ዕጡቓት ኣልሸባብ ወተሃደራት ተመሲሎም ቤት ማእሰርቲ ኣጥቂዖም

ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ - ሞቓድሾ፡ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝርከብሉ መዳጐኒ ማእከል፡ ዓቢ ፍንጀራን ተዅስን ተሰሚዑ።

ኣል-ሸባብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኵሎም እሱራት ኣስላም" ካብቲ መዳጐኒ ከም ዘፍተሖምን ኣብ ልዕሊ ነቲ ማእከል ዝሕልዉ ዝነበሩ ድማ ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውረደን ገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ንምእታው ንባዕሎም ወተሃደራት ተመሲሎም ከም ዝነበሩ ብመንግስቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ሶና ላይቭ ሓቢሩ።

ኣብቲ ልዑል ሓለዋ ጸጥታ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሸውዓተ ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ኵሎም ከም ዝተቐትሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ካብ ሓይልታት ጸጥታ ክንደይ ከም ዝተቐትሉ ግን ኣይገለጸን፤ ንስድራቤት "ዝወደቑ ጀጋኑ" ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ብተመሳሳሊ ኣልሸባብ፡ ኣብቲ ስርሒት ክንደይ ዕጡቓቱ ከም ዝሞቱ ኣይገለጸን።

ጐድካ ጂሊኮው ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ሞቓድሾ እዩ ይርከብ።

እዚ ብሃገራዊ ትካል ስለያን ጸጥታን ሶማልያ (ኒሳ) ዝመሓደር ኰይኑ፡ ዕጡቓት ኣልሸባብን ካልኦት ላዕለዎት እሱራትን ይሕዝ።

እዚ መጥቃዕቲ ንኒሳ ዓቢ ክሳራ ኰይኑ፡ እቶም ዕጡቓት ብኸመይ ናብ ሓደ ካብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብጽዑቕ ሓይሊ ዝሕሎ ከባቢታት ክኣትዉ ከም ዝኸኣሉ ሕቶታት ከልዕል ተኽእሎ ኣሎ።

ኣል-ሸባብ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኰይኑ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ሶማልያ ኣንጻር መንግስቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ መንግስቲ፡ ኣብ ድሕነት እታ ከተማ ምምሕያሽ ከም ዝተራእየ ብምጥቃስ ኣብ ሞቃድሾ ቅድሚ ሕጂ ብጸጥታዊ ምኽንያት ተዓጽዮም ዝነበሩ ቁልፊ ጽርግያታት ዳግማይ ክኽፈቱ ገይሩ ነይሩ።