ኣውስትራልያ፡ ጠፊኣ ዝቐነየት ሓደገኛ 'ካፕሱል' ተረኺባ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጠፍአት ሓንቲ ለቖታ ጸርገ-ንጡፍ (ራድዮ-ኣክቲቭ ካፕሱል) ከምዝተረኽበት ሰብመዚ ዞባ ምዕራብ ኣውስትራልያ ሓቢሮም።

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋታት እታ "መርፍእ ኣብ ቊሚጦ ሳዕሪ ረኺቦማ" ክብሉ እቶም ሰብመዚ ጠቒሶም።

እታ ንእሽቶ ኣቕሓ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘሎ ኣስታት 1400 ኬሜ ዝንውሓቱ መስመር እናተጓዓዘት እንከላ ድሕሪ ምጥፍኣ፡ ህጹጽ ናይ ኣለሻ ወፍሪ ክካየድ'ዩ ጸኒሑ።

እታ ስእላ ብሰብመዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ክንዲ ዓተር እትኸወን ካፕሱል፡ እንተ ተተንኪፋ ከቢድ ሓደጋ ከተስዕብ ትኽእል'ያ።

እታ ግፍሓ 6 ሚሊ-ሜትሮ፡ ቁመታ ድማ 8 ሚሊ-ሜትሮ ዝኾነት ካብፕሱል ኣብ መንጎ ጸጸራት ድሕሪ ምርካባ፡ ብዝነበራ ፍሉይ ቁጽሪ (ሰሪያል) ንሳ ምዃና ከምዝተረጋገጸት ተፈሊጡ።

ሒዛቶ ዝነበረት ውሑድ መጠን 'ካእሲዮም-137' ዝተባህለ ባእታ፡ ንቖርበት ክሃሲ፡ ከንድድ፡ ከምኡ'ውን ናይ ጸርጊ (ራዴሽን) ሕማም ከስዕብ ስለዝኽእል'ዩ ምጥፋኣ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ።

ዓቢ ትካል ዕደና ሪዮ ቲንቶ፡ ነታ ካፕሱል ብምጥፍኡ ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

እታ ንእሽቶ መሳርሒት፡ ኣብ ስራሓት ዕደና ንሕፍሰት (ደንሲቲ) ንምዕቃን እተገልግል እያ።

ኣስታት 20 ሜትሮ ዙርያ ናይቲ ዝተረኽበትሉ ቦታ 'ሓደገኛ' (ሆት ዞን) ተባሂሉ ተኸሊሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እታ ካፕሱል ኣብ ውሽጢ ካብ 'ሊድ' ዝተሰርሐ መትሓዚ ክትቅመጥ ምዃና ተገሊጹ'ሎ።

ክሳብ ጽባሕ ሓሙስ ናብታ ዓባይ ከተማ ናይቲ ዞባ ዝኾነት ፐርዝ ትውሰድ፡ ኣብ ከተማ ኒውማን ኣብ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ክትጸንሕ እያ።

ትካል ህጹጽ ሓደጋታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነቲ ዘይብዳህ ዝመስል ዝነበረ ስራሕ ንምዕዋት ዝተኻየደ ሓባራዊ ጻዕርታት ብዙሓት ትካላት" ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

ሓንቲ ፍሉይ መሳርሒ ዝነበራ መኪና ኣብ ሰዓት 70 ከሜ እናኸደት ኣብ ዘካየደቶ ዳህሳስ'ያ እታ ካፕሱል ተረኺባ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ብሰብ ዝተሓዝ ተንቀሳቓሲ ዳህሳሲ መሳርሒ ብምጥቃም፡ ዝነበረቶ ቦታ ክርከብ ተኻኢሉ። ካብቲ ዓቢ ጽርግያ 2 ሜትሮ ርሒቓ'ያ ወዲቓ ጸኒሓ።

ኣብ ርሑቕ ከባቢ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ ዘሎ ዕደና ጉዳይ-ዳሪ ንምዕቃን ሕፍሰት (ደንሲቲ) እተገልግል ዝነበረት ምዃና እቲ ትካል ገሊጹ።

