ቅድሚ 75 ሽሕ ዓመት ዝነበረ ገጽ ጓል ኣንስተይቲ ኒያንደርታል እንታይ ይመስል?

ቅድሚ 75 ዓመታት ዝነበረ ናይ ቀረባ ዘመድኹም ብኣካል ምርኻብ እንታይ ክመስል ይኽእል?

ሊቃውንቲ ሳይንስ፡ ጓል ኣንስተይቲ ኒያንደርታል ብህይወት እንከላ እንታይ ከም እትመስል ዘርኢ ዘገርም ምስሊ ኣዳልዮም ኣለው።

እዚ፡ ብኳዕቲ ዝተረኽበ ልስሉስ ዓጽሚ መሰረት ገይሩ ብ3ዲ ዝተዳለወ እዩ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ነዞም ኣዕጽምቲ ቅድሚ ምግጥጣሞም እቲ ዓጽሚ ጠንካራ ንክኸውን ገይሮም።

እቲ ሞዴል፡ ቢቢሲ ስቱዲዮስ፡ ንኔትፍሊክስ ኣብ ዘዳለዎን 'ሚስጢራት ኒያንደርታልስ' ብዝብል ርእሲ ዝቐረበ ሰነዳዊ ፊልምን እዩ።

እቲ ቅዲ ነዞም ሰባት ገጽ የዳልወሎም።

"ምስ መንነትና ንክንራኸብ እትሕግዘና ይመስለኒ" ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ክኢላ ፓሌኦትሮፖሊሲ ዝዀነት ዶክተር ኤማ ፖሜሮይ ተዛሪባ።

"ምስ ዝዀነ ይኹን ኣካል ምስራሕ ኣዝዩ ዘሐጕስን ዓብዪ ዕድልን'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እቲ ሞዴል ዝተሰርሓሉ ሽክና ርእሲ፡ ኣብ ዒራቕ ኩርዲስታን ኣብ ዝርከብ ባዕቲ ሻኒዳር እዩ ተረኺቡ።

ከም ኣቘጻጽራ ኤውሮጳ ብ1950ታት፡ ብውሑድ ቅሪት 10 ኒያንደርታል ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብቲ በዓቲ ተረኺቡ።

ብ2015 ድማ፡ ሰብ መዚ ኩርድ ንጕጅለ ተመራመርቲ ብሪጣኒያ ዕድመ ኣቕሪቦምሎም።

ብዙሕ እንከይጸንሐ፡ ሻኒዳር ዚ ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ዓንዲ ሑቐ፣ መንኩብ፣ ምናትን ኣእዳውን ዝርከቦ ላዕለዋይ ኣካል ሓድሽ ቅሪት እቲ ውልቀሰብ ተረኺቡ።

እቲ ሽክና ርእሲ፡ ኣስታት ክልተ ሜትሮ ተጨፍሊቑ ነይሩ። እዚ፡ ቅድሚ ብዙሓት ዓመታት ካብቲ በዓቲ ብዝወደቐ እምኒ ዝበጽሖ ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብ ሻኒዳር ዝተኻየደ ሓድሽ ኳዕቲ ዝመርሐ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ግሬም ባርከር፡ “እቲ ሽክና ርእሲ ልክዕ ከም ፒዛ ረቂቕ ነይሩ” ኢሉ።

“ድሕሪኡ፡ ናብቲ ሕጂ እትርእይዎ ደረጃ ክሰጋገር ምግባር ኣዝዩ ዘገርም ጉዕዞ እዩ ነይሩ። ሓሓሊፉ ከም ክኢላ ኳዕቲ ዝተፈለየ ነገር ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝሓለፈ ነገር ብምድህሳስ ድማ ትግረም። ስለ ምንታይ ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን፤ ግን ነቲ ፍሉይ ዝዀነ ነገር ንርስዖ ኢና” ይብል።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሓድጊታት፡ ስብርባር እቲ ሽኽና ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከይዱ ክገጣጠም ገይሩ።

እቲ ዝተሓላለኸ ስራሕ ንምዝዛም ልዕሊ ሓደ ዓመት ወሲዱ። ድሕሪኡ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ስእሉ ተሳኢሉ።

እዚ ድማ፡ ብሕትመት 3ዲ ፍሉጣት ንዝዀኑ ክኢላታት ደች ኣድሪን ኣልፎንስ ኬኒስ ተዋሂቡ።

እቶም ክኢላታት፡ ኣዕጽምቲ ሰባት ብ3ዲ ብምድላው ልዑል ክእለት ዘለዎም እዮም።

ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝዀነት ክኣ ርግጸኛታት ኰይኖም።

ኣዕጽምቲ ጐሎ እዚ ንምርግጋጽ ሓገዝቲ ምዀኑ ነይሮም። እንተዀነ ላዕለዋይ ክፋል ሰብነት ጥራይ’ዩ ብዃዕቲ ተረኺቡ።

ስለዚ፡ ኣብ ክንድኡ ተመራመርቲ ምስ ዘርኢ ጓል ኣንስተይቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ውሽጢ ስኒ ዝርከቡ ቀንዲ ፕሮቲናት መሰረት ገይሮም ድሕሪ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ኣረጋጊጾም።

ቁመት እቲ ቅሪት ንኡሽቶ ምዃኑ’ውን ነቲ ውሳንኦም ተወሳኺ እታወት ኰይኑ’ዩ።

ጓል ክንደይ ዓመት ነይራ?

ኣብ መፋርቕ 40ታት ከም ዝሞተት ይግመት።

እዚ፡ ክሳብ ሱሮም ብዝበስበሱ ኣስናና እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

“ኣስናን በዚ ደረጃ ኣብ ዝብስብስሉ ግዜ፡ ብኣግባቡ ክትሓይኽ የጸግም እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ከምቲ ልሙድ ክትምገብ ኣይትኽእልን” ክትብል ዶ/ር ፓሜሮይ ትዛረብ።

“ካልኦት ምልክታት ምጉዳል ጥዕና ስኒ ኣለው። ገሊኦም ረኽሲታትን ሕማማት ድድን’ዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ናብ ተፈጥሮኣዊ መወዳእታ ህይወታ ትጽጋዕ ነይራ ኢለ ይኣምን” ኢላ።

ተመራመርቲ፡ ንነዊሕ እዋን ኒያንደርታል ምስ ናትና ዓሌት ብምንጽጻር ሓደገኛን ተዓጻጸፍቲ ዘይኰኑን’ዮም ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም።

እዞም ግንዛበታት ግን ብድሕሪ እቶም ኣብ ሻኒዳር ዝተረኸቡ ቅሪታት ተለዊጦም።

እቲ በዓቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከም ዝነበረ መርኣዪ እዩ።

ኣስክሬናት፡ ኣብ ጐኒ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣብ ዝርከብ ጉድጓድ ውሽጢ ብጥንቃቐ ተቐሚጦም ኣለው።

ኵሎም ኣስክሬናት ዝተቐመጥሉ መገዲ ድማ ተመሳሳሊ’ዩ።

ገሊኦም፡ ኒያንደርታል ዕምበባታት ተኺሎም ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ኣትዮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

እዚ ድማ፡ ምናልባት መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ወይ ምልክት ሃይማኖት ክኸውን ይኽእል።

ተመራመርቲ ብሪጣኒያ ግን፡ እቲ ዕምበባ ኣብኡ ብዝነበሩ ኣናህብ ወይ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣስክሬን ኣብ ልዕሊ ዝተቐመጡ ዕምባታት ዝመጽአ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሎም ይግምቱ።