና እዮም” ይብል ኣቶ ፋሲካው።
ነቲ ቍጽጽር ዝምልከት መንግስቲ ዝወከሎ 'ኢመርጀንሲ ኮኦርዲነሽን ሰንተር' (ኢሲሲ) ዝበሃል መደብ ከምዘሎ እቲ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ሓላፊ ትካል ግብረ ሰናይ ይገልጽ።
“ኵለን መንግስታውያን ዘይኰና ትካላት፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓለፍቲ መንግስትን ትካላትን ሰሙናዊ እናተራኸብና እንዘራረበሉን እንገማገመሉን መድረኽ እዩ፡” ይብል።
ካብዚ ብተወሳኺ እተን ትካላት በብርብዒ ዓመት ጸብጻብ ከምዘቕርባን ብብእዋኑ ምስዝምልከቶ ጽላት ቤት ጽሕፈት ከምዝራኸባን ስርሐን ብመሰረት ሕጊን ትልምን ይፍጽሙ ምህላዎም ከምዝረአን ይገልጽ። እንተዀነ፡ “ክሕይል ይግባእ” ዝብል ገምጋም ኣሎዎ።
ብተደጋጋሚ፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ብፍላይ ድርቂ፡ ሰባት ንኸቢድ ጸገም ምፍንቓልን ኣብ ዘቃልዓሉ፡ በብከባቢኡ ዘለዋ ትካላት ረድኤት እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግዳዱ፡ ሓላፍነተን ይዋጽኣ ብዛዕባ ምህላወን ብዙሓት ሕቶ የልዕሉ እዮም።
ኣቶ ፋሲካው ከምዝብሎ፡ ትካላት ረድኤት ህዝቢ ብድርቂ፡ ውሑጅን ኲናትን ጉድኣት ክወርዶ እንከሎ፡ ካብ ዝዀነ ኣካል ቀዲመን ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣሎወን።
“ብናትና ገምጋም ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብሰፊሑ ተንቀሳቒሰን እየን። ምስቲ ዘሎ ጸገም እኹል’ኳ እንተዘይኰነ ቀሊል ዘይበሃል ስራሕ ግን ሰሪሐን እየን። ዝተባባዕን ንብዙሓት ዝድግፍን ስራሕ እውን ሰሪሐን እየን” ብምባል ክምስገና ከምዝግባእ ይጠቅስ።
ኣብዚ ቕንያት ኣዘራራቢ ኰይኑ ዘሎ ኣብ ከባቢ ቦረና ዘጋጠመ ድርቂ ንምክልኻል፡ ንትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ጻውዒት ዝቐረበ ኰይኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተኣኻኽብን ዘወሃህድን ኮሚተ ቈይሙ ኣሎ።
በዚ መንጽር ክንድ’ቲ ትጽቢት ዝግበሮ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ብዙሓት ስርሓት ተሳሊጦም ከምዘለዉ ኣቶ ፋሲካው ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣቶ ገልገሎ ብወገኑ እቲ ሕብረተሰብ ንሰብመዚ መንግስቲ ስለዝሰምዕ ፡”እተን ትካላት ምስ መንግስቲ ተወሃሂደን ብምስራሕ እቲ ሕብረተሰብ ዝደልዮ ለውጢ ምምጻእ ይከኣል እዩ” ኢሉ ይኣምን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







