ሓሙሽተ ደቃ ዝቐተለት ቤልጅማዊት ኣደ ብገዛእ-ፍቐዳ ብሞት ተቐጺዓ

ሓሙሽተ ደቃ ዝቐተለት ቤልጅማዊት ኣደ፡ ነቲ ገበን ምስ ፈጸመት 16 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ህይወታ ክትቀትል ሕቶ ኣቕሪባ።

ኣብ ለካቲት 2007 ጀነቪቭ፡ በዓል ቤታ ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሚአን፡ ሓደ ወዳን ኣርባዕተ ኣዋልዳን ቀቲላ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ እታ ኣደ ነብሳ ክትቀትል ፈቲና ስለዘይተዓወተት፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ደዊላ።

እታ ጓል 56 ዓመት ኣደ፡ ብገበና ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዳ፡ ክሳብ 2019 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሓ፡ ድሕሪኡ ናብ ሆስፒታል ስነ-ኣእምሮ ተሰጋጊራ።

ኣብ ቤልጅየም፡ ብ"ከቢድ"ን ዘይፍወስን ኣካላዊ ጸገማት ጥራይ ዘይኮነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዝሳቐዩ ሰባት፡ ብሕክምናዊ ሓገዝ ቅትለት ብዝብሃል መንገዲ ክሞቱ ሕጊ ይፈቅድ።

ነዚ ሕቶ ዘቕርቡ ሰባት ግን ሳዕቤን ውሳኔኦም ፈሊጦም ብምኽንያት ከይተናወጸ ከረድእዎ ክኽእሉ ኣለዎም።

"ውሳነ ጀነቪቭ፡ ተመሳሳሊ ሕጋዊ መስርሕ እታ ሃገር ዝኽተልን ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ርእይቶታት ዘጠቓለለን'ዩ" ይብል ጠበቓኣ።

ስነ-ኣእምሮኣዊት ኤሚሊ ማሪዮት ንሓደ መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ጀነቪቭ "ንደቃ ዘለዋ ኣኽብሮት ንምግላጽ" ኣብታ ቅትለት ዝፈጸመትላ መዓልቲ፡ ህይወታ ክትውዳእ ሓቲታ ክትከውን ከምእትኽእል ገሊጻ።

"ምናልባት ደቃ ድሕሪ ምቕታላ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ክትዛዝም ደልያ ትኸውን" ይብል እቲ ክኢላ።

ቅድሚ 15 ዓመት ኣብ ቤልጅየም ከተማ ኒቨለስ ንሓሙሽተ ደቃ ዝቐተለት ኣደ ጉዳይን ፍርድን ነታ ሃገር ኣሰንቢድዋ።

ኣብ እዋን ፍርዲ፡ ጠበቓታት ጀነቪቭ፡ ተኸሳሲት ኣእምሮኣ ስለዝተረበሸት ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ ከምዘይብላ ይምጉቱ ነይሮም። መጋባእያ ዳያኑ ግን ብኣቀዲሙ ዝተተለመ ቅትለት ገበነኛ ምዃና ብምርግጋጽ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪድዋ።

ኣብ 2010፡ እታ ናይ ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ነበር ኣደ፡ "እቲ ቅትለት ንኸይፍጽም ዝሕግዝ ደገፍ ኣይሃብኩምንን" ብምባል ብሰለስተ ሚልዮን ዩሮ ሲቪላዊ ክሲ ኣቕሪባ፡ ድሕሪ 10 ዓመት ድማ ነቲ ክሲ ኣቋሪጻቶ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤልጅየም 2966 ሰባት ብወለንታዊ ሕክምናዊ ድጋፍ ተቐቲሎም።

እዚ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት፡ ብ10 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ይሕብር።

መንሽሮ ከም ጠንቂ እዚ ዓይነት ኣቀታትላ ብሰፊሑ ይጥቀስ።

ካብቶም ዝቐረቡ ኣርባዕተ ምኽንያታት እቶም ሰለስተ "ብዝተፈላለዩ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት ዝሳቐዩ" ከምዘጠቓልሉ ሰበስልጣን ይዛረቡ።

ቤልጅየም ካብ 2014 ጀሚራ፡ ንህጻናት’ውን ብኸቢድ ስቓይ ብዘስዕብ ዘይፍወስ ሕማም ይሳቐዩ እንተኾይኖም፡ ብፍቓድ ወለዲ ብቕትለት ህይወቶም ክሓልፍ ፈቒዳ እያ።