"ብሓጺሩ፡ እታ መሳርሒት ክትጠፍእ ዘይነበራ እያ" ክብል ኣብቲ ኩባንያ ኣካያዲ ዕደና ሓጺን ሳይሞን ትሮት ተዛሪቡ። ኣብ ምርካባ ንዝተሳተፉ ሰብመዚ'ቲ ከባቢ'ውን ኣመስጊኑ።

ኩባንያ ሪዮ ቲንቶ፡ ትካላት መንግስቲ ንምርካባ ንዝገበርዎ ወጻኢታት ክኽሕስ ድሉው ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ሰብመዚ ኣውስትራልያ፡ ንውሕስነት ናይ ከምዚኦም ዝበሉ መሳርሒታት ዝምልከቱ ሕግታት ዳግመ-ክለሳ ክገብርሎም ምዃኖም ኣሚቶም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ ኣብ ከተማ ፐርዝ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ንሕግታት ሓደገኛ ጸርገ-ንጡፍ (ራድዮኣክቲቭ) ባእታት ዝጥሕሱ ዝስላዕ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ "ኣዝዩ ትሑት" ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ንነፍሲወከፍ መዓልቲ ናይቲ ዝህሉ ጥሕሰት 700 ዶላር ኣመሪካ ክፍሊት'ዩ ዝሕተት።

እቲ ባእታ ኣብ ሓደ ሰዓት ዘስዕቦ ጸርጊ (ራዴሽን)፡ ምስ 10 ጨረርታት (X-Rays) ኣብ ሰዓት ዝዳረግ ምዃኑ ሓላፊ ጥዕና ኣውስትራልያ ኣንድሪው ሮበርትሰን ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።

እታ ካፕሱል ንኣስታት ክልተ ሰሙን ጠፊኣ ጸኒሓ ክትከውን ከምእትኽእል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ትጓዓዘሉ ዝነበረት መንገዲ ነዊሕ ብምዃኑ፡ ናይ ዳህሳስ ቦታ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምንባሩ ንምርካባ በዳሂ'ዩ ነይሩ።

እቲ ከባቢ ምድረበዳ ኮይኑ፡ ስሑው መጠን ህዝቢ ዝነብረሉ'ዩ። ኣብቲ ዞባ ካብ ዘሎ ህዝቢ፡ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ሓደ ጥራይ ካብ ከተማ ፐርዝ ወጻኢ ከምዝነብር ጸብጻባት የረድኡ።

እታ ሓደገኛ መዐቀኒት ካፕሱል፡ ብ12 ጥሪ ብሓደ ናይ ኮንትራት ትካል ካብ ቦታ ዕደና ተወሲዳ ናብ ሓደ ኣብ ፐርዝ ዝርከብ ውሑስ ቦታ እናተወስደት እንከላ'ያ ኣብ መንገዲ ወዲቓ።

ብ25 ጥሪ ምስ ተፈተሸት ድማ፡ መትሓዚኣ ተሰይሩ፡ እታ ካፕሱል ጠፊኣ ጸኒሓ።

ሰብመዚ ከምዝግምትዎ፡ ኣብ ጉዕዞ ብዝተፈጥረ ምንቅጥቃጥ እቲ መትሓዚን ገለ ካብ መፋትሑን ተሴሩ ክኸወን ይኽእል'ዩ።

ትካል ዕደና ሪዮ ቲንቶ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሮ ተቐባልነት ከሐድስ ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ኩነታት ኣጋጠሙ ዘሎ።

ኣብ 2020፡ እቲ ኩባንያ፡ ንዝነበሮ ዕደና ሓጺን ንምስፋሕ፡ ንሓደ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ጥንታዊ መዕቆቢ ከውሒ ብምፍንጃሩ ሓያል ቁጠዐ ኣስዒቡሉ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቱ ካብ ስራሖም ክወርዱ ተገዲዶም'ዮም።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፓርላማ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ኣብ ዕደናታት እታ ሃገር ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጻት ከምዝፍጸም ኣረጋጊጹ። እቲ መርመራ፡ ኣብ ዕደና ትካል ሪዮ ቲንቶ 20 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተዓመጻ ድሕሪ ምግላጸን'ዩ ተወሲኑ።