ዘስካሕክሕ ዕንወት ዘኸተለ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ መዓስከር ቓዛ

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 29 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ድማ ቆሲሎም ክብሉ ሰበስልጣን እቲ ሆስፒታል ኣፍሊጦም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ኣባሳን ኣል-ካቢራ ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ኣል-ዓውዳ ከምዝተፈጸመ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።

ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዝተሳተፈ "ኣባል ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ዝዀነ ኣሸባሪ” ዒላማ ንምግባር ዘኽእል "ምጡን ኣጽዋር" ከምዝተጠቕመ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ጥቓ ካብ ከተማ ከሃን ዩኒስ ዝተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ዘዕቆቡላ ቤት ትምህርቲ ኣል-ዓውዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ሲቪላት ከምዝተጐድኡ ንዝገልጽ ጸብጻባት ይምርምሮ ኣለኹ" ኢሉ።

እዚ ፍጻመ ከኣ ሰራዊት እስራኤል፡ ሰላማውያን ሰባት ካብ ከተማ ኣባሳን ኣል-ከቢራን ካልእ ከባቢታት ምብራቓዊ ከሃ ዩኒስን ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ዝሃድሙ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝመልኦ'ዩ ኣጋጢሙ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ እቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን ብተመዛበልቲ ዝመልአ ምንባሩ ብምግላጽ ድሕሪኡ ንዝሰዓበ ደማዊ ኵነታት ብስእላዊ ዝርዝር ኣዘንትዮም።

እቲ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ዕንወት ከምኡ’ውን ሞት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣስዒቡ።

ክፍሊ ኣካላት ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ፋሕፋሕ ኢሉ ዝተረኣየ ኮይኑ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ቴንዳታት ዝሓድሩ ብዙሓት ሰባት እውን ቆሲሎም።

ወዲ 21 ዓመት ኣይማን ኣል-ዳህማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ እዋን ክሳብ 3 ሽሕ ሰባት ናብቲ ዕዳጋን መንበሪ ህንጻታትን ዝርከበሉ ከባቢ ተኣኻኺቦም ከምዝነበሩን ኣረዲኡ።

ንብዝሒ ዝሞቱ ሰባት "ዘይሕሰብ" ክብል ብምግላጽ በቲ ፍንጀራ ኣካላቶም ዝተቘርጸ ሰባት ከምዝረኣየ ተዛሪቡ።

ኣስዒቡ፡ “ማይን መግብን ዝርከቦ፡ ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ኵሉ ነገራትን ዘለዎ. . . ውሑስ ቦታ እዩ ኢሎም ነይሮም። ሃንደበት ግን ሮኬት ኣብ ልዕለኻን ኣብ ከባቢኻ ናብ ዘለዉ ሰባትን ይወርድ” ኢሉ።

መሓመድ ኣዋደህ ዓንዘህ ዝተበሃለ ካልእ ውልቀሰብ ድማ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ዝተዓዳደጉን ካልኦትን ሰባት "ንቡር ህይወቶም የካይዱ" ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣስዒቡ፡ “ሃንደበት ኮፍ ኢልና ከለና ድምጺ ተሰሚዑ። ሽዑ ጸልሚቱ... ንንእሽቶ ወደይ ይምግቦ እየ ነይረ።

“እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይፈለጥኩን። ሃንደበት፡ ሒዘዮ ክጎዪ ጀመርኩ... እናጎየኹ ከለኹ ድማ ካብ እግረይ ደም ክጸርር ረኣኹ።” ይብል።

"ዘስካሕክሕ" ክብል ነቲ ዝነበረ ትርኢት ብምግላጽ፡ ኣብ ስግር ጽርግያ ዝተዘርግሐ ክፍሊ ኣካላት ከም ዝረኣየ ተዛሪቡ።

ኢቕራም ሳሎት ዝተበሃለ ካልእ ምስክር ዓይኒ ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ክካየድ ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ከምዘይነበረ ብምሕባር፡ እቲ ቦታ ብሰንኪ ኲናት ካብ ገዛኦም ክፈናቐሉ ብዝተገደዱ ሰባት ከምዝመልአ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣለዉ፤ ኣብ ጐደናታት’ውን ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዙሓት ቴንዳታትን ሰባትን ነይሮም፣ መንእሰያት ሓዊስካ” ኢሉ።

ወሲኹ “እቲ ዝረኣናዮ መጕዳእቲ፡ ኣብ ንኣሽቱ ቈልዑ እውን ከይተረፈ ከቢድ እዩ ነይሩ” ክብል ኣረዲኡ።

ሓደ ቪድዮ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ብዙሓት ዝሞቱን ብኸቢድ ዝቘሰሉን ሰባት ኣብ ባይታ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታል የርኢ።

ዝተጎድኡ ሰባት ካብ ዝተወሰዱሉ ሆስፒታል ናስር ዝተረኸበ ሓደ ምንጪ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ትጽቢት ከምዘለዎም ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዘዕቑባ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ኣብ ጥቓአን ንራብዓይ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል እተን ቀዳሞት ሰለስተ መጥቃዕትታት ዘካየዱ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ፖሊስን ተዋጋእትን ሓማስ ከም መዋፈሪ ይጥቀሙለን ስለዝነበሩ ከምዝዀነ ይገልጽ።

  • ብቀዳም ኣብ ማእከላይ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ኣስታት 2 ሽሕ ተመዛበልቲ ዝነብሩሉን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድን መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 16 ሰባት ተቐቲሎም
  • ብሰንበት ኣብ ከተማ ቓዛ ብቤተክርስትያን ኣብ እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሓማስን ካልኦት ሰለስተ ሰባትን ከምዝቐተሉ ምንጭታት እቲ ከባቢ ይሕብሩ
  • ብሰኑይ ምሸት ከኣ ኣብ ኑሰይራት ኣብ ዝርከብ ካልእ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ከምዝቘሰሉ ተገሊጹ።