ኢትዮጵያ፡ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ኣጋጢሙ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ናብ ካልኦት ቀበሌታት ከምዝተላብዐ ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት -ኦቻ ኣፍሊጡ።

ኣብተን እቲ ሕማም ዝተዘርግሓለን 10 ወረዳታት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ልዑል ሓደጋ ከምዝርከቡ’ውን እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ’ሎ።

ክሳብ ሰኑይ 22 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዝነበረ እዋን 1,055 ሰባት በቲ ለበዳ ክልከፉ እንከለዉ፡ 28 ሰባት ድማ ሞይቶም።

ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ለበዳ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዞባታት ባሌ፡ ጉጂን ምዕራብ ኣርሲን ኣብ ዝርከባ 8 ወረዳታት (ኣብ 66 ቀበሌታት) ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሊበን ዘለዋ ክልተ ወረዳታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

ካብ ፈለማ ጥሪ ኣትሒዙ፡ ቍጽሪ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ብ30 ሚእታዊት ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብ ኦሮምያ ዞባ ባሌ ዝተበገሰ ለበዳ ናብ ጐረባብቲ ዞባታት ምዕራብ ኣርን ጕጂን ከምኡ’ውን ክልል ሶማል ዞባ ሊበን ከምዝተላብዐ ተገሊፁ።

ፈላማይ ብሕማም ሸሮኽ ዝተለኸፈ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ እዩ ተረኺቡ። ዛጊት ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ 13 ወረዳታት ኣብተን 6 እቲ ሕማም ከምዝተረኸበ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዘሎ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምቍጽጻር ብዝብል ቅድሚ ክልተ ሰሙን ወፍሪ ብኣፍ ዝውሰድ ክታበት ከምዝጀመረ ይግለፅ።

ኣብዚ እዋን እዚ ሓፈሻዊ ተርእዮ ሕማም ሸሮኽ ብስፍሓት ክውስኽ እንከሎ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ’ውን እቲ ለበዳ ኣብ ሓደስቲ ከባቢታት ከምዝተራእየ ኦቻ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ካብ 0 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እዮም። ካብዚኦም እቶም 25 ሚእታዊት ድማ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ከምዝዀኑ ተፈሊጡ።

እዚ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከይላባዕ ቍጽጽር ይግበር ከምዘሎ ጸብጻብ እቲ ቤት ጽሕፈት የመልክት።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ማርሳቢት ለበዳ እዚ ሕማም እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ክረጋገጽ እንከሎ ናብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ከይዝርጋሕ ስግኣት ኣሎ።

ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ?

ሕማም ሸሮኽ ቫይብሮ ኮሌራ ብዝተበሃለ ባክተርያ ዝመሓላለፍ ኰይኑ እዚ ድማ ብዝተበከለ መግብን መስተን ዝኽሰት እዩ።

ትሑት ጽሬት ቀንዲ መንገዲ ምትሕልላፍ እዚ ሕማም እዩ። ብፍላይ በቲ ባክተርያ ናይ ዝተለኽፈ ሰብ ቀልቀል፡ መግብን ማይን ብቐሊሉ ክብክል ይኽእል።

እቲ ባክተርያ ናብ ኣካላት ምስ ኣተወ ዘድሊ ሕክምና ብቕልጡፍ እንተዘይተገይሩ፡ ብርቱዕ ተምላስን ውጽኣትን የስዕብ። ልዑል መጠን ፈሳሲ ካብ ኣካላትና ክወጽእ ብምግባር ድማ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም እዩ።

ምልክታት

መብዛሕትኦም ብባክተርያ ኮሌራ ዝተለኽፉ ሰባት ምልክት ዘይረኣዮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገለኦም ግን ብርቱዕ ተምላስን ውጽኣትን የጋጥሞም።

ከም ውጽኢቱ ድማ ልዑል መጠን ፈሳሲ ካብ ኣካላት ስለዝወጽእ እቶም ሰባት ኣዝዮም ይዳኸሙ። ቃንዛ ቅልጽምን እግርን ከምኡ’ውን ቅርፀት የስዕብ።

እዚ ሕማም ብፍላይ ኣብ ህጻናት ዝበርትዐ ስለዝዀነ ብቕልጡፍ ሕክምና ክረኽቡ እንተዘይተገይሩ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል።