ፍልቀት ደቂ ሰባት ዝቕይር'ዩ ዝተባህለ ሓደ ሚልዮን ዓመት ዝገበረ ሽክና ርእሲ

እቲ እኳ ናትና ዓሌት ዝዀነ ሆሞ ሳፒየንስ፡ ካብቲ ዝሓሰብናዮ ብውሑድ ብፍርቂ ሚልዮን ዓመት ኣቐዲሙ ክቕልቀል ከም ዝጀመረ ተመራመርቲ ይገልጹ ኣለው።

ምስ ካልኦት ኣሓት ዓሌታት -እንተላይ ምስ ኒያንደርታል ማለት'ዩ- ካብቲ ክንኣምኖ ዝጸናሕና ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ብሓባር ከም ዝነበርና ዘርኢ'ዩ ይብሉ።

እዚ፡ ነቲ ኣብ ቻይና ዝተረኽበ ሓደ ሚልዮን ዓመት ዝገበረ ሽክና ርእሲ ሰብ ስዒቡ ዝወሃብ ዘሎ ሓድሽ ትንታነ ተመራምርቲ እዩ።

እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ትንታነኦም ብዛዕባ ፍልቀት ደቂ ሰባት ዘለና ርድኢት "ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቕይሮ"ን፡ ቅኑዕ እንተዀይኑ ድማ ብርግጽ ኣብ ታሪኽና ኣገዳሲ ምዕራፍ ዳግማይ ክጽሓፍ ዘአንፍትን ክኸዉን'ዩ ይብሉ።

ኣብቲ ኣብዛ ፕላኔት ዝመጻእናሉ ግዜ ዝምልከት ዘይምርድዳእ ዝበዝሓሉ ዓውዲ ዘለዉ ካልኦት ክኢላታት ግን፡ መደምደምታ ናይቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ዘእምን እኳ እንተዀነ፡ ሕጂ'ዉን ርግጸኛ ምዃን ኣይክኣልን ኢሎም።

እቲ ኣቦ ሓጐና ዝመሰለና . . .

እዚ ኣብ ፍሉጥ መጽሔት ሳይንስ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ነቶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ቻይና ፉዳንን ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያን ዝመጽኡ ተመራመርቲ ዝሓዘ ጕጅለ ኣሰንቢድዎ ኣሎ።

"ካብ መጀመርታኡ፡ ውጽኢት ምስ ረኸብና፡ ንምእማኑ ተጸጊምና ነሐይርና። ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ክሳብ ክንድ'ዚ ኣብ ሕሉፍ ዕምቈት ዘለዎ ኰይኑ?" ይብል ነቲ ትንታነ ብሓባር ዝመርሐ ፕሮፌሰር ዚጁን ኒ።

"ግን ንዅሎም ሞዴላት ንምፍታን፡ ኵሉ ሜላታት ብምጥቃም ደጋጊምና ፈቲንናዮ፤ ሕጂ በቲ ውጽኢት ልዑል እምነት ኣለና፤ ኣዚና ተሓጒስና ኢና፡"።

ተመራመርቲ፡ ነቲ ዩንክስያን 2 (Yunxian 2) ተባሂሉ ዝተሰምየ ሽክና ርእሲ ምስ ረኸብዎ፡ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣቦ ሓጐና ዝዀነ ሆሞ ኢረክተስ ዝበሃል ናይ መጀመርታ ዓቢ ሓንጐል ዘለዎም ደቂ ሰባት እዩ ኢሎም ገሚቶም።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ዝያዳ ምዕቡላት ደቂ ሰባት ቅድሚ ምምጽኦም ቅድሚ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓመት ዝጸንሐ ብምዃኑ እዩ።

ሆሞ ኢረክተስ ኣብ መወዳእታ ምዕባለ ኣርእዩን ቅድሚ 600 ሽሕ ዓመታት ናብ ኒያንደርታልን ዓሌትናን – ሆሞ ሳፒየንስን ክቕየር ጀሚሩ።

ሓድሽ ትንታነ ዩንክስያን 2 -Yunxian 2- ግን፡ ሆሞ ኢረክተስ ከም ዘይኰነ ይሕብር።

ስለዚ፡ እቲ ሽክና ርእሲ ናይ መጀመርታ ስሪት ናይቲ ምስ ኒያንደርታልን ሆሞ ሳፒየንስን ዝመሳሰል ደረጃ ምዕባለ ዘለዎ ዓይነት ሆሞ ሎንጂ -Homo longi- ምዃኑ ይግመት።

ጀነቲካዊ መርትዖታት ከም ዝሕብርዎ፡ ሓቢሩዎም ነይሩ እዩ።

ስለዚ ዩንክስያን 2 ቅድሚ ሓደ ሚልዮን ዓመት ኣብ መሬት ነይሩ'ዩ፤ ቀዳሞት ኣሰርና ዝዀኑ ኒያንደርታልን ናይ ገዛእ ርእስና ዓሌታትን እውን ከምኡ ነይሮም ይዀኑ ይብሉ።

እዚ ዘሰንብድ ትንታነ፡ ንመስመር ግዜ ፍልቀት ዓበይቲ ሓንጐል ዘለዎም ደቂ ሰባት ብውሑዱ ብፍርቂ ሚልዮን ዓመት ዝቐደመ ክኸዉን ከም ዝገበሮ፡ ካብቶም መራሕቲ እቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ክኢላ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ብሪጣኒያ ፕሮፌሰር ክሪስ ስትሪንገር ይሕብር።

ኣብ ፕላኔትና ኣብ ገለ ቦታ ሓደ ሚልዮን ዓመት ዝዕድሚኦም ቅሪተ-ኣካላት ሆሞ ሳፒየንስ ክህልዉ ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ - ክሳብ ሕጂ ግን ኣይረኸብናዮምን።

እንታይ መርትዖ ኣለና?

ዓሌት ወዲ ሰብ ብንጹር ንምልላይን ኣብ መሬት መዓስ ከም ዝነበረ ንምፍላጥን ዝሕግዙ ክልተ መገድታት ኣለዉ - ቅርጺ ሽክና ርእሲን ጀነቲካዊ መረዳእታትን ምትንታን።

ተመራመርቲ ኣብ ጕዳይ ዩንክስያን 2 ክልቲኦም ኣገባባት ተጠቒሞም፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣብ ሓደ መደምደምታ ክበጽሑ ሓጊዞምዎም።

ካልኦት ተመራመርቲ ከም በዓል ዶክተር ኣይልዊን ስካሊ ዝተባህለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ክኢላ ፍልቀት ጀነቲክስ ግን ኣብ ክልቲኡ ኣገባባት ርኡይ ዘይርጕጽነት ከም ዘሎ ይዛረቡ።

"ሓደ፡ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ናይ ግዜ ግምታት ግዝያዊ ክኸውን ኣለዎ፤ ምኽንያቱ እንታይ ዓይነት መርትዖ ትጥምት ብዘየገድስ -ጀነቲካዊ ይኹን ቅሪተ-ኣካላት መርትዖ - እዚኦም ክትትንትኖም ኣዝዮም ኣጸገምቲ'ዮም፡" ይብል።

"ዋላ'ውን ዝዓበየ መጠን ጀነቲካዊ መረዳእታ እንተሃለወ፡ እዚኦም ብሓባር ዝነበሩሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ 100 ሽሕ ዓመታት፡ ወይ'ውን ልዕሊኡ ንምቕማጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ።"

ወሲኹ፡ ፕሮፌሰር ኒን ስትሪንገርን ዝሃብዎ መደምደምታ ኣእማኒ እኳ እንተዀነ፡ ርግጸኛ ንምዃን ዝያዳ መርትዖ ከም ዘድሊ ገሊጹ።

"እቲ ምስሊ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ንጹር ኣይኰነን፤ ስለዚ መደምደምታ ናይዚ መጽናዕቲ ብኻልእ ትንታነታት ዝድገፍ እንተዀይኑ፡ ብዝበለጸ ብገለ ጀነቲካዊ መረዳእታ፡ ሽዑ ብዛዕባኡ ዝህልወና ርእሰ ተኣማንነት ሓፍ ክብል ዝጅምር ይመስለኒ፡" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ዝፍለጥ መርትዖ ቀዳሞት ሆሞ ሳፒየንስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቅድሚ 300,000 ዓመት ምንባሮም ዝገልጽ ስለ ዝዀነ፡ ዓሌት-ሆሞ ሳፒየንስ - መጀመርታ ኣብ ኤስያ ዝማዕበለ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ምድምዳም በዳሂ እዩ።

ኣብዚ ደረጃ'ዚ ግን ርግጸኛ ንምዃን እኹል መርትዖ የለን ይብል ፕሮፌሰር ስትሪንገር፤ ምኽንያቱ ኣብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን'ውን ሓደ ሚልዮን ዓመት ዝዕድሚኦም ቅሪተ-ኣካላት ደቂ ሰባት ስለ ዘለዉ ኣብቲ ትንተና ክሕወሱ ኣለዎም።

"ገለ ጀነቲካዊ መርትዖታት ኣለዉ፡ እዚኦም ምስ ሓረግ ወለዶና ዳግማይ ተዋሃሂዶም ክዀኑ ዝኽእሉ ዓሌታትና'ውን ኣቐዲሞም ምምጽኦም ዘመልክቱ'ዮም፡ እዚ ግን ገና ኣይተረጋገጸን፡" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።

እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ናይ ግዜ መስመር፡ እቶም ሰለስተ ዓይነታት ደቂ ሰባት ኣብዛ ፕላኔት ንኣስታት 800 ሽሕ ዓመታት ብሓባር ይነብሩ ነይሮም ዝብል እዩ።

እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገመተ ኣዝዩ ዝነውሐ ኰይኑ፡ ምናልባት ኣብቲ እዋን እቲ ይራኸቡን ይራብሑን ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ።

ኣቐዲሙ ምምጻእ ሆሞ ሳፒየንስ፡ ሆሞ ሎንጂን ኒያንደርታልን ግን ነቲ ጸገም ይፈትሖ።

ሕጂ ነቶም ንምምዳብ ኣጸጋሚ ዝዀኑ ቅሪተ-ኣካላት ከም ንኡሳን ጕጅለታት ናይ ሓደ ካብቶም "ዓበይቲ ሰለስተ" ወይ ድማ ዝያዳ ቀዳሞት ኣቦታቶም ዝዀኑ ኤስያውያን ሆሞ ኢረክተስን ሃይደልበርገንሲስን ምጕጅጃል ይከኣል ማለት እዩ ይብል ፕሮፌሰር ኒ።

"ፍልቀት ደቂ ሰባት ከም ገረብ እዩ፡" ኢሉ።

"እዛ ገረብ ሓያሎ ጨናፍር ዘጠቓለለት እያ ነይራ፤ ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ ሰለስተ ዓበይቲ ጨናፍር ድማ ነይሮም፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ገለ ምትሕውዋስ ክህልዎም ይኽእል'ዩ። ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓመታት ድማ ብሓባር ይነብሩ ነይሮም። ስለዚ እዚ ንምእማኑ ዘጸግም ውጽኢት'ዩ።"

እቲ ሽክና ርእሲ ምስ ካልኦት ክልተ ካብ ኣውራጃ ሁበይ ዝተዃዕተ እዩ።

ግን ተጐዲኦምን ተጨፍሊቘምን እዮም።

እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ዩንክስያን 2 ብጌጋ ኢረክተስ ተባሂሉ ዝተመደበሉ ምኽንያት እዩ።

ናብቲ ናይ መጀመርታ ቅርጾም ንምምላስ፡ ጕጅለ ፕሮፌሰር ኒ፡ ነቶም ሽክና ርእሲ ስካን ብምግባር፡ ሜላታት ኮምፒተር ሞዴሊንግ ተጠቒሞም፡ ቅዳሓት 3D ኣሕቲሞም።

እዞም ዓሌም ኣቐዲሞም ብምንባሮም፡ ተመራመርቲ ከም ሓደ ፍሉይ – ዝያዳ ምዕቡል ጕጅለ ደቂ ሰባት ዳግማይ ክምድብዎም ኣኽኢልዎም ኣሎ